ኣሸንዳ 2017፡ ኣከባብራ በዓል ኣብ መቐለ- ዓብዪ ዓዲ ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV
ኣሸንዳ ናይ ቖጽሊ ሽም'ዩ።
እቲ ቆጽሊ ኣሸንዳ ወኻርያ፣ ኣሸንዳ ዝብእን ኣሸንዳ ሰብን እናተብሃለ ድማ ይጽዋዕ።
"መጸት መጸት ኣሸንዳ ዕምበብ መጸት''
ኣሸንዳዋይ ናዓሚ ናዓሚየ ተጋኒና ሎሚየ" እናበላ፡ አዋልድ ዓመት ተጸብየን፡ ንኽልተ ሰሙን "ጾመ ፍልሰታ ለማርያም" ጾይመን ዘብዕለኣ በዓል፡ ልዕሊ ዝኾነ ክትደምቀለን፡ ሰፊሕ ምድላዉ'የን ዝገብራ።
እዚ በዓል ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ከም ዘለዎ እትገልጽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ደናግል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘብዕለኦ ክኸዉን ከም ዘለዎ ተቐምጥ።
ብብሉይ ኪዳን ታሪክ እስራኤል ከም ዝነግሮ ድማ፡ ነገስታት ዝተሸሙሉ፣ ዝተወለዱሉን መዓልቲ እንተኸብሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወርቂ ዓጢቐን የሸብሽባ ነይረን።
ቖጽሊ ዕጣቕ ገይርካ፡ ዉዳሴን ዕልልታን ምቕራብ ድማ ካብዚ ከም ዝምዘዝ ዝገልጹ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን፡ ቖጽሊ ድማ ናይ ዓወትን ሓጎስን ምልክት ምልክት ምዃኑ ይዛረቡ።
ክርስትና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ብድሕሪ፡ 330 ዓመተ ምህረት በዓላት ትንሳኤን ካልኦትን ምኽባር እንትጅምሩ፡ ኣሸንዳ'ዉን ኣካል እቲ ኣከባብራ በዓላትን ኣዋጅ ጾምን ኮይኑ ክበዓል ከም ዝጀመረ ይዝረብ።
እዚ በዓል ዚያዳ እናገነነ ዝመጽአሉ ግና ካብ እዋን ኣጼ ካሌብ ናብዚ ኮይኑ፡ ብግዘ ዮዲት ጉዲት ግና እናነከየ መጺኡ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይስንዱ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ከምኡ ድማኣብ ገለ ከባብታት ኣገዉ፣ ላስታን ላሊበላን ይኽበር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







