ስነኣእምራዊ ሃስያ ካብ ዘውርዱልና ወለዲ ከመይ ገይርና ነብስና ንከላኸል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ወለደይ ሕዱር ጭንቀት ኣሕዲሮምለይ - ዳርጋ መዓልታዊ እበኪ ነይረ። ክዀኖም ዝነበረኒ ኣማራጺታት ሸለል ክብሎም ወሲነ።"
ከምዚ ዓይነት ቃላት ካብ ሓንቲ ኣደ ክትከውን ዝበቕዐት ክትሰምዕ ዘይተለምደ እዩ።
ሳሪካ ግን ንዓመታት ብሰንኪ ወለዳ ዘስዓቡላ "ስነኣእምሮኣዊ ሃስያ" ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኣ ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲርላ።
"ብፍላይ ኣብ እዋን ጥንሰይ ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ፣ ኣብ ማህጸነይ ዝነበረ ዕሸል ከይተረፈ ክበኪ ከለኹ ይሰምዓኒ ነይሩ፡" ትብል ጓል 30 ዓመት ሳሪካ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገብረቶ ቃለመሕተት።
ሳሪካ ምስ ወለዳ ዝነበራ ርክብ ድሩት እኳ እንተ ገበረት፡ ካብ ክልቲኦም ውለዳ ክትርሕቕ ምውሳና ግን ቀሊል ኣይነበረን።
ብርግጽ ንኣቦይ ከም ሓደ እምብዛ ፈታዊ ነብሱ (ማለት ኵሉ ግዜ ዝዀነ ዛዕባ ብዛዕቦም ክኸውን ዝደልዩ ዋላ'ውን በዲሎም ከለዉ ነብሶም ከም ተበደልቲ ዝርእዩዋ) እየ ዝቘጽሮ።
ብመሰረት እታ ጓል 25 ዓመት ኬንያዊት ኣሽሊ፡ ኣቦኣ፡ "ኣብ ዝዀነ መዓልታዊ ተካይዶ ንጥፈታት ተራ ከም ዘይብሉ፡ ናብ ቤት-ትምህርታ'ውን ኵነታት ክፈልጥ ኣይከይድን፣ ኣብ መመረቕታይ እኳ ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ ንጐደሎታተይ ይነቅፍን ብተደጋጋሚ የማርርን ነይሩ፡" ትብል።
ኣሽሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ህይወት ነቲ ናይ ኣእምሮ ነውጺ ዘስዕብ ባህርያቱ ክትሰግሮ ዝሓገዛ፡ ሓልዮትን ፍቕርን ወላዲታ ምዃኑ ተብርህ።
"ኣደይ ብዝከኣላ መጠን ኵሉ ትገብር ነይራ። ሓዳሮም ካብ ዝፈርስ ነዊሕ እዋን እኳ ተግብረ፡ ጸገም ውሽጣ ተጻዊራ ነቲ ሓዳር ተካይዶ ነይራ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት ኣፍሪቃ፡ ፍትሕ ምስ ባህልታት ምዕራባውያን ክነጻጸር እንከሎ ምሉእ ብምሉእ ካልእ ነገር'ዩ። ሕብረተሰብ ኣብታ ጓል-ኣንስተይቲ ከቢድ ጸቕጢ'ዩ ዝፈጥር፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
"ሕጂ፡ ስራሕ ረኺበዶ ኣይረኸብኩን ክፈልጥ ኢሉ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ዝድው። ከም ካልኦት ኵሎም ወልዲ፡ ሃለዋተይ ክፈልጥ ኢሉ ኣይኰነን ዝድወል፣ እንታይ ደኣ፡ ስራሕ እንተ'ለኒ ገንዘብ ክሰደሉ ወይ ዘድልይዎ ነገራት ክገዝኣሉ ኢሉ እዩ።"
ኣሽሊን ሳሪካን ኣብ ክልተ ጫፋትን ካብ ክልተ ዘይራኸቡ ሕብረተሰብን እኳ እንተዀና፡ ኣብ መንጎአን ብዙሕ ዝመሳስለን ነገራት ኣለወን።
ብመሰረት ክልቲአን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ወለደን - ብዓቢዩ ኣብ ንሶም ዘድልይሉ እዋን ዘይርከቡ - ክሳዕ ሕጂ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታተን ክቈጻጸርወን ይፍትኑ፡ ኣብ ውሳነታት ሞያ፡ ማሕበራዊ ህይወት፡ ዝምድናታትን ሓዳርን ጣልቃ ይእትዉ።
ብዙሓት ካልኦት ግዳያት ድማ ኣብ ቲክቶክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ቪድዮታት ብምልጣፍ፡ ምስ ወለዶም ርክብ ብኸመይ ከም ዘቋርጹ ሓገዝ ኣብ ምሕተት ይርከቡ።
እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ካብ ንእስነቶም ኣትሖዞም ብበደልን ፍርሕን ወለዶም ዝሓደሮም "ኣእምሮኣዊ ሃስያ" ምዃኑ ይዛረቡ።
ብዝሒ ናይቶም ብወልዶም ስነኣእምራዊ ሃስያ ዝበጽሖም ጕድኣት ሞያዊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት ልሙድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ተጋኒኑ ከም ዘሎ፡ ኣዮ ኣደሲዮየ ዝተባህለት ክኢላ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳ ካብ ማሕበር ምኽርን ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳን ብሪጣንያ ትሕብር።
"ስነኣእምራዊ ሃስያ" ዝብል ቃል ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ደቂሰብ ክጥቀምሉ ንዕዘብ ኣሎና፡ እንታይ ማለት እዩ ስለምንታይ እዩኸ ብብዝሒ ንጥቀመሉ ዘለና?
ብመሰረት ዩኒሰፍ፡ "እወታዊ ኣተዓባብያ ህጻናትን ቈልዑን ብሓደ ኣገባብ፡ ሕግታት ወይ ቅዲ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኰነን፣ እምነት፡ ኣገባብ መነባብሮ እዩ። ህጻናትን ቈልዑን ብጥንቃቐ ክትሓዙ ኣለዎም፣ ካብ ፍርሒ ዓመጽን ሕፍረትን ናጻ ኰይኖም፡ ብፍቕራዊ ምትብባዕ ክዅስኰሱ ይግባእ።
ነዞም ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘውርዱ ወለዲ ዛጊት ትርጕም ዘለዎ ስም እኳ እንተ ዘየሎ፡ ምስ "እወታ ኣተዓባብያ" ዝጻረር ኣሉታዊ ባህርያት ንምግላጽ ከም ጽላል ቃል ብሰፊሑ ንጥቀመሉ።
"ብሓፈሻ ንሓደ ነገር ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘውርድ እዩ ንብሎ፡ ብዝተነጸለ ፍጻመ ዘይኰነ፡ ብተደጋጋሚ ዘንጸባርቖ ባህርያት እዩ። ንኣብነት፡ ንውላድካ መጻምድቲ ኣለዎ ድዩ ኢልካ ምሕታት ቅልል ዝበለ ግደ ዘለዎ እዩ።
እንተዀነ፡ ንደቅና ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ዝገብርዎ ብኣዋጣሪ ሕቶታት ጸቕጢ ምስ እንፈጥረሎም፡ ከምኡ'ውን እቲ ሕቶ ኣካል ምቍጽጻር ወይ ምግሃስ ባህርያት እንተዀይኑ ግን ነቲ ህጻን ወይ ቈልዓ ጸቕጢ ይፈጥረሉ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ወለዲ ስነኣእምራዊ ሃስያ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዘውርዱ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ንቕሓት፡ እኹል ኣፍልጦን ትምህርትን ዘይምህላሞም ምዃኑ፡" ክኢላ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀነት ወ/ሮ ኣደሲዮየ ትገልጽ።
ኣብ 2013 ብዩሲኤልኤ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ ግዜ ቍልዕነት ልዑል ጸቕጢ ዝግበረሎም፡ ኣብ ግዜ ዕቤቶም ዝተወሰኑ ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ኮሌስትሮል፡ ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ናይ ምምዕባል ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።
ተቘጻጻሪ፡ ፈተውቲ ነብሶምን (ናርሲስታዊ) ወለዲ
ወይዘሮ ኣደሲዮየ ኣብ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታት ስርሓ ክሕከሙ ዝመጽኡ ተገልገልቲ፡ ዝበዝሑ ብኽልተ ዓይነታት ስነኣእምራዊ ሃስያ ኣተዓባብያ ህጻናትን ቈልዑን ዝተጐድኡ ምዃኖም ትገልጽ።
እቶም ቀዳሞት ወለዲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ተቘጻጸርቲ ኰይኖም፡ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታትን ደረጃታትን ብምውጻእ ኣብ ትምህርታዊ ኮነ ሞያዊ ድሌታቶም፡ ናይ ስራሕ ህይወቶም ወይ ዝምድና ምርጫታት ውላዶም ጣልቃ ብምእታ ስነኣእምራዊ ሃስያ የውርዱ።
እቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ከኣ ፈተውቲ ነብሶም (ናርሲስት) ወለዲ ኰይኖም፣ ብቐዳምነት ዝሰርዕዎም ንቘልዑ ዘይኰነስ ነብሶም እዮም።
ባህርያት ናይዞም ክልተ ዓይነት ወለዲ እምበኣር መብዛሕትኡ ግዜ ተደራራቢ ምዃኑ ትገልጽ።
ይዅን እምበር፡ ዝርዝር ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘውርዱ ወለዲ ብዓይነት ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ኣማኻሪ ስነኣእምሮኣዊ ሕክምና ኣሊሰን ኮርነር ዝዛረብ።
ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ (NHS) ድሕሪ ምውጽኣ፡ ነቶም ብወለዶም ሰነኣእምራዊ ሃስያ ንዝተጐድኡ መንእሰያት ናይ ምድሓን ምኽርታት ዝህብ myhorridparent.com ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ኣበጊሳ፡ እዚ ድማ ህይወቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክቕጽሉ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ።
ብመሰረት መጽናዕትታታ ኣደሲዮየ ገለ ካብቶም ካልኦት ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘውርዱ ወለዲ ንምጥቃስ፤
- መለኽቲ ኣደታት - ንደቀን ከይተወከሳ ውሳነ ዝገብራ፣
- ቀልጢፈን ዝቝጠዓ ኣደታት - ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቈልዑ ዝገብሩዎ ነገራት ጌጋ ዝረኽባ (ጌጋታት ደቀን ዝፈልጣ)፣
- ቀናኣት ኣደታት - ኣብ ህይወተን ገለ ነገር ዝጐደለንን ብደቀን ክነብራ ዝደልያን፣
- ተወዳደርቲ ኣቦታት - ጽዩፋትን ካልኦት ቈልዑ ካብኦም ዝሓሸ እንተ ሰሪሖም ዘቈናጽቡ፣
- ዝሓርቑ ኣቦታት - ብዘይጠቅም ነገር ኣዝዮም ዝቝጥዑን ክትረዳደኦም ዕድል ዘይህቡ፣
- ተገዛእቲ ኣቦታት - ኵሉ ውሳነን ሓላፍነትን ንኣደታት ዝገድፉ።
ኣሊሰን ኮርነር፡ ካብ መላእ ዓለም ትሰምዖም "ልቢ ዝሰብሩን ዘሕዝኑን ዛንታታት፡" ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ፡ ብመንገዲ ኣህጉራዊ መስመራት ነቶም ግዳያት ሓገዝ ከም ትህብ ትዛረብ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ክብደት ናይቲ ኵነታት ክሳብ ክንድኡ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ኢላ።
ባህላዊ እምነት
ሳሪካ ምስ ስድራኣ ጥቡቕ ቅርበት ንዘለዎ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ክትዛረብ እኳ እንተ ፈተነት ኣብ መወዳእታ ግን ኵሉ መቕርባ ንሳ ተሓታቲት ምዃና እዮም ዝወቐሱዋ።
"ስለዚ፡ ባህልና ቈልዑ ጌጋ ዝገብሩ ኢልና ክንሓስብ፣ ወለዲ ድማ ኵሉ ግዜ ቅኑዓት ከም ምዃኖም ክንኣምን ገይሩና። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዘይ ሓዊ ትኪ የሎን ይብሉ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ክኢላ ሕብረትሰብ ፕሮፌሰር ቸሪስ ሹን-ቺንግ ቻን ከም ዝበሎ፡ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ቍጠባዊ ረቛሒታት እውን ኣብቲ ተርእዮ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።
ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ቻይና ዝነበረ ፖሊሲ ሓደ ቈልዓ፡ መብዛሕትአን ስድራቤታት ሓደ ቈልዓ ንኸወልዳ ዝገደበ፡ ወለዶም ካልእ ዝጽግዕዎ ሰብ ስለ ዘይብሎም፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ትዛረብ።
"እቲ ቈልዓ ድማ ብሓቂ ትጽቢት ወለዱ ንምፍጻም ዝያዳ ጸቕጢ ይወርዶ ኣሎ፣ ምኽንያቱ፡ ወለዱ ብሓቂ ብዙሕ መስዋእቲ ስለ ዝኸፈሉን ዝድልዮ ጠለባት ብምምልኦምን፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ንሳቶም ድማ ኵሉ ግዜ ብዛዕባኦም ይጭነቑ፡ ብፍላይ ወለዲ ሓዳሮም እንተ ተበቲኹ ወይ ኣቦ ካብ ሓዳር ወጻኢ ርክብ እንተ ሃልይዎም፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት እቶም ወለዲ፡ ደቆም ስምዒታዊ ጽግዕተኝነት ክህቡዎም ይደልዩ፡ ትብል ፕሮፌሰር ቻን።
እዚ'ውን ሓደ ዓይነት ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘለዎ ኣተዓባብያ ቈልዑ ምዃኑ ከም ዝኣምን፡ ነቶም ቆልዑ ብግልጺ ክዛረቡ ከም ዝኸብዶም ተረድእ። "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኵነታት፡ ገለ ቈልዑ ከም ኣማኸርቲ ኣደታቶም ክዀኑ እቲ ኵነት የገድዶም።"
ኣዮ ኣደሲዮየ፡ ገለ ካብቶም ብሰንኪ ናይ ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘለዎ ኣተዓባብያ ኣብቶም እኹላት ሕሙማታ ክረኣዩ ዝኽእሉ ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤናት፡ ጉዳይ ርእሰ-ምትእምማን፡ እምብዛ ሕፍረት፡ ተሪር ነብሰ ነቐፌታን ርእሰ-ምድንጋጽን፡ ንሰባት ብቐጻሊ ክተሐጕስ ምድላይ፡ ሓገዝ ኣብ ምሕታት ምጽጋምን ኣብ ዝምድናታት ውሕስነት ክስምዓካ ዘይምኽኣልን እዮም።
ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘውርዱ ወላዲ ብኸመይ ኣገባብ ንሕዞም
ሳሪካ፡ ድሕሪ ሓዳራ ምስ ወለዳ ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ ሕማቕ ከም ዝዀነን፡ እዚ ድማ ወለዳ ንመጻምድታ ከም ዘይተቐበልዎ ትዛረብ።
"ወለደይ ኣብ ጕዕዞ ህይወተይ ኵሉ ከም ዘማልኡለይን፣ ኣነ ግን ዝገበርኩሎም ነገር ከም ዘየሎን፣ ኣቦይ ኵሉ ግዜ ንስኺ ሕስርትን ስድራኣ ተዋርድን ኢኺ፡" ይብለኒ። "ኣብ ገል እዋን፡ ምናልባት ተጋግየ ኣለኹ ዝብል ሓሳብ ነይሩኒ፡" ክትብል ትውስኽ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንቘልዑን መንእሰያትን ስነኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝህብ ማሕበራዊ ትካል ኢኖቨይቲንግ ማይንድስን መስራቲት ዶክተር ኣሻ ፓቴል፡ ኣብ ልዕለኻ ስነኣእምራዊ ሃስያ ዘውርዱ ወለዲ ከም ዘለዉኻ እንተ ኣሚንካ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓካ ንቡር እዩ፣ እንተዀነ፡ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ዕዉት ህይወት ቀዳምነት ምሃብ ወሳኒ እዩ ትብል።
"ካልእ ሰብ ንጥዕና ኣእምሮኻ ክንድቲ ንስኻ ክትሕልዎ ዘልካ ክዀነልካ ክትጽበ" ከምዘይብልካ ትገልጽ። "እቲ እንኮ ክገብሮ ዝኽእል ሰብ ንስኻ ኢኻ።"
ኣዮ ኣደሲዮየ፡ ምስ ወለዲ ኣብ ዘየድሊ ክትዕ ከይተዋፈሩ፡ እኹላት ቈልዑ፡ ድሕሪ ሕጂ ቈልዑ ከም ዘይኰኑ ንነብሶም ብምእማን፡ መስመር ዶባት መሰላቶም ክሕልዉ ከም ዘለዎም ትሕብር።
"እቲ ዝተርፍ ንሱ እዩ መስለኒ። እዚ ኣብ ልምደይ ብብዝሒ እየ ዝርእዮ። ነብስኻ ናብ ቍልዕነት እንተ መሊስካያ ሓደ እኹል ሰብ ምዃንካ ትርስዕ።
ኣሽሊ ነዚ ምኽሪ ተኸቲላ ምስ ኣቦኣ ንጹር ዶባት ክትሕንጽጽ መሪጻ። ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኣ ቀዳምነት ሂባ። ሳሪካ ብወገና ሕጂ ንሓዳስ ዝተወልደት ጓላ ኣብነታዊት ኣደ ክትከውን ቈሪጻ ተላዒላ ኣላ።
"በቃ ከም ወለደይ ክኸውን ኣይደልን እየ። ኣብቲ ደገፍ ዘድልያ ክድግፋ፡ ብገዛእ-ርእሳ ክትተኣማመን ክሕግዛን ንህይወታ ባዕላ ክትውስን ክገድፋን እየ ዝደሊ፡" ትብል ሳሪክ - ነቲ ንሳ ዝሓለፍቶ ህይወት ኣብ ውሉዳ ንኸይድገም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







