ኣስመራ፡ ሃዋሁ ቅንያት ናጽነት ኤርትራ ብስእሊ

ኤርትራ፡ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት - ቅድሚ 34 ዓመታት - ካብ ኣፍሪቃ ብንውሓቱ ሓደ ካብ ቀዳሞት ዝዀነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ልዑላውነታ ኣረጋጊጻ። 24 ግንቦት ድማ ከም ዕለተ ናጽነት ወግዓዊ መዓልቲ ክትከውን ተኣዊጁ። ዓመት መጽአ ድማ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ይካየድ።

ዓበይቲ ታሪኻውያን ፍጻመታት - ካብ ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ

መግዛእቲ ኢጣልያ

ኢጣልያ ኣብ ሰነ 1890 ኤርትራ ግዝኣታ ምዃና ኣዊጃ፣ ክሳዕ 1941 ድማ ንኣስታት 51 ዓመታት ጸኒሓ።

ምምሕዳር እንግሊዝ

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኢጣልያ ስዒራ፡ ካብ 1941 ክሳዕ 1952 ንኣስታት 11 ዓመታት ንኤርትራ ኣመሓዲራታ።

ፈደረሽን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1952 ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቍረን ድምጺ ሂቡ፣ እንተዀነ፡ እቲ ፈደረሽን ነዊሕ ክጸንሕ ኣይከኣለን።

ምፍራስ ፈደረሽን

ብ1962 ኢትዮጵያ ንውዕል ፈደረሽን ጥሒሳ ንኤርትራ ኣካላ ገይራታ። ነቲ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ወሊዱ።

ናጽነት ኤርትራ

ድሕሪ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃዊን ቃልሲ፡ ነቲ ቃልሲ ዝመርሕ ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1991 ዳርጋ ንመላእ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩዎ።

ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንዱም)

ኣብ 1993 ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ህዝበ-ውሳነ ኣካዪዱ፡ ብ99.8% እወ ንናጽነት ኣድሚጹ፣ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ብምዃን ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኰይና።

ኣስመራ፡ ጽንብል ቅንያት ናጽነት ኤርትራ ብኣሳእል