እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮኾብ ሆሊውድ ጀኒፈር ሎፐዝ ንራብዓይ ግዜኣ ክትፋታሕ እያ
ኮኾባት ሆሊዉድ ጀኒፈር ሎፐዝን ቤን ኣፍሌክን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ሓዳር ይፋትሑ ኣለዉ።
ሎፐዝ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎስ ኣንጀለስ ናይ ፍትሕ ደብዳበ ከምዘቕረበት ቢቢሲ ዝረኣዮ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብር።
እቶም ቤኒፈር ተባሂሎም ዝተሰምዩ መጻምዲ ኣብ ሓምለ 2022 ኣብ ላስ ቬጋስ ብወግዒ ቀለበት ኣሲሮም፡ ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ ድማ ኣብ ጆርጅያ ዝዓበየ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣካይዶም።
ኣብ 2003 ፊልሚ ክሰርሑ ምስተራኸቡ ፍቑራት ከምዝነበሩ ዝተነገረሎም እዞም ሰብ ሓዳር ፈለማ ኣብታ ዓመት እቲኣ ክምርዓዉ መደብ ነይርዎም።
እንተዀነ፡ ኣብ መጀመርታ 2004 ግን ርክቦም ኣቋሪጾም። ዳርጋ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ድማ ርክቦም ዳግማይ ተጀሚሩ።
“ፍቕሪ ጽቡቕ’ዩ፤ ፍቕሪ ሕያዋይ እዩ። ፍቕሪ ድማ ትዕግስቲ ምዃኑ የረጋግጽ። ናይ ዕስራ ዓመት ትዕግስቲ” ክትብል ሎፐዝ ኣብ 2022 መርዓ ላስ ቬጋስ ድሕሪ ምግባሮም ዝተዛረበቶ’ዩ ነይሩ።
ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ምስ ወከልቶም ተራኺቡ ነይሩ።
ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጥርዓን፡ ሎፐዝ ወይ ጠበቓኣ ኣፍለክ ሓዳሮም ንምፍራስ ዘቕረበቶ ጥርዓን ቅዳሕ ሒዞም ከፍልጥዎ ኣለዎም ይብል።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርዎ፡ እታ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ መወዳእታ ስማ ናብ ኣፍለክ ዝቐየረት ሎፐዝ፡ ኣብቲ ንፍትሕ ዘቕረበቶ ጥርዓን ቅድሚ መርዓ ዝተገብረ ስምምዕ ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይጠቐሰትን።
ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎስ ኣንጀሎስ ዝቐረበ ሰነድ፡ ክልቲኦም ህሉው ኣታዊታቶም፡ ወጻኢታቶም፡ ንብረቶምን ዕዳታቶምን ሓዊሱ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ክካፈሉ ኣለዎም ይብል።
እቲ ሰነድ፡ ክልቲኦም "ብዛዕባ ኵሉ ኣብ ጉዳይኩም ዘሎ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክሳብ ዝፍጠር" ኣብ ፋይናንሶም ዝዀነ ለውጢ ክገልጹ ግዴታ ከምዘለዎም ይገልጽ።
ቤት ፍርዲ ንሎፐዝ ፋይናንሳዊ ትሕዝቶኣ ከተቕርብ 60 መዓልታት ዝሃባ ኮይኑ ኣፍለክ ድማ ሓበሬታኣ ምስ ኣቕረበት ካልእ ተወሳኺ 60 መዓልታት ክወሃቦ’ዩ።
እቲ ሰነድ፡ ክልቲኣቶም መጻምዲ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ገደብ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ከቕርቡ እንተዘይክኢሎም ብቤት ፍርዲ እገዳ ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጽ።
እቲ ኣብ መንጐኦም ዝተፈጠረ ነቓዕ ንኣዋርሕ ብትሒም ትሒም ክበሃል ጸኒሑ’ሎ።
ኣብ ቤቨርሊ ሂልስ ዝርከብ መንበሪ ገዛኦም ብ65 ሚልዮን ዶላር ንመሸጣ ከምዘቕረቡን ቀለቤት መርዓኦም ከይኣሰሩ ብተናጸል ከምዝተሳእሉን ይንገር።
ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ኦስካር ዝኾነ ኣፍለክ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስታ ኣብ 2001 ኣብ ፍቕራዊት ፊልም ፐርል ሃርበር ዝተላለያ ተዋሳኢት ጀኒፈር ጋርነር ተመርዕዩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ሓዳር ኣብ 2015 ዝተፋትሑ ኰይኖም ሰለስተ ቈልዑ ወሊዶም።
ሎፐዝ ኣርባዕተ ግዜ እያ ተመርዕያ። ፈለማ ምስ ኩባዊ ኣሳሳዪ፡ ኦጃኒ ኖኣ ካብ 1997-98፡ ድሕሪኡ ካብ 2001-03 ናይ ቀደም ሳዕሳዒኣ ዝነበረ ክሪስ ጁድ፤ ከምኡ’ውን ካብ 2004-14 ማንታ ቈልዑ ዝወለደትሉ ድምጻዊ ማርክ ኣንቶኒ።
እታ ብ 'J.Lo' እትፍለጥ ደራፊትን ተዋሳኢትን፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ኮኾብ ፊልም ኒውዮርክ ያንኪስ ኣሌክስ ሮድሪገዝ'ውን ተሓጽያ ነይራ።