ኢትዮጵያ፡ ብቲክቶክን ጸቕጢ መሓዙታን ነብሳ ዘጥፍአት ኰተቴ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ታሪኽ ነብሰ ቅትለት ሓዊሱ ገለ ንኣንበብቲ ክርብሹ ዝኽእሉ ዝርዝር ጕዳያት ዝሓዘ እዩ።
ፊዮሬላ ነብዩ ገና ጓል 13 ዓመት እያ ነይራ። 4 ጥሪ ዝተወለደትሉ መዓልቲ ንምኽባር ምድላዋት ተገይሮም። እዚ ምስ ኣሕዋታ ኣብ ኣመሪካ ክኽበር ስለ ዝተሓስበ ናብ ኣመሪካ ንክትኸይድ ትዳሎ ነይራ።
ስለዚ ትኬት ነፋሪት ተገዚኡ። ፊዮሬላ ግን ቅድሚ ዕለተ ልደታ 7 ሰሙን ኣቢላ ነብሳ ኣጥፊኣ።
"ዝዀነ ምልክት ኣይረኣኹን" ይብል ኣቡኣ ነብዩ ሳሙኤል።
"እዚ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ ዝነገረኒ ሰብ ኣይነበረን።"
እዚ ዛንታ ፊዮሬላ'ዩ፡ ዛንታ ፍቕሪ፡ ዘይርአ ሕማም፡ ዓመጽን እናዓበየ ዝኸደ ቅልውላውን።
"ኣካቢት ደቀይ"
ፊዮሬላ፡ ወለዳን ኣሕዋታን ብፍላይ ድማ ብኣቦኣ እትፍቶ ቈልዓ'ያ ነይራ። ነብዩ ምስ ደቁ ጽቡቕ ግዜ ከም ዘሕለፈ ደጋጊሙ ይዛረብ።
ምስ ፊዮሬላ ድማ ብዙሕ ግዜ ብሓባር፡ እናተጻወቱ፡ እናሰሓቑን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናተጓዕዙን ብሓባር የሕልፉ ነበሩ።
ፊዮሬላ ኣብ በረራታት ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድኑ ኮፍ ትብል ነይራ። ነብዩ "ኮፓይለት (ሓጋዚት ፓይሎት) ንብላ ነይርና፡" ይብል።
ንሳ፡ ጓሉ ጥራይ ዘይኰነት እታ ዝበለጸት ዓርኩ እያ ነይራ። ኣብ ገዛን ኣብ ቤት ትምህርትን ፊዮሬላ ብዋዛ፡ ብልሓን ርእሰ ተኣማንነታን ትፍለጥ ነይራ።
መምህራን ድማ ንፍዕትን ተፈታዊትን ክብሉ ገሊጾማ። ምስ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ትሰማማዕ ነበረት። ኣቦኣ ከም ዝብሎ፡ ካብ ዕድመኣ ንላዕሊ ብስልቲ እያ ነይራ።
"ካብ ዕድመኣ ንላዕሊ በላሕ፡ ጥንቅቕቲ፡ ገንዘብ ዘይተባኽን፡ ፍልጠት ዘለዋን መምህርን እያ ነይራ፡" ይብል።
"ኣርባዕተ ቈልዑ ኣለዉኒ። ኣካቢት ደቀይን መዓዲትን እያ ነይራ፡" ብምባል፡ ኣሰር ኣቦኣ ስዒባ ነጋዲት ክትከውን ድልየት ከም ዝነበራ ገሊጹ። ኣብ ህይወታ ዝዀነ ምልክት ተስፋ ምቝራጽ ከም ዘይነበራ'ዉን ሓቢሩ።
"ይዋዘ'የ ዘለኹ"
ኣቦኣ ዘይፈልጦ፡ ድሕሪ ሞታ ዝፈለጦ፡ ፊዮሬላ ብሕቡእ ክትቃለሶ ዝጸንሐት ነገራት ነይሩ። ቅድሚ ሞታ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ ፊዮረላ ክብደት ሰብነታ ወሲኹ ነይሩ። እዚ ምስ ዕድመኣ ዘይተለምደ ኣይነበረን። መዛኑኣ ግን ከላግጹላ ጀሚሮም።
ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ኢንተርነትን ዘባጭውላ ነይሮም። ድሒሩ መሓዙታ ፊዮሬላ ኣብ ከም በዓል ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ ዝላገጹላ ሰባት ከም ዝነበሩ ንኣቦኣ ነጊሮምዎ። እዚ ምስ ሞተት እዩ ዝሰምዖ ዘሎ።
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እቲ ጉዳይ ርእሰ ተኣማንነታ ክጐድል ጀመረ። ፊዮሬላ ንኣሓታን መሓዙታን ምቾት ከም ዘይስምዓ ነገረቶም።
"ክብደት ሰብነት ይውስኽ ኣለኹ፤ ነብሰይ ኣይፈተኹዎ።"
ንሳ ግን ነዚ ዕሽሽ ከም ዝበለቶ ከተምስል እያ ትጽዕር። ዘምረረት ንከይመስሎም ብዝብል ቀልጢፋ እቲ ዛዕባ ናብ ካልእ ዛዕባ ተስግሮ።
"ይዋዘ ጥራይ'የ ዘለኹ" ትብል።
ጸኒሓ'ውን ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ዝነገረቶም መሓዙታ ኣለው። ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ክትዛረብ ከላ እውን ከም ዋዛ እያ ተልዕሎ። መሓዙታ'ውን ካብ ልባ ምዃኑ ኣይተገንዘቡን።
ኣቦኣ ግን ነዚ ዅሉ ነገራት እዚ ሰሚዑ ኣይፈልጥን። "ካልኦት ትጕዳእ ከም ዘላ ይፈልጡ ነይሮም። ኣነ ግን [ኣቦኣ] ኣይፈለጥኩን።"
"ሰብነተይ ቅሩብ ተረቢሹ"
ኣብ መወዳእታ ፊዮሬላ ባህሪኣ ቀስ እናበለ ክቕየር ጀሚሩ። ካብቲ ምስ ኣሕዋታ እትሓድረሉ መደቀሲ ክፍሊ ቀይራ። ማዕጾ እቲ እትድቅሰሉ ክፍሊ ከኣ ክትቑልፎ ጀሚራ።
ስለ ምንታይ ኢኺ መደቀሲ ክፍሊ ቀይርኪ ተባሂላ ምስ እትሕተት 'እቲ ዓራት ዝሓሸ ምቾት ኣለዎ' ትብል።
ማዕጾኸ ንምንታይ ይቑለፍ ኣሎ? ክትብሃል ከላ 'ሰብ እንተኣተወኸ' ዝብል መልሲ ትህብ።
እዚ ዅሉ ዘፍርሕን ዘሻቕልን መልሲ ኣይበረን። በዚ ምኽንያት ነብሰ ቅትለት ክትፍጽም እያ ኢሉ ዝጠርጠረ ኣይነበረን።
እቶም ናይ መወዳእታ መዓልቲታት'ውን ንስድራኣ ዝተለምዱ እዮም ነይሮም። ንግሆ ኣቦኣ ጎልፍ ክጻወት ክወጽእ እንከሎ ስዒማቶ፡ በቲ ዝተለምደ ፍሽኽታኣ ድሓን ውዓል ኢላቶ።
ድራር ስቴክ ስርሓለይ ኢላቶ፤ ከምቲ እትደልዮ ክኣ ተዳልዩላ። ዝተለምደ መኣዲ ነይሩ፡ ፍሽኽታ ኣይተፈለያን።
"ተሌፎን ተብዝሒ ኣለኺ፤ መደቀሲ ክፍሊ ትቝልፍዮ ኣለኺ፡ ክንዘራረብ ኢና፡" ተበሃሂሎም ተፈላልዮም።
"ከምቲ ወትሩ ዝብሎ፡ ፈጣሪ ኣብ ስርሑ ጣልቃ ንከይኣቱ'ዩ መስለኒ፡" ብምባል ዝዀነ ዓይነት ምልክት ከም ዘይርኣየ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።
እዚ ዅሉ ሰንበት ምሸት እዩ ዘጋጥም ዘለ፤' ሰኑይ ንግሆ ነገራት ተቐያይሮም።
ነብዩ ቈጸራ ሕክምና ስለ ዝነበሮ ዓርቢ ናብ ኣመሪካ ክኸይድ እኳ እንተነበሮ፡ ንሰኑይ ግን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ቈጸራ ስለ ዝነበሮ ጸኒሑ።
ሰኑይ ንግሆ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛ እዩ ዘሕልፎ። ከምቲ ዝተለምደ ግን ፊዮሬላ ኣንጊሃ ኣይተስአትን።
ማዕጾ እቲ ዝደቀሰትሉ ክፍሊ ኳሕኰሐ፤ መልሲ የለን።
"ሽዑ ሰብነተይ ተረቢሹ፡" ይብል።
እቲ ማዕጾ ስለ ዝተቘለፈን መልሲ ምስ ስኣነን፡ ካልእ ማዕጾ ተጠቒሙ ናብቲ ክፍሊ ኣትዩ። ፊዮሬላ ነብሳ ኣጥፊኣ። ቤተሰብ ተኣኪቡ ኣምቡላንስ ተጸዊዑ። ናብ ሆስፒታል ክትበጽሕ ከላ ግን ድሮ ህይወታ ሓሊፉ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Nebyu Samuel
"ንስለይ ኢልካ ሕጕስ ኵነለይ"
ፊዮሬላ ዓሰርተ ደብዳበታት ጽሒፋ ነይራ፤ እቶም ደብዳበታት ንወለዳ፡ ኣሕዋታን መሓዙታን ዝተጽሓፉ እዮም። እዚኦም ብጥንቃቐ ዝተጽሓፉ ደብዳበታት፡ ኣብ ጸግዒ ተሌቪዥን ረኺቡዎም።
እቲ ሓደ ንዕኡ ዝተጽሓፈ'ዩ፤
"አባቴ ሁሉንም ነገር ሰጥተህ አሳድገኸኛል። ደስተኛ ነበርኩ። በዚህ ምድር ላይ ያላየሁት ነገር የለም፤ ሁሉንም አይቻለሁ። ምንም አዲስ ነገር የለም።
ራስ ወዳድ በመሆኔ ይቅርታ አድርግልኝ። ጥሩ ቦታ ስለምሄድ ለእኔ ደስተኛ ሁን።"
LLF (Long live Fiorella)❤️
ፊዮሬላ ለዘላለም ትኑር ❤️
ኣቦኣ ነዚ ደብዳበ ኣንቢቡ ምስ ወድአ፡ "ጓለይ ብኸመይ'ያ ከምዚ ክትውስን ክኢላ?" ዝብል ሕቶ ክመላለሶ ጀሚሩ።
ናይ ተሌፎና መእተዊ ቃል [ፓስወርድ] ብጽሑፍ ኣመልኪታ እያ ሓሊፋ። ብዛዕባ እቲ ጸኒሑ ዝርእዮ ነገር ምስ መሓዝኣ ከም ዝተዘራረበትሉ ካብቲ ስልካ ክርዳእ ክኢሉ።
"እታ ተምሃሪት 'ግደፊ ከምኡ አይትግበሪ' ኢላ ፈጣሪ ሓጊዙዋ ክትድሕን ከላ፡ ጓለይ ግን ደፋር ስለ ዝዀነት 'ወሲነ'የ፡ ኣብዛ መሬት ዝደልዮ የብለይን። ናብ ዝሓሸ ቦታ'የ ዝኸይድ ዘለኹ' ኢላ ብኸምኡ'ያ ዓሪፋ፡" ይብል።
ጓሉ ምስ ሞተት ብዙሕ ተመሳሳሊ ታሪኻት ክሰምዕ ጀሚሩ። ኣብ ዓሰርተታት ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ ነብሰ ቅትለት ይፍጽሙ ከም ዘለው ሰሚዑ።
መብዛሕትኦም ብኣካልን ብኢንተርነትን ብዝበጽሖም ምሽቝራር፡ መጥቃዕትን ባጫን ከም ዝዀነ ይንገር።
"ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ብውሑድ 40 ቈልዑ ሞይቶም። ዕድመኦም ካብ 9 ክሳብ 20 ዓመት ዝዀኑ'ዮም። እዚ ንሕና ንፈልጦ'ዩ፤ ምናልባት ካብኡ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል፡" ይብል።
ነብዩ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካላዊ ለውጢ ከርእዩ ኣብ ልዕሊ ዝጀመሩ መንእሰያት ዒላማ ይገብሩ ኣለው ኢሉ'ዩ ዝኣምን።
ካብ ቤተሰቦም ብምንጻል ነብስኻ ምጥፋእ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኰነ ይነግሩዎም ኣለው ይብል። መብዛሕትኦም ወለዲ ነዚ ኣይፈልጡን። ኣብያተ ትምህርቲ እኹል ኣገልግሎት ምኽሪ ኣይህባን። ቈልዑ'ውን ኵሉ ነገር ሓቢኦም እናተቐንዘው ይሓልፉ።
ቈልዑ "ንእሽቶ ነገር እዩ ዝኣኽሎም፡" ዝብል ነብዩ፡ ብዛዕባ ጓሉ "ምንም ኣይፈልጥን፡" ይብል።
እቲ ጕዳይ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ክበስል ጸኒሑ። ናይ ብልባ ዝተዛረበት መሲላ ጸኒሓ "ፕራንክ'ዩ" ወይ "ቀልዲ'ዩ" ዝብል ምላሽ እናሃበት ነቲ ኵነታት ተዘሓሕሎ።
ሰሓቕን ጸወታን ስለ ዘይፍለያ ኽኣ ወትሩ ይኣምና። ፊዮሬላ ቅድሚ ምማታ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት፡ ተሌፎና መሓዛኣ ወሲዳቶ።
ነቲ ተሌፎን ብምፍታሽ ዝርኣየቶ ነገር ክትኣምን ዝተሸገረት መሓዝኣ፡ ከመይ? ኢላ ትሓትት።
ንሳ፡ ኣብ ቲክቶክ "ኣነ ሰብነተይ ይውስኽ እዩ ዘሎ፤ እተጽልእ ጓል ይኸውን ኣለኹ። ሰብ የባጭወለይ ኣሎ፡" ዝብል መልእኽቲታት ሰዲዳ ትዕዘብ።
ፊዮሬላ ስልከይ ንምንታይ ትርእዮ? ብዝብል ምስ መሓዝኣ ትብኣስ።
እዚ ክኣ ኣቦኣ ይሰምዖ፤ "ካብ ፍቓድ [ፍዮሬላ ወጻእ] ንምንታይ ስልካ ትርእዮ?" ብምባል "ይቕሬታ ሕተቲ፡" ከም ዝበላ ንነብዩ ነጊሩዎ።
ይቕሬታ ሓቲታ።
"ንስኺ ግን ከምዚ ኣይትገብርን" ምስ በለታ "ኣይገብርን" በለት።
ቀዳም ብሓባር ኩዕሶ ሰኪዐት ይጻወታ፤ ብዅሉ ሸነኽ ዝበጽሕ ዝነበረ ጸቕጢ ግን ቀሊል ኣይነበረን ይብል ነብዩ።
"ኣብዚ ግዜ ኢኹም ክትከዱ ዘለኩም፤ ናብ ዝሓሸ ቦታ ኢኹም ትኸዱ። ንስድራኹም ኣብ ላዕሊ ኴንኹም ክትርእዩዎምን ክትሕልውዎምን ትኽእሉ እዮም ዝብሉዎም። ካብ ቤተሰብ ፈልዮም ናብ ጸገም የእትዉዎም፡" ኢሉ።
ገለ ቃዝኖት ከም ዘለዋን ቅሩብ ትጭነቕ ምንባራን ኣሕዋታ ይፈልጡ እዮም። እቲ ጉዳይ ግን ዘሻቕል ኣይኰነን ብዝብልን ንጥዕና ኣቦኦም ብምሕሳብን ሓቢኦም ሒዞምዎ።
"ሓደ ቈልዓ ከድሕን እንተኽኢለ . . ."
ድሕሪ ሞት ፊዮሬላ፡ እቲ ትምሃረሉ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ክኢላ ስነ-ልቦና ቈጺሩ።
ተምሃሮ ብዛዕባ ጥቕዓት፡ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ጭንቀትን ክዘራረቡ ጀሚሮም።
ብዙሓት ፈጺሞም ንወለዶም ዘይነግሩዎም ጉዳያት ምስ ኣማኸርቲ ጥዕና ኣእምሮ ክላዘቡሎም ጀሚሮም።
ብሽም እታ ግዳይ ብዛዕባ ብኢንተርነት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ክህባ፡ ትካላት ተሓተትቲ ዝኾንሉ ኣገባባት ንምዕባይ ዝሕግዝ ፋውንዴሽን ንምምስራት ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ።
"ታሪኽ ጓለይ ብምንጋር ሓደ ቈልዓ'ውን ከድሕን እንተኽኢለ፡" ዝብል ነብዩ፡ ወለዲ ኣጠቓቕማ ስልኪ ደቈም ክፈልጡን ክቈጻጸሩን፡ መሓዙቶም መን እዮም ዝብል ክፈልጡ ኣለዎም ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







