ኣሸንዳ 2017፡ ኣከባብራ በዓል ኣብ መቐለ- ዓብዪ ዓዲ ብስእሊ

በዓል ኣሸንዳ፡ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለን ዓብዪ ዓዲን ካብ 16 ክበብ 18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ብፍሉይ ድምቀት ተኸቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV

መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ፡ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለን ዓብዪ ዓዲን ካብ 16 ክበብ 18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ብፍሉይ ድምቀት ተኸቢሩ። ኣብ ዓብዪ ዓዲ፡ መዛዘሚ እቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ውድድር ወይዘሪት ኣሸንዳ ተኻይዱ።

ኣሸንዳ ናይ ቖጽሊ ሽም'ዩ።

እቲ ቆጽሊ ኣሸንዳ ወኻርያ፣ ኣሸንዳ ዝብእን ኣሸንዳ ሰብን እናተብሃለ ድማ ይጽዋዕ።

"መጸት መጸት ኣሸንዳ ዕምበብ መጸት''

ኣሸንዳዋይ ናዓሚ ናዓሚየ ተጋኒና ሎሚየ" እናበላ፡ አዋልድ ዓመት ተጸብየን፡ ንኽልተ ሰሙን "ጾመ ፍልሰታ ለማርያም" ጾይመን ዘብዕለኣ በዓል፡ ልዕሊ ዝኾነ ክትደምቀለን፡ ሰፊሕ ምድላዉ'የን ዝገብራ።

እዚ በዓል ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ከም ዘለዎ እትገልጽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ደናግል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘብዕለኦ ክኸዉን ከም ዘለዎ ተቐምጥ።

ብብሉይ ኪዳን ታሪክ እስራኤል ከም ዝነግሮ ድማ፡ ነገስታት ዝተሸሙሉ፣ ዝተወለዱሉን መዓልቲ እንተኸብሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወርቂ ዓጢቐን የሸብሽባ ነይረን።

ቖጽሊ ዕጣቕ ገይርካ፡ ዉዳሴን ዕልልታን ምቕራብ ድማ ካብዚ ከም ዝምዘዝ ዝገልጹ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን፡ ቖጽሊ ድማ ናይ ዓወትን ሓጎስን ምልክት ምልክት ምዃኑ ይዛረቡ።

ክርስትና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ብድሕሪ፡ 330 ዓመተ ምህረት በዓላት ትንሳኤን ካልኦትን ምኽባር እንትጅምሩ፡ ኣሸንዳ'ዉን ኣካል እቲ ኣከባብራ በዓላትን ኣዋጅ ጾምን ኮይኑ ክበዓል ከም ዝጀመረ ይዝረብ።

እዚ በዓል ዚያዳ እናገነነ ዝመጽአሉ ግና ካብ እዋን ኣጼ ካሌብ ናብዚ ኮይኑ፡ ብግዘ ዮዲት ጉዲት ግና እናነከየ መጺኡ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይስንዱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ከምኡ ድማኣብ ገለ ከባብታት ኣገዉ፣ ላስታን ላሊበላን ይኽበር።

በዓል ኣሸንዳ፡ መሰረቱ ሃይማኖታዊ ኰይኑ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ባህላዊ ትሕዝትኡ እናጐልሐ ይኸይድ ኣሎ።
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ፡ መሰረቱ ሃይማኖታዊ ኰይኑ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ባህላዊ ትሕዝትኡ እናጐልሐ ይኸይድ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ምንጪ ኣዝዩ ልዑል ፋይናንሳዊ እቶት ዝዀነሉ ተኽእሎ ተፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ዝዝውተር ብልምዲ 'ቦፌ' እናተብሃለ ዝፅዋዕ ክዳን ለቢሰን ዝተመላኸዓ ቆልዑ ኣሸንዳ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ዝዝውተር ብልምዲ 'ቦፌ' እናተብሃለ ዝፅዋዕ ክዳን ለቢሰን ዝተመላኸዓ ቆልዑ ኣሸንዳ
ቆልዑ ኣሸንዳ ኣብ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታትን 'ኣሸንዳ ዕምባቦ' እናበላ ክደርፋን ክዘላን ይውዕላ። ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቅድሚአን እንተረኺበን ድማ 'ሓዛለይ ሓዛለይ' እናበላ የላህየኦም።
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ኣሸንዳ ኣብ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታትን 'ኣሸንዳ ዕምባቦ' እናበላ ክደርፋን ክዘላን ይውዕላ። ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቅድሚአን እንተረኺበን ድማ 'ሓዛለይ ሓዛለይ' እናበላ የላህየኦም።
ቆልዑ ኣሸንዳ ባህሊ ወለደን ንምዕቃብ ኣብ ዝገብረኦ ምትእኽኻብ ክብረንን ጥዕናአን እውን ክሕልዋ ከምዝግበአን ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ኣሸንዳ ባህሊ ወለደን ንምዕቃብ ኣብ ዝገብረኦ ምትእኽኻብ ክብረንን ጥዕናአን እውን ክሕልዋ ከምዝግበአን ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ