እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ግብጺ ኣፍሊጣ
ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ እታ ሃገር ብምርኻብ ይዘራረብ ኣሎ።
ኣብቲ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደል ዓጢ ዝተኻየደ ርክብ፡ እታ ዓረባዊት ሃገር ንኤርትራ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ኣረጋጊጻ ኣላ።
ብወገን ካይሮ ዝወጽአ ዜና ከም ዘነጽሮ፡ ክልቲአን ሃገራት "ስትራተጅያዊ ዝምድና" ኣለወን ክብል እቲ ግብጻዊ ምኒስተር ከም ዝተዛረበ ይጠቅስ።
"ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታ ግዝኣታዊ መሬትን ኤርትራ ምሉእ ደገፍ ከም ዘለዋ ኣስሚርሉ፡" ይብል እቲ ብምኒስትሪ ወፍርን ንግዲ ወጻኢን እታ ሃገር ዝወጽአ መግለጺ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ጉዳይ ናይቲ ኣዲስ ኣበባ ብቐጻሊ ተልዕሎ ዘላ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን ወደብን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ያ ካይሮ ነዚ መግለጺ ትህብ ዘላ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ፕረዚደንት ታየ ኣስቀ ስላሴን ዝርከብዎም ስቪላውያንን ወተሃደራውያን መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ 1991 ከምኡ'ውን ኣብ 1993 ሓርነታን ናጽነታን ኣብ ዝኣወጀትሉ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ጥልመት ከም ዝተፈጸመ'ዮም ዝኸሱ።
ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1993 ናጽነታን ልኡላውነታን ኣብ ዝኣወጀትሉ ብህወሓት ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ይፍለጥ። ገለ ኢትዮጵያን፡ ኢህወደግ እንተ ወሓደ ንወደብ ዓሰብ ንምውናን ክከራኸር ይኽእል ነይሩ'ዩ ብምባል'ዮም ዝምጕቱ።
ኣስመራ፡ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ ጠለባት ኣፍደገባሕሪ "ኣዋጅ ኲናት" ብምባል'ያ ትነቕፎ።
ካብ ኣምባሳደራት ናብ ፈጸምቲ ጉዳያት ዝወረደ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተበትከ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ደማዊ ኲናት ከይውላዕ ዓቢ ስግኣት'ዩ ተፈጢሩ ዝርከብ።
ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ብሰንኪ ህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምስሕሓብ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምዕብል ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ ፍሉይ ወኪል ቻይና ናብቲ ዞባ ሁ ችንግቹን ናብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ።
"ኣብቲ እናገደደ ዝኸይድ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝርከበሉ እዋን፡ ግደ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማዊን ዞባዊን ጉዳያት ዝለዓለ ክኸውን ዝግባእ፡" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ ገሊጽሉ ነይሩ።
ምስ ኤርትራ ዘለዎም ክልተኣዊ ሽርኽነት፡ ኣካል ናይቲ፡ "ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምድንፋዕ ስትራተጂ ልምዓት፡" ምዃኑ ኣምባሳደር ቻንግቹን ከም ዝተዛረበ'ውን እቲ ብወገን ኣስመራ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ኣብቲ ዞባ ከም ዘሎ ዝንገረሉ ቻይናዊ ወኪል፡ ብሰኑይ ናብ ሞቓድሾ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ሳልሕ ተራኺቡ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ዛጊት ግን ናብ ኢትዮጵያ ኣይበጽሐን ዘሎ።
ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ኵነታት ሱዳንን ኣልዒሎም ከም ዝተዘራረቡ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ንቝጠባ ብዝምልከትከ?
እቲ ንምኒስተር ንግዲ ኤርትራ ነስረዲን ሳልሕ ዘጠቓለለ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ምኒስተር ወፍሪን ንግዲ ወጻኢን ግብጺ ዶ/ር መሓመድ ፋሪድ ሳልሕ ብዛዕባ ቍጠባዊ ጉዳያት ተዘራሪቡ ነይሩ።
"ኣህጉራዊ ስምምዕ ናጻ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ንፍርያት ግብጺ ናብ ዕዳጋ ኤርትራ ክሸይጥ ዕድል ዝኸፍት'ዩ፡" ይብል እቲ መግለጺ።
እንተዀነ፡ ኤርትራ እታ እንኮ ነቲ ስምምዕ ናይቲ ናጻ ዕዳጋ ዘይፈረመት ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና'ዩ ዝፍለጥ።
ካይሮን ኣስመራን ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወፍሪ፡ ትሕተ-ቅርጺ ንግዲን ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ከደንፍዓ ዘለወን ድሌት ክገልጻ'ኳ እንተ ጸንሓ፡ ዛጊት ካብዚ ልሙድ ዲፕሎማስያዊ ብህሎታት ዝሓልፍ ዕቱብ ገስጋስ ኣይገበራን።
ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ኣብቲ ርክብ ተላዒሉ ነይሩ። ይዅን'ምበር ብወገን ኤርትራ ምስቲ ጕጅለ ልኡኽ ዝኸዱ ወከልቲ ትካላት ብሕቲ ምንባሮም ኣይተፈልጠን።
ንግዳዊ ምልውዋጥ ክልቲአን ሃገራት ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ከም ዘይሓልፍ ጸብጻባት የመልክቱ። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ፡ ፍርያት ግብጺ 10 ሚእታዊት ናይቲ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ተእትዎ ይውክል። ቀንዲ ተሳታፍነት ግብጺ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ድማ ፍርያት ፋርማሲ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ቍጠባ ኤርትራ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዕጹው ፖሊሲታትን ስእነት ወፍሪን ተሪሚሱ ከም ዘሎ ይግለጽ። ፕረዚደንት እታ ሃገር'ውን ብቐጻሊ "ናይ ዕንጋሎ" ክብል'ዩ ዝገልጾ።
ኣብ ጽላት ዕደና ክካየድ ዝጸንሐ ወፍሪ'ውን ዛጊት ነቲ ህዝቢ ዝበሃጎ ቍጠባዊ ለውጢ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እቲ ዝርካቡ ናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ኤርትራ በቲ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ቍጠባዊ ክንፊ ህግደፍ ዝዕብለል ምዃኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዘማርርሉ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ምኒስተር ንግዲ ካልድ ሓሽምን ምስ ሓለፍቲ ማእከላይን ሃገራዊን ባንኪ ከም ዝተራኸቡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ተራን ደረጃን ኣገልግሎት ባንኪ ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናተዳኸሙ ዝመጽኡ ኣገዳስቲ ትካላት ቍጠባ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ክልተ ባንክታት እየን ዘለዋ፤ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ዝዓበየን ብመንግስቲ ዝውነንን ክኸውን ከሎ፡ ባንክ ኣባይቲ ኤርትራ ድማ ብህግደፍ ይውነን። እቲ እንኮ ዕድጊ ባጤራ ዘካይድ ድማ ብህግደፍ ዝውነን ትካል ሸርፊ ሂምቦል እዩ።
እቲ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዘየተባብዕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ርእሰማሎም ከውፍሩ ዝፈተኑ ዜጋታት'ውን ገንዘቦም ሒዞም ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክስደዱ ከምዘገደዶም 'ዩ ዝንገር። ብዙሓት ካብኦም፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ብቢልዮናት ዝግመት ሃብቲ ብምፍሳስ ንቝጠባ እተን ሃገራት ኣብ ምዕባይ ዓቢ ግደ ይጻወቱ ኣለዉ።
ብኣንጻሩ፡ ግብጺ ኣብታ መተፋንንታ ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ኣለዋ። ገለ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወፍሪ ግብጺ ኣብ ፋብሪካታት ዓለባ፡ ገመድ፡ ከምኡ'ውን ሕርሻ እንስሳን ውጽኢታቱን ፈሲሱ ዘሎ'ዩ።
ምዕቡል ሕርሻን ዝተፈላለየ ኢንዱስትሪታትን ከም እትውንን እትፍለጥ ግብጺ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ወፍሪ ከም እትገብር ይግለጽ።