እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ክልል ኣምሓራ እንታይ እዩ ኢሉ?
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ብጎንፂ ዝተዓብለለ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ትካላት ጥዕናን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ወግዓዊ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብቕትለት፡ ማእሰርትን መግረፍትን ሓዊሱ ዒላማ ኮይኖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ብምጥቃስ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ዶክተር ጸጋሁን ስሜ ዝተባህለ ሓኪም ኣብ ከተማ ባህርዳር ብሓይልታት ጸጥታ ተጨውዩ፡ ደሓር ሞይቱ ከምዝተረኽበ ኣመልኪቱ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓትን ብዝቐጸለ ጎንጺ፡ "ሆስፒታላት ዓንየን፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ድማ ህይወቶም ስኢኖም" ኢሉ።
ብሰንኪ ምቍራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት፡ ሙሉእ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዘመልከተ ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ፍጻመታት ህጹጽን ነጻን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።
ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዒላማ መጥቃዕቲ ክኾኑ ከምዘይብሎም እውን ኣስሚሩሉ።
ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ፡ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ከምዘዕነወ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኽልቲኡ ወገን ዒላማ ይኾኑ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ባህርዳር ጥበበ ግዮን ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሓላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ዶክተር ኣንዱኣለም ዳኜ፡ ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ብዕጡቓት ከምዝተቐትለ ይንገር።
ዶክተር ኣንዱኣለም፡ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥበበ ጊዮን ሓኪም ጸላም ከብዲ፡ ሽኮርያን ሓሞትን፡ ተመራማሪን መምህርን እዩ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መተማ ናይ ዓይኒ ነርስ ዳንኤል ነጋ፡ ተጨውዩ ምስ ተወስደ፡ 3.5 ሚልዮን ብር በጃ እኳ እንተተዋህበ፡ ከምዝተቐትለ ስድርኡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ክልል፡ ምስቲ ጎንፂ ብዝተኣሳሰር ንማሕበረሰብ ዘገልግሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ትምህርትን፡ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ማእሰርትን መግረፍትን ከም ዝበጽሖም ይግለጽ።
ፌደራል መንግስቲ ንክልላዊ ሓይልታት ሓዊሱ ፍሉያት ሓይልታት ኣጽዋር ንምፍታሕ ዝወሰዶ ውሳነ ስዒቡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ጎንፂ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተዘርግሐ እንትኸውን፥ ኣብ ብዙሓት ዞባታትን ወረዳታትን ጎንፂታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ጎንፂ ክልቲኦም ወገናት ክሳራ ይበጽሖም ከምዘሎ እኳ እንተተገልፀ፡ ሰላማውያን ነበርቲ እቲ ዞባ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ክልል ብዝተፈጸመ ቅትለትን ግፍዕታትን ይኽሰሱ እኳ እንተኾኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ይኽሕድዎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ሸሞንተ ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድሚኣን ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂኣንስትዮ ሰባት ኣብ መንጎ ሓምለ 2015ን ግንቦት 2017ን ተዓሚፀን።
ቢቢሲ 2,697 ሰባት ከምዝተዓመፃን፡ እዚ ድማ ኣብቲ ክልል ብ43 ትካላት ጥዕናን ምንጭታት ሕክምናን ዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ተደሪኹ ዝወፅአ ፀብፃብ እዩ።
በዚ መጥቃዕትታት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ክውቀሱ እንከለዉ፡ መንግስቲ ምላሽ ኣይሃበን።
ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ሰብኣዊ ትካላት ፀገማት የጋጥሞምን ጉድኣት ይወርዶም ከምዘሎን ኣፍሊጡ ነይሩ።