ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ንደገፍቲ ሊቨርፑልን ማድሪድን ይቕረታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮፓ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ኵነታት፡ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ - ዩኤፋ- ንኵሎም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ደገፍቲ ሊቨርፑልን ሪያል ማድሪድን ይቕረታ ብምሕታት፣ ከምዚ ዓይነት ተጓንፎ ድሕሪ ሕጂ ከምዘይድገም ገሊጹ።
ደገፍቲ ሊቨርፑል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 28 ግንቦት ኣብ ፓሪስ - ፈረንሳ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ብሰንኪ ኣባላት ፖሊስ፡ ትካላዊ ድኽመትን ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕን ዝተፈጥረ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
ሪያል ማድሪድ ብወገና፡ ብዛዕባ’ቲ "ዘሕዝን ፍጻመታት" መልሲ ክወሃባ ሓቲታ።
ብዓርቢ ዝወጽአ መግለጺ ሪያል ማድሪድ፡ ስለምንታይ ስታድዮም ‘ፍራንስ’ ንመዛዘሚ ጸወታ ከም ዝተመርጸ፣ ብዛዕባ’ቶም ብዘይብቝዕ ሓለዋ ግዳያት ኰይኖም ዝተረፉ ደገፍቲ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካልን ምስኡ ዝዛመዱ ጕዳያት ብምጥቃስ መብርሂ ዝሓትት እዩ።
"ዝኾነ ደጋፊ ኵዕሶ እግሪ ንኸምኡ ዓይነት ኵነታት ክቃላዕ ኣይግባእን፣ ከምዚ ዓይነት ነገር ዳግማይ ክፍጠር የብሉን፡" ይብል መግለጺ ዩኤፋ።
“ኣብቲ ዓቢይ ጽምብል ኵዕሶ እግሪ ክለባት ኣውሮጳ ክኸውን ዝነበሮ፡ ምሸት 28 ግንቦት 2022 ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ እቲ ክኸውን ዘይግባኦ ዝነበረ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ፍጻመታት ዝተጓነፎም ተዓዘብቲ፡ ዩዌፋ ካብ ልቢ ይቕሬታ ክሓትት ይደሊ።"
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፡ እቶም ትኬቶም ሒዞም ናብቲ ስታድዮም ከይኣትው ብኣባላት ጸጥታ ዝተዓገቱ ተዓዘብቲ፡ "ኣብ ዝቐለጠፈ ግዜ ትኬቶም ክምለሰሎም ኣለዎ፡” ኢሉ።
ማክሮን፡ "እቶም ንየው ነጀው ዝተኸላበቱን ንዝኸፈሉሉ መንበር ክረኽቡ ዘይከኣሉን ተዓዘብቲ የተሓሳስቡኒ፡” ኢሉ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ማክሮን፡ "መንግስቲ እንታይ ከምዘጋጠመ ከነጽር፡ ሓላፍነት ክውስድን ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ንእንግሊዛውያንን ስጳኛውያንን ፈተውትና ብዝርዝር ከረድኦምን ሓቲተ ኣለኹ፡" ኢሉ።
ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ኣብቲ ኵነታት ካብ መጀመርታ ክሳብ ፍጻመ እንታይ ከም ዘጋጠመ፡ ከምኡ’ውን ካብኡ እንታይ ትምህርቲ ክውሰድ ከም ዝኽእል፡ ብዶክተር ቲያጎ ብራንዳኦ ሮድሪገዝ ካብ ፖርቱጋል ብዝምራሕ ናጻ ጕጅለ ክምርመር ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሰበስልጣን ፈረንሳን ዩኤፋን፡ እቶም ደንጉዮም ዝመጽኡን፡ ናይ ሓሶት ትኬትን ዝሓዙን ተዓዘብቲ ጠንቂ ናይቲ ካብ ስታድዩም ፍራንስ ወጻኢ ዝተራእዩ ህውከትን፡ ምድንጓይ እቲ ጸወታ ብልዕሊ ፍርቂ ሰዓትን ምዃኖም ክወቕሱ ተሰሚዖም እዮም።
ፖሊስ ኣብ ገለ ደገፍቲ ዘንብዕ ጋዝን ዝንጸግ በርበረን ተጠቒሞም። ብተወሳኺ፡ ጕጅለ ዓዋሉ’ቲ ከባቢ፡ ንገለ ደገፍቲ ዒላማ ከም ዝገበሩ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጄራልድ ዳርማኒን፡ ኣብቲ መዛዘሚ መዓልቲ ህውከት ዘለዓዓሉ እንግሊዛውያን ደገፍቲ ጥራሕ እዮም ኢሉ።
ነዚ መግለጺ ሚኒስተር ፈረንሳ መበገሲ ገይሩ፡ ዋና ዳይሬክተር ሊቨርፑ ቢሊ ሆጋን፡ "እቲ ዝሓለፈ ቀዳም [ደገፍቲ] ዘጋጠሞም ቃንዛ፡ ሓዘን፡ መጕዳእቲ ከይኣክል ሕጂ ድማ ብሓደ ፈረንሳዊ ሚኒስተር፡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ጥራይ’ዮም ጸገም ናይቲ ህወከት ምባሉ ‘ዘሕፍር’ ጥራይ'ዩ፡" ኢሉ።
ሆጋን ብሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ "ንዩኤፋ፡ ኣብ ዘካይድዎ መርመራ ክምልስዎ ዝግባእ 13 ሕቶታት ኣልዒልና ጽሒፍናሎም ኣለና፡" ይብል።
መግለጺ ዩኤፋ፡ "እቲ መርመራ፡ ምሉእ ስእሊ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ስታድዩምን ከባቢኡን ኣብቲ መዓልቲ ዘጋጠመ፡ ብግዜ ዝተታሕዘ ፍጻመታት ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ፤ ብመንገዲ ዝተፈላለዩ መእተዊታት ኣቢሉ ናብ ስታድዩም ዝመጽአ ዋሕዚ ተዓዘብቲ’ውን ብሓገዝ ዝተፈላለየ መሳርሒታት ክምርመር እዩ፡” ክብል የነጽር።
ሓደ ካብ ኣርካናት ክለብ ሊቨርፑል ዝዀነ ሰር ኬኒ ዳግሊሽ፡ እቲ ይቕሬታ ምሕታት ጽቡቕ ጅምር ‘ኳ እንተዀነ፡ ገና ነዊሕ ዝተርፍ ኣሎ፡ ክብል ዘይዕጕብነቱ ገሊጹ’ሎ።
"እዚ ይቕሬታ፡ ብዛዕባ ምድንጓይ ምጅማር ጸወታ ዝተዋህበ ናይ ሓሶት መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኣብ ደገ ዘጓነፈ ፍጻመታት፡ ወይ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕንወትን ኣየጠቓልል እዩ፡" ይብል ዳግሊሽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







