ጀርመን፡ ሞይቱ ዝተረኽበ ወዲ 14 ዓመት 'ኤርትራዊ'

ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ሬሳ ናይቲ ወዲ 14 ዓመት ኣብ ከባቢ ከተማ ዶርማኸን ብሓለፍቲ መንገዲ ከም ዝተረኽበ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ ፍሉጥ ማዕከን ዜና የመልክት።

"ፖሊስ ከም ዝሓበሮ እቲ ወዲ 14 ዓመት ካብ ኤርትራ ዝመጸ እዩ:" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ስድራቤቱ ብዛዕባ ሞቱ ፈሊጦም ከምዘለዉ'ውን ሓያለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ 'ዮሴፍ' ዝተባህለ ኮተቴ፡ ዝኾነ ገበናዊ ድሕረ ባይታ ከምዘይነበሮን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ክለባት ዝሳተፍ ዝነበረን'ዩ።

ኣብ ኣካላቱ ምልክታት ማህረምቲ ከምዝጸንሖ ዝጠቐሱ ፖሊስ፡ ብጭካነ ተቐቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቶም ኣለዉ።

ሓበሬታ ንዝሃቡ 5,000 ዩሮ ጉንዖ ክህቡ ምዃኖም ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ከባቢ ቃል ኣትዮም።

"መርትዖታትን ኣመታትን ብቐጻሊ ይግምገም'ኳ እንተሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ከቢድ ገበን ዝኣንፈተ'ዩ" ይብል ብኣኽበርቲ ሕጊን ፖሊስን ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ።

ዛጊት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር ከም ዘየለ'ውን እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

ሬሳ ናይቲ መንእሰይ ኣብ ከባቢ ዶርማኸን-ሃከንብሮይሽ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ከም ዝጸንሐ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ ሓካይም ህጹጽ ሓደጋ (ፓራመዲክስ) ብኡንብኡ'ዮም ሞቱ ኣረጋጊጾም።

እቲ ኣብ ከባቢ 2018 ምስ ስድራቤቱ ካብ ኤርትራ ከምዝመጸ ዝግለጽ ዘሎ ግዳይ፡ ኣብ መንግስታዊ መንበሪ ገዛ ክነብር ዝጸንሐ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ንወላዲቱ ከም ዝተዛረበ ዝገልጽ ማዕከን ዜና ቢልድ ብወገኑ፡ ብረቡዕ ናብ ናይ ተዂሲ ክለብ ምስ ከደ ከም ዘይተመልሰ የመልክት።

"ትማሊ ለይቲ፡ ዩኒፎርሙ ክዕቅን ናብ ክለብ ተዂሲ ክኸይድ ከም ዝነበሮ ነጊሩኒ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ስለ ዘይተመልሰ፡ ክሻቐል ስለ ዝጀመርኩ፡ ክረኽቦ ፈቲነ፡ ግና ኣይክኣልኩን" ክትብል እታ ኣደ ንቢልድ ተዛሪባ።

ስግኣታ ዝበረኸ እታ ብስም ተጠቒሳ ዘላ ወላዲት፡ ናብቲ ክለብ ብምድዋል ድሃይ ክትሓትት ምስ ፈተነት፡ ሓላፊ ናይቲ ቦታ፡ ክረኽብዎ መደብ ከም ዘይነበሮም'ዩ ሓቢሩዋ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሞት ናይቲ መንእሰይ ከም ዝሰንበዱን ከም ዝጓሃዩን ምምሕዳርን ከንቲባን እታ ከተማ ገሊጾም ኣለዉ።

"ከተማ ዶርማኸን ብሞት ናይቲዚ ወዲ 14 ዓመት ዓሚቚ ሓዘን ይስምዓ" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ እቲ መንእሰይ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብታ ከተማ ክነብር ምጽንሑ ኣረጋጊጹ።

"ቤትጽሕፈት ምጥያስን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከተማ ዶርማኸን ምስቲ ስድራቤት ጽቡቕን ስሩዕን ርክብ ጸኒሑዎ እዩ"።

ሓዘኑ ነቲ ስድራቤት ዝገለጸ ከንቲባ ኤሪክ ሌረንፈልድ ብወገኑ፡ "ፖሊስ ንኩነታት ናይዚ ዘሕዝን ሞት ቅልጡፍን ሰፊሕን መብርሂ ክህብ ምዃኑ ዓቢ እምነት ኣለኒ" ኢሉ።

ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝፈልጥ ዝኾነ ሰብ ሓበሬታ ክህቦም ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ጀርመን ዝፍጸም ዘሎ ቅትለታት ኤርትራውያን ስተኛታት ኣብቲ ማሕበረሰብ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ዝተቘረጸ ኣእዳው ናይ ሓንቲ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ደረት ጽርግያ ተረኺቡ ነይሩ።

ኣብ ዝቐለ መዓልታት ዝተረኽበ ርእሲ ዘይብሉ ሬሳ ድማ ናታ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ወዲ ሰለስተ ዓመት ዕሸል ውላዳ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ደብሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግሪኽ ምርካቡ'ውን ኣይርሳዕን።

ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ሓደ ወዲ 42 ዓመት ካብ ጀርመን ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ይዝከር።