እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣምነስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቱ
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ 400 ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ንኽምረምሩ ሓቲቱ።
ኣምነስቲ፡ ብ14 ሓምለ 2014 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብ11 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዙሓት ድማ ከምዝቘሰሉን ገሊጹ።
እዚ፡ “ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቕትለት፡ ሰባት ንህይወት ደቂ ሰብ ግዲ ከምዘይብሎም ዘርኢ እዩ፡” ክብል ናይ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዴፕሮስ ሙቼና ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ “ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ንኽቐርቡ፡ ኣድላይ ዝበለ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም” ይብል።
ኣብቲ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 450 ከምዝሞቱ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረቦም ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
መንግስቲ ብወገኑ፡ ቍጽሪ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት 338 ከም ዝበጽሕ ምግላጹ ይዝከር።
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉን ስድራ ግዳያትን ዘዘራረበ ኣምነስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ የመልክት።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባትን መንግስቲን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ እዮም ዝገልጹ። ይዅን እምበር ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝፈጸምዎ ብምግላጽ ዘይሻራዊ ምርመራ ንኽግበር ከምዝሓተተ ይዝከር።
እቲ ትካል፡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ፡ ስድራ ግዳያትን ሰብ መዚ እቲ ከባቢን ሓዊሱ 10 ሰባት ኣዘራሪቡ እዩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ጃምላዊ ቕትለት፡ ገዛውቲ ምቅጻልን ዘረፋን ተፈጺሙ ይብሉ። ብተወሳኺ ጕጅለ ምርመራ ኣምነስቲ፡ ስእልታት ሳተላይት መርሚሩ፡ እቲ ብ 11 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ዝርከቡ ቁሸታት ሓዊ ከምዝተልዓለ ኣረጋጊጹ እዩ።
ሰልፊታት ፖለቲካን ካልኦት ወገናትን'ውን፡ ዘይሻራዊ ምርመራ ንኽግበር ተማሕጺኖም እዮም።
ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት (ኢሰመኮ) ብዛዕባ እቲ ቕትለት ምርመራ ኣካይዱ ጸብጻብ ንኸቕርብ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ይዝከር።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት እውን ምርመራ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ እዩ።
“እቶም ሰበ ስልጣን ክከላኸሉልና ኣይከኣሉን”
ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኡ ንብኡ ወረዳን ዞንን ከም ዝፈልጥዎ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ መንገዲ ስለዝተዓጽወ ግን፡ ግብረ መልሲ ክህቡ ከምዘይከኣሉ ንኣምነስቲ ገሊጾም።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቁሸታት ቶሌ ሰብ እናቐተሉ፡ ገዛ እናቃጸሉ ንሓሙሽተ ሰዓታት ከምዝጸንሑን፡ ሓይልታት መንግስቲ ግን ክከላኸሉሎም ከም ዘይከኣሉ መሰኻኽር ንኣምነስቲ ሓቢሮም።
እታ ቍሸት፡ ካብ ጊምቢ ዋና ከተማ 'ቲ ወረዳ፡ 49 ኪሎሜተር ርሒቓ እያ ትርከብ።
ሓይልታት መንግስቲ ናብቲ ከባቢ ዝበጽሑ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ድሕሪ ምውጽኦም ከምዝዀነ እውን ወሲኾም ገሊጾም።
“ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኰነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያ ንዝርከቡ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ካብ ቅትለትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዑቕባ ክህብ ኣለዎ፡” ክብል ዴፕሮስ ሙቼና ኣተሓሳሲቡ።
“ሃንደበት መጺኦም እዮም ኣጥቂዖምና”
እቲ መጥቃዕቲ፡ ንግሆ ሰዓት ሰለስተ ከም ዝተፈጸመ መሰኻኽር ዓይኒ ንኣምነስቲ ገሊጾም። መብዛሕትኡ ሰብ ድማ ናብ ሕርሻን ናብ ካልእ ጉዳያቱን ተዋፊሩ ነይሩ፡ ይብሉ።
ኣብተን ቍሸታት ዝነብሩ ሰባት፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ክሃድሙ ዘይከኣሉ ህጻናትን ኣደታትን ከምዝዀኑ እዞም መሰኻኽር ይገልጹ።
ኣምነስቲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ኵሎም ኣዝማዶም ከም ዝሰኣኑን መብዛሕትኦም ድማ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዀና ሓቢሮም።
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፈት ጀሚላ፡ ሰብኣያ ኣብ ሕርሻ እንከሎ ብገጀራ ከምዝቐተልዎን ንባዕላ ድማ ብጥይት ከምዝወቕዕዋን ተዛሪባ። ሓገዝ ክሳዕ ትረከብ ኣብ ማእከል እቶም ዝሞቱ ሰባት ወዲቓ ከምዝጸንሐት እውን ወሲኻ ንኣምነስቲ ገሊጻ።
22 ደቈምን ደቂ ደቈምን ከምዝተቐትሉ ዝዛረቡ ወዲ 64 ዓመት ኣቶ ሑሴን*፡ ኣንስቲን ህጻናትን ይገድፍዎም እዮም ብዝብል ግምት ኣብ ገዛ ሓዲጐም ነብሶም ከድሕኑ ከምዝሃደሙ ሓቢሮም።
ኣቶ ሑሴን፡ ስድራቤቶም ኣብ መንጐ 42 ሬሳ ከምዝረኸቡን ብዙሓት ህጻናት ከምዝተቐትሉን ወሲኾም ገሊጾም።
ናይቲ ከባቢ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ዝዀነ ጀማል* እውን፡ ሰለስተ ደቁን ጥንሲ 7 ወርሒ ዝነበራ ሰበይቱን ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
ስድራቤቱ ሓዊሱ፡ 112 ሰባት ስልሳው ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ 104 ድማ ኣብ ጨርቆሳ ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ እቲ በዓል ስልጣን "መብዛሕትኦም ህጻናትን ንኣሽቱ ዕሸላትን” ከምዝዀኑ ይሕብር።
እቶም ሬሳታት ብጠያይት ከምዝተበሳስዑ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ኣብ ሕርሻኦም ዝነበሩ ኣቶ ኣብዲ ብወገኖም፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዝነበረሉ ቁሸት ካብ 2፡30 ኣትሒዙ ክሳብ 9፡00 ኣብ ካልኦት ቁሸታት ድማ ክሳብ 10፡00 - 11፡00 ከምዝቐጸለ የረድኡ።
ገለ ካብቶም ነበርቲ ዕጡቓት'ኳ እንተዀኑ፡ ምስቶም ዝመጹ ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ስለዘይዳረግ ግን፡ ክከላኸሉ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም።
“ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰፈነ ተሓታትነት ዘይብሉ ባህሊ፡ እቶም ግጭታት ንኽቕጽሉየተባብዕ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት ብዘይሻራዊ ኣካል ከም ዝምርመሩ ክገብሩ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ንኸካይድ ከወሃህዱ ኣለዎም፡” ይብል ዴፕሮስ ሙቼና።
“ጐረቤተይ ምስ ስድራቤቱ ኣቃጺሎምዎ”
ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ጐረባብቶም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከምዝረኣዩ ኣቶ ዳውድ ይገልጹ።
“እንዳ ጐረቤተይ ሻምበል መሐመድ ኣቃጺሎምዎ። ስድራኡ ደቁን ደቂ ደቁን ብሓፈሻ 12 ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ነይሮም። እታ ሓንቲ ጥንስቲ 7 ወርሒ ክትከውን እንከላ፡ ምስ ክልተ ደቃ እያ ነይራ። ምሉእ ብምሉእ ስለዝተቓጸሉ ኣብ ካንሸሎኦም እዮም ተቐቢሮም” ይብሉ።
ካልእ ኣብዲ ዝተባህለ ምስክር'ውን፡ እቶም ካብ ገዛኡ 4 ከብትን 70 ሽሕ ዝግመት ከም ዝዘረፉን ይገልጽ።
መሰኻኽር፡ እቶም ኣጥቃዕቲ፡ በቲ ነዊሕን፡ ጀብጀብ ዝተቘነነን ጸጕሮም፡ ብወተደራዊ ክዳውንቶም በቲ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ኦሮምኛን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምዃኖም ከምዝፈለጡ ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ይገልጹ።
ቅድሚ ሕጂ ኣምነስቲ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ፈጺሞምዎ ዝበሎም መጥቃዕቲታት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን ኣብ ቶሌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዊሱ፡ ነቶም ክስታት ብምጻግ ንሓይልታት መንግስቲ ተሓተትቲ ይገብር።
*አምነስቲ ዘዘራረቦም ሰባት ንድሕነቶም ተባሂሉ ስሞም ተቐይሩ እዩ።