ኤርትራን ግብጺን ዝተፈላለየ ስምምዓት ፈሪመን

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኤርትራን ግብጽን ብቀዳም 16 ግንቦት ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ከም ዝፈረማ ማዕከናት ዜና ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን።

እቲ ምፍርራም፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ መቐበል ኣጋይሽ ደንደን እዩ ተኻይዱ።

እቲ ስምምዕ ብምኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ብርሃነ ተስፋስላሰን ምኒስተር ትራንስፖርት ግብጺ ሌተናል ጀነራል ካሚል ኣልወዚርን ዝተኸተመ እዩ።

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ናብ ኣስመራ ዝተጓዕዘ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ኣብ ጽላታት መጓዓዝያ፡ ጸዓትን ዕደናን ዝሰርሓ ኩባንያታት ውን ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ዘጠቓለለ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ዘካየዶ ዑደት እዩ።

ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ምያዝያ፡ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካየደ ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ትካላት ባንክን መድሃኒትን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

ምኒስተር ዓብደልዓጢ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ "ካይሮ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ቅንዕናን ኤርትራ ዘለዋ ደገፍ" ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ ኤርትራ ምስ ኩባንያታት ግብጺ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ መጓዓዝያን ዕደናን ሓባራዊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።

ክልቲኦም ምኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ እውን በበይኖም ዝርርብ ከም ዘካየዱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሃዋሲ ዞባዊ ምዕባለታት ዝበሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዑደት ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ብሰንኪ ኲናት ኢራን፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝተፈጥረ ኵነታት ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ከይድገም ዝሰግአት ኣመሪካ፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ወጢናቶ ዝጸንሐት ምምሕያሽ ዝምድና ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዘላ እዋን፡ ግብጺ ወሳኒ ናይ መንጐኛነት ተራ ሒዛ ትዋሳእ ከም ዘላ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ዶ/ር ባድር ነቲ ኣጋጣሚ ናይ ትማሊ ዑደቱ ተጠቒሙ፡ "ድሕነትን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ግዝኣታት ጥራይ ምዃኑ" ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ዞባ ንጸጥታ ባሕሪ ብዝብል ንዝዀነ ይዅን ተራ ናይ ደገ ሓይልታት ነጺጉ፡" ክብል ማዕከን ዜና ግብጺ ገሊጹ።

እዚ መርገጺ ምስቲ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኮሪደር ቀይሕ ባሕሪ ዝጸንሐ ተቓውሞኣ ንህላወ ግዳማዊ ሓይሊ ባሕሪ ዝሰማማዕ'ዩ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ማይን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣባይን ንነዊሕ ዓመታት ክዋጠጣ ጸኒሐን እየን።

ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብፍላይ ከኣ ሱዳን፡ ኤርትራን ግብጺን ነቲ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝመርሖ ሰራዊት ሱዳን ክድግፋ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኢማራትን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝድግፋ ክንገር ጸኒሑ እዩ።