'ሓድሽ' ግብሪ ንብረት ኢትዮጵያ እንታይ እዩ? ብኸመይ ከ ይትግበር?

ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS ABABA CITY ADMIN.

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ኢትዮጵያ ግብሪ ንብረት ኣብ ዘመነ ሃፀይ ሃይለስላሴ ከምዝተኣታተወ መዛግብቲ ይሕብሩ።

ለውጢ ስዒቡ ደርጊ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዜጋታት ግብሪ መሬትን ናሕስን ክኸፍሉ ክገብር ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን፡ መሬት፡ ግብሪ ዝኽፈሎ ንብረት ኣይነበረን፡ ዜጋታት ግን ካብ መንግስቲ ይካረይዎ ነይሮም። ይኹን እምበር ዓመታዊ ግብሪ ምኽፋል የድሊ።

ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ነቲ 'ኣረጊትን ግዜኡ ዝሓለፎን' ዝበሎ ኣዋጅ ኣመሓይሹ፡ እምብዛ ክሰርሕ ግን ኣይከኣለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ግብሪ ንብረት ይሃሉ ኣይሃሉ ሐዚ እውን ኣካታዒ እዩ።

ብመሰረት ሓባራዊ ውሳነ እተን ኣብያተ ምኽሪ፡ ባይቶ ፈዴሬሽንን ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን፡ ኣብ ኩለን ክልላት ዝኽፈል ግብሪ ንብረት "ተመጣጣኒ" ክኸውን እዩ።

ኣባላት እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ፡ "ክልላታት ግብሪ ንብረት ከመሓድራ ኣለወን" ብምባል ብብዝሒ ድምጺ ኣጽዲቖም። እዚ ግብሪ ክኽፈል የብሉን ኢሎም ዝቃወሙ ኣባላት ባይቶ ግን ነይሮም።

ንምዃኑ፡ ግብሪ ንብረት እንታይ እዩ? ኣብ ኢትዮጵያኸ ብኸመይ ክትግበር እዩ?

ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግብሪ ንብረት እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ግብሪ ንብረት ማለት ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ሕጋዊ ኣካል ንዝጥቀመሉ ንብረት፡ ንመንግስቲ ዝኽፈል ገንዘብ እዩ።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ግብሪ ንብረት ኣብ ዓመታዊ ዝተገምገመ ዋጋ ናይቲ ንብረት ተመርኲሱ እዩ ዝዕቀን።

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ከተማታት በቲ ካብ ግብሪ ንብረት ዝእክብኦ ገንዘብ እየን ንነብሰን ዝድግፋ።

መብዛሕትኡ ግዜ ግብሪ ንብረት ኣብ መሬትን ህንጻታትን ዝኽፈል ኮይኑ፡ ኣብ ተሽከርከርቲ እውን ግብሪ ዘንብራ ሃገራት ኣለዋ።

ግብሪ ንብረት "ካብቲ ንብረት ዝጥቀም ውልቀ ሰብ ብቐጥታ ዝእከብ ዓይነት ግብሪ'ዩ" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጥላሁን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ መምህርን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ዝኾነ እዚ ምሁር፡ ካልኣይ ዲግሪኡ ብኣተሓሕዛ መሬትን ግብሪ ንብረትን እዩ ሰሪሑ።

ግብሪ ንብረት ክልተ መልክዕ ከም ዘለዎ እቲ ምሁር ይገልጽ።

እቲ ሓደ 'ግብሪ ትራንዛክሽን ንብረት' ይበሃል። እዚ ማለት ንብረት ክሽየጥን ክለወጥን ከሎ እቶት ግብሪ ይኽፈል። እቲ ካልኣይ ኣቢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ዓመታዊ ወሰኽ ዋጋ መሰረት ብምግባር ኣብ ንብረት ዝኽፈል ግብሪ እዩ።

እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ ግብሪ ንብረት ተንቀሳቓስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ዘጠቓልል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዘይንቀሳቐስ ንብረት [መሬትን ህንጻታትን] ዝኽፈል ግብሪ እዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን።

“ግብሪ ንብረት ካብ ካልኦት ዓይነታት ግብሪ ዝፍለየሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ዝሕባእ ስለዘይኮነ እዩ። ብመሰረት እቲ መንግስቲ ዝገብሮ 'ምዘና'፡ ዓመታዊ ዋጋ ሓደ ንብረት ይሕሰብ። ስለዚ ውልቀ-ሰባት ነዚ ግብሪ እዚ ዝሓብእሉ ምኽንያት የብሎምን።”

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግብሪ ንብረት ብኣማሓደርቲ ከተማታት እዩ ዝትግበር። ግን ብቐሊል ወጻኢታትን ቴክኖሎጅን ዝስራሕ ኣይኮነን።

'ግብሪ ንብረት' ብዙሕ ቴክኖሎጂን ዓቕሚ ሰብን ከም ዝሓትት እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የረድእ።

ጥላሁን ወሲኹ፡ ካብ ምእካብ እቶት ግብሪ ንብረት ሓሊፉ፡ ዜጋታት ወጻኢታት ክቕንሱ ወይ ምዕቋር ንኽለምዱ ምኽንያት ከምዝኸውን ሓቢሩ።

ኣብ ኣሜሪካ ማእከላይ መንግስትን ክልላዊ መንግስታትን ካብ ዝእክብዎ እቶት 30 ሚእታዊት ግብሪ ንብረት ይሕዝ።

እንተኾነ ኣሜሪካ ካብተን ትሑት ግብሪ ንብረት ዝሓታ ሃገራት ክትከውን ከላ፡ ከም በዓል ቤልጅየምን ስጳኛን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ዝለዓለ ግብሪ ንብረት ከም ዝሓታ ይፍለጣ።

ግብሪ ንብረት ኣብ ኢትዮጵያ

"ኣብ ኢትዮጵያ ግብሪ ንብረት ይህሉ ዶ ኣይህሉን ዘካትዕ'ዩ" ዝብል ተ/ፕሮፌሰር ጥላሁን፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ቀዳማይ ግብሪ፡ ግብሪ ንብረት ምዃኑ ግን ይዛረብ።

"ኣነ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ግብሪ ንብረት የለን ዝብል ጉጅለ ኣይኮንኩን። እንተወሓደ እቲ ካልኣዋይ ግብሪ ንብረት ኣሎ” ይብል።

እዚ ዓይነት ግብሪ ንብረት ሓደ ውልቀ ሰብ ንብረት ክሸይጥን ክለዋወጥን ከሎ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ግብሪ እዩ። እዚ ብእንግሊዝኛ 'Stamp Duty' ይበሃል።

ግብሪ ንብረት ዘይሓታ ሃገራት፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ንብረት ክገዝእ ወይ ክሸይጥ ከሎ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ናይ ማሕተም ግብሪ ኣለወን።

ኣብ ኢትዮጵያ ንኣብነት ሓደ ሰብ ገዛ ክሸይጥ ከሎ ክልተ ሚእታዊት ግብሪ ክኸፍል ይግደድ ይብል እቲ ምሁር።

“ገለ ከተማታት 'ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት' ይሓታ። ንኣብነት ኣዲስ ኣበባ 4 ሚኢታዊት ካልኦት ከተማታት ድማ ትሕት ኣቢለን፡ 3 ሚኢታዊት ይሓታ እየን።"

ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሓደ ውልቀ ሰብ እንታይ ዓይነት ንብረት ኣለዎ? ኣየናይ ግብሪ ክኽፈል ከም ዘለዎ ኣካታዒ ምዃኑ እቲ ምሁር ይሕብሩ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ "ዋና ገዛ፡ ህንጻ ዘለዎ፣ ናይ ኣገልግሎት ህንጻ ዘለዎ፤ ነዚ ፍሉይ ዝገብሮ ሕጊ ግብሪ" ዘይምህላዉ እዩ።

ኣብ 2010/11 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ እቲ መምህር ኣብ ድሬዳዋ፣ ባህርዳርን መቐለን ትኹረት ብምግባር ኣብ ግብሪ ንብረት መፅናዕቲ ኣካይዱ።

ኣብዚ መፅናዕቲ ካብ ዘስተብሃሉሉ ጉዳይ ሓደ፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ግብሪ ንብረት ግልፂ ዓንቀፅ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ።

ኣብ መደምደምታ መጽናዕቱ፡ "ንፌደራል ይኹን ንክልላት ዝወሃብ ፍሉይ ግብሪ ስለዘየለ፡ ፌደሬሽንን ባይቶታት ወከልቲ ህዝቢን ብሓባር ክውስኑ ኣለዎም" ዝብል ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ብ'ሓድሽ መልክዕ' ዝመጸ ግብሪ ንብረት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዘተ "ልዕሊ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ" ዝዋግኡ ህንፃታት ግብሪ ንብረት ክኸፍሉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣልዒሉ ነይሩ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጥላሁን ከም ዝበሎ፡ ጉዳይ ግብሪ ንብረት ክዝተየሉ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ወሲዱሉ።

ኣባላት ፈደረሽንን ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ብሓባር ብምዝርራብ፡ ሕጋዊ ቅርጺ ግብሪ ንብረት ብ'ሓድሽ መልክዕ' ንምድላው "ዓቢ ስጉምቲ" እዩ ይብሉ።

ይኹን እምበር ግብሪ ንብረት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣምር ስለዘለዎ ብጥንቃቐ ክረአ ከምዘለዎ ይመኽሩ።

"ንኣብነት እቲ መሬት ድዩ ወይስ እቲ ህንጻ ግብሪ ዝኽፈለሉ? ነቲ መሬት ጥራይ ዲና ዋጋ ንህቦ ወይስ ምስቲ ገዛ? ክንደይ ዋጋ እዩ ግብሪ ዝኽፈል? እዚ ክምለስ ኣለዎ።”

ካልእ ቆላሕታ ክግበረሉ ዘለዎ ጉዳይ ስርዓት ሊዝን ግብሪ ንብረትን ብኸመይ ብሓባር ክኸዱ ከምዝኽእሉ ምዃኑ፡ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ብዛዕባ ግብሪ ንብረት ክዛተዩ ከለዉ ካብ ዝተለዓሉ ሕቶታት ሓደ ዜጋታት ድርብ ግብሪ ክኸፍሉ ዝብል እዩ።

"ዜጋታት ግብሪ ድሕሪ ምኽፋል ካብ ዝወስድዎ ደሞዝ ብምዕቋር ኣብ ዝሃነጽዎ ገዛውቲ ግብሪ ክኸፍሉ ኣይግባእን" ይብሉ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጥላሁን "ድርብ ግብሪ" እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓሳብ "ጌጋ" እዩ ይብል።

ብመሰረት እቲ ምሁር ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ትራንዛክሽን ክልተ ግዜ ወይ ልዕሊኡ ግብሪ ክኸፍል ከሎ "ድርብ ግብሪ" ይበሃል።

"ንኣብነት ሓደ ሰብ ደሞዝ ክኽፈል ከሎ፡ መንግስቲ ፌደራል ግብሪ ቆሪጹ ናብ ቤት ጽሕፈት እንተሂቡ እሞ፡ ዳግማይ ግብሪ እንተኸፊሉ፡ ድርብ ግብሪ ንብሎ።"

ንሱ ከምዝብሎ፡ ንብረት "ንበይኑ ዝረአ ምንጪ ኣታዊ" እዩ። "እቲ ኣታዊ ናብ ብር ይቕየር ድዩ ኣይቅየርን ካልእ ጉዳይ'ዩ።"

'ኢትዮጵያ ነዚ ፖሊሲ ካብ ኣየነይቲ ሃገር ክትቅድሖ ኣለዋ?' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ ከም ዘካየደ ዝገልጽ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ ኣብዚ መጽናዕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ከም ዝተኻተታ ይጠቅስ።

ታንዛንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ጋናን ታይላንድን ዝጠቀሰ እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ናይ ስራሕ ብጾቱን ኢትዮጵያ ካብ ተመኩሮ እዘን ሃገራት ክትመሃር ከምእትኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

"እታ ንኢትዮጵያ ዝቐረበት ዝበልናያ ግን ታንዛንያ እያ።"

ብተወሳኺ እቲ ሓድሽ ማዕቀፍ ክወጽእ ከሎ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ድሕረ ባይታ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ ይመክር።

ንኣብነት ብዙሓት ሃገራት ነቲ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ርእየን ኤምባሲታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ካብ ግብሪ ንብረት ነጻ ከም ዝገብራ ይጠቕስ።

ግብሪ ንብረት ብግቡእ እንተተተግቢሩ "ንከተማታት ዓቢ ምንጪ እቶት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል ሓሳብ ድማ ይድግፍ።