ፍርቂ ካሜሩን ብህቦብላ ዶሮና ሳሃራ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ

ካሜሩን እቲ ህቦብላ ዶሮና ሓደጋታት መኪና ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካሜሩን እቲ ህቦብላ ዶሮና ሓደጋታት መኪና ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ

ካብ በረኻታት ሰሃራ ዝመጽእ ዓቢ ዋሕዚ ዶሮና ንፍርቂ ክፋል ካሜሩን ክደፍኖ ከም ዝኽእል ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

ኤርነስት ንጋለ ቢቤሄ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝተገመተ ኩነታት ንፋስ እንተድኣ ተዓቂቡ እቲ ዶሮና ናይ ምርኣይ ጸገማት ክፈጥር እዚ ድማ ሓደጋ መኪና ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ዶሮና ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ እውን ከስዕብ ከም ዝኽእል ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ሓመድ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ርሑቕ ዞባ ሰሜን ካሜሩን ይሰግር ከም ዘሎን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ናብ ካልኦት ኣርባዕተ ዞባታት ክበጽሕ ከም ዝኽእልን ተፈሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ሰባት ብጥንቃቐ መኪና ክዝውሩን ኣዒንቶምን ኣፍንጫኦምን ብግቡእ ክከላኸሉን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ካሜሩን ዓመታዊ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ እታ ሃገር ዝሰግር ካብ ሰሃራ ዝመጽእ ህቦብላ ዶሮና የጋጥማ። ንፋሳት ዓመታዊ ክሳብ 2000 ሚልዮን ቶን ሓመድ ናብ ከባቢ ኣየርና ክሃርምዎ ይኽእሉ እዮም።