ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ከም ዘሻቕሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, European Commission
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፍአ ምምጽኡ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ።
ጃነዝ ሌናርቺክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ውግእ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዘመዛበለ ብምጥቃስ፡ ኣብ ንብረትን ትሕተ-ቅርጽን ዕንወት ከምዘስዓበ ጠቒሱ።
"ውግእ ዳግማይ ምውልዑ ንንጥፈታት ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣዝዩ ዓንቃፊ'ዩ" ክብል እቲ ብዓል ስልጣን ገሊጹ።
"ኣብ ነሓሰ 2022 ዳግማይ ዝተወልዐ ተጻብኦ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ሃዋህው ጸገም ይፈጥር ብምህላዉ ንሕብረት ኣውሮጳ ዘሰንበደ እዩ" ኢሉ።
ሕብረት ኣውሮፓ፡ ኣብቲ ካብ ዝጅምር 3 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰት ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኣዝዩ ከምዝኹንኖ ይሕብር።
ኩሎም ወገናት ተፃብኦታት ብቕልጡፍ ኣቋሪፆም ኣብ ድርድር ዝተመስረተ፡ ተኹሲ ደው ናብ ምባል ክበፅሑ ድማ የተባብዕ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይምትእጉጓል ንክበጽሕ ክተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
ብተወሳኺ እቲ ሕብረት፡ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ መትከላት ጥንቃቐን ፍልልይን ኣካይዳ ተጻብኦታት ብጥብቂ ብምትግባር፡ ውሕስነትን ድሕነትን ሲቪላት፡ ሰብኣዊ ሰራሕተኛታትን ሰብኣዊ ንብረታትን ናይ ምርግጋጽ ግዴታ ከምዘለዎም የዘኻኽር።
ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘለው ምዕባለታት
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ ኣሸሓት ህይወቶም እንትስእኑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ተፀበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ።
ፀብፃብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መላእ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን 13 ሚሊየን ህዝቢ “ህጹጽ ሓገዝ መግቢ” ከም ዘድልዮም ይሕብር።
እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ብፍላይ ሰብኣዊ ትካላት ስርሐን ደው ከብላን ገለ ሰራሕተኛታት ካብቲ ብግጭት ዝተሃስየ ከባቢታት ክስሕባን ብምግባሩ ኣብ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ረድኤት ብኸቢድ ይዕንቅፍ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ክብል ኰኒኑ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ኣብ ትግራይ፡ ረድኤት ጽዒና እትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝተፈጠሮ ፍርስራስ ከም ዝተሃርመትን መራሒ እታ መኪና ከም ዝቘሰለን እቲ ትካል ምግላጹ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ወተሃደራት ኤርትራ ሻቕሎት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብሉ ኣለዎም" ኢሉ ነይሩ።
ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም ነቲ ዝቐርበሎም ነቐፌታታት ብምቅዋም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሃቐነ ከምዘለዎም ይኸሱ።
ነቲ ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







