እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክብረወሰን ብዝሓዘ ዋጋ ዝተሸጠት ሰዓት ተሳፈርቲ ታይታኒክ
ካብ ሬሳ ሓደ ካብቶም ሃብታማት ተሳፈርቲ መርከብ ታይታኒክ ዝተረኽበት ወርቃዊት ናይ ጁባ ሰዓት ኣብ ሓራጅ "ክብረወሰን ብዝሰበረ" 1.78 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ።
ኢሲዶር ስትራውስን በዓልቲ ቤቱ ኢዳን፡ ካብቶም ልዕሊ 1500 ተሳፈርቲ ታይታኒክ እዮም ነይሮም።
እታ ካብ ሳውዝሃምፕተን ናብ ኒውዮርክ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ብ14 ሚያዝያ 1912፡ ምስ ግጉር በረድ ድሕሪ ምግጫያ ከም ዝጥሓለት እውን ይዝከር።
ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ድሕሪ መዓልታት ሬስኡ ካብ ኣትላንቲክ ዝተረኽበ ኰይኑ፡ ካብ ንብረቱ ድማ 18 ካራት ዝምዘን ወርቂ ጁልስ ዩርገንሰን ዝዓይነታ ናይ ጁባ ሰዓት ትርከብ።
እታ ኣብ ኢድ ስድራቤት ስትራውስ ዝፀንሐት ሰዓት፡ ብቐዳም ኣብ ዲቪዝስ፡ ዊልትሻየር ኣብ ዝርከብ ሄንሪ ኣልድሪጅ ኤንድ ሶን ኦክሽንየርስ ተሸይጣ።
ሚስተር ስትራውስ ተወላዲ ባቫርያ ኣመሪካዊ ነጋዳይ ኰይኑ፡ ፖለቲከኛን ሓባራዊ ዋና ናይቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ዲፓርትመንት ስቶር ሜሲን እዩ ነይሩ።
ኣብታ ዝጠሓለላ ለይቲ፡ በዓልቲ ቤቱ ንሰብኣያ ክትገድፎ ስለ ዘይደለየትን ኣብ ጎድኑ ክትመውት ከም ዝመረፀትን፡ ኣብ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ክትኣቱ ከም ዝኣበየትን ይንገር።
ሬሳ ኢዳ ስትራውስ ፈጺሙ ኣይተረኽበን።
ሚስስ ስትራውስ ኣብ ታይታኒክ ስቴሽንሪ ዝተጻሕፈትን ኣብታ ኣብ ቤልፋስት ዝተሃንጸት መርከብ ተለጢፉ ዝተረኽበን ደብዳበ፡ ኣብቲ ሓራጅ 100 ሽሕ ፓውንድ ኣምጺኡ።
ዝርዝር ተጉዓዝቲ ታይታኒክ ብ104 ሽሕ ፓውንድ ዝተዓደገ ኰይኑ፡ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንሰራሕተኛታት እታ ህይወት ኣድሕን ጀልባ ዝተዋህበ ወርቂ ሜዳልያ ድማ፡ ብ86 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ።
ሓራጅ እቶም ምስ ታይታኒክ ዝተኣሳሰሩ መዘከርታታት ብድምር 3 ሚልዮን ፓውንድ በጺሑ።
ተፀጊና ነይራ
እታ ናይ ጁባ ሰዓት ኣብ 02፡20 እያ ደው ኢላ፤ እታ ታይታኒክ ኣብ ትሕቲ ማዕበል ዝጠፍአትሉ ህሞት ምዃኑ እዩ።
ኣብ 1888 ካብ ኢዳ ስትራውስ ንሰብኣያ ኣብ መበል 43 ዓመት ልደቱ ዝተውሃበ ህያብ ከም ዝኾነ ዝእመን ዀይኑ፡ ብቐዳሞት ፊደላት ስሙ 'ስትራውስ' ዝተቐርጸ እዩ።
እታ ሰዓት ናብታ ስድራ ተዋሂቡ ነይሩ።
ወዲ ወዲ ኢሲዶር ዝኾነ ኬነት ሆሊስተር ስትራውስ፡ እታ ሰዓት ክትጽገን ዝገበረ ዀይኑ፡ ንወለዶታት ተሰጋጊሩ።
'ፍፁም ፍቕራዊ ዛንታ'
ሓራጅ ኣንድሪው ኣልድሪጅ፡ "ናይ ዓለም ክብረወሰን ዋጋ" ናይታ ሰዓት፡ ኣብ ዛንታ ታይታኒክ ዘሎ ነባሪ ተገዳስነት ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ኩሉ ሰብ፡ ተባዕታይ ኮነ ሰበይቲ፡ ዓብዪ ዀነ ህጻን፡ ተሳፋራይ ወይ ሰራሕተኛ እታ መርከብ፡ ዝነግሮ ዛንታ ነይርዎ እዩ። ድሕሪ 113 ዓመታት ድማ ብመገዲ እቲ መዘከርታ ይንገር ኣሎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"ስትራውስ ኣብ ፍፁም ዛንታ ፍቕሪቲ እዮም ነይሮም፤ ኢዳ፡ ታይታኒክ ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን፡ ነቲ ን41 ዓመታት ሓቢሩዋ ዝጸንሐ በዓል ቤታ ምፍናው ኣብያ፡ እዚ ክብረወሰን ዓለም ዝኾነ ዋጋ ድማ ነቲ ፍቕራዊ ኣኽብሮት ምስክር'ዩ።"
ንካፕቴን እታ ልዕሊ 700 ሰባት ካብ ሓደጋ ታይታኒክ ዘድሓነት መርከብ፡ ስቲም ካርፓቲያ፡ ዝተዋህበት ወርቃዊት ናይ ጁባ ሰዓት፡ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ሽዑ ክብረወሰን ዝሰበረ 1.56 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ ምንባራ ይዝከር።