ኢትዮ ቴሌኮም ወግዓዊ ዝገበሮ ኢ-ሲም እንታይ'ዩ? መን ከ ክጥቀመሉ ይኽእል?

ኢሲም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮ ቴሌኮም ቅድሚ ሕጂ ካብ እንፈልጦ ሲም ካርድ ወጻኢ ኣገልግሎት ስልኪ ከጥቅም ዝኽእል ኢ-ሲም ዝተባህለ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

ተጠቀምቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ማእከላት ኣገልግሎት ብምኻድ ተጠቀምቲ እቲ ቴክኖሎጂ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ትካል ገሊጹ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ቀረባ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ እውን እቲ ኣገልግሎት ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጀመረ እዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዓውዲ ተሌፎን ሓደሽቲ ካብ ዝብሃሉ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ እዩ።

ንምዃኑ ኢሲም እንታይ እዩ? ከመይ'ዩ ዝሰርሕ? ተጠቃሚ እዚ ኣገልግሎት ንምዃን እንታይ ዓይነት ተሌፎን ክህልወካ ኣለዎ?

ኢሲም እንታይ'ዩ?

ብዛዕባ እዚ ዘመናዊ ሲም ቅድሚ ምውጋዕና፡ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እንፈልጦ ሲም ካርድ ገለ ነገር ክንብል ኣገዳሲ እዩ።

ሲም ወይ ብኢንግሊዘኛ Subscriber Identification Module ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቐኑ ንእሽቶ ዝዀነ ጭራም ፕላስቲክ መሳሊ ኰይኑ፡ ኣብ ተሌፎናት ኣትዩ ኣገልግሎት ኔትዎርክ ይህበና።

እዚ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ሓደ ተጠቃሚ ናብ ኔትዎርክ ዘመሓላልፍን ሓቅነት እቲ ዝሓዝናዮ ስልኪ ዘረጋግጽን እዩ።

ሲም ካርድ፡ ቝጽሪ ስልኪ ካብ ምሓዝ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት መረዳእታታት ኣብ ውሽጡ ዝኽዝን ኰይኑ፡ ስልኪ ንምድዋልን መልእኽቲ ንምቕባልን ከምኡ’ውን ናይ ኢንተርነት ዳታ ንምጥቃም የኽእለና።

ሲም ካርድ፡ ብ1991 ዓ.ም [ኣ. ኣ] ካብ ዝነበሮ ቅርጺ ክረዲት ካርድ ዝመስል ዓቐን፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ንእሽቶ [ሚኒ] መጠን ተመሓይሹ’ዩ መጺኡ።

ብ2003፡ ማይክሮ ሲም ዝተባህለ ብዓቐኑ ንእስ ዝበለ ሲም ካርድ፡ ምስ ፍርያት ኣይፎን 4 ተመራሪሑ መጺኡ።

ብ2012 ድማ፡ ‘ናኖ’ ዝተባህለ ብቕርጹ ካብቶም ቅድመኡ ዝነበሩ ሲም ካርድታት ዝንኣሰ ሲም ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ።

ምዕባለ ሲም ካርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምዕባለ ሲም ካርድ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጂ፡ ኢ-ሲም ወይ ድማ ‘ኢምበድድ ሲም’ ዝበሃል እምበኣር ብ2016 ዝተኣታተወ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ሲም ካርድ እዩ።

እዚ ሲም፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብኢድና ዳህሲስና ናብ ስልክና እነእትዎ ዝነበርና ሲም ካርድ ክተርፍ ዝገብር እዩ፤ ዝተፈለየ ኣገልግሎት ግን የብሉን።

እዚ ነቲ ናይ ፕላስቲክ ካርድ ዘትርፍ ቴክኖሎጂ፡ ስማርት ተሌፎናት ክፈርዩ እንከለው ተገጢሙ [ኤምበድ ተገይሩ] ዝመጽእ እዩ።

እዚ ዲጂታዊ ቴክኖሎጂ ሲም፡ ካብ ሓደ ተሌፎን ወጺኡ ናብ ካልእ ተሌፎን ዝመሓላለፍ ወይ ዝግጠም ግን ኣይኰነን።

እኳ ድኣ፡ ኣብ ‘ቦርድ’ ዘመናዊ ተሌፎናት ተገጢሙ ዝመጽእ ኢ-ሲም፡ ዝሓዞም መረዳእታታት ደምሲስካ ሓድሽ መረዳእታ ከተእቱ ትኽእል።

ካብ ሓደ ኔትዎክ ዘቕርብ ትካል ናብ ካልእ ኣቕራቢ ኔትዎርክ፡ ዘለካ ሲም ካብ ተሌፎንካ እንከየውጻእካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ተወሳኺ ኣቕራቢ ኔትዎርክ ክትጥቀም ዕድላት ይፈጥረልካ።

እዚ ማለት፡ ኔትዎርክታት ኢትዮ-ተሌኮምን ሳፋሪኮምን ብሓደ ግዜ ካብ ሲም ካርድ ወጻኢ ክትጥቀም ትኽእል።

ኢንጅነር ሶፍትዌር ሮቤራ ግርማ፡ እዚ ንኢትዮጵያ ሓድሸ ዝዀነ ኢ-ሲም ምጥቃም ካብ ዝጀመሩ ዓማዊል ሓደ እዩ።

ሮቤራ፡ ኣገልግሎት ኢ-ሲም ንነዊሕ ግዜ ክጽበዮ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ እቲ ትካል ነዚ ኣገልግሎት ምስ ኣላለየ ቀልጢፉ ብምኻድ ከም ዝተመዝገበ ይገልጽ።

ነዚ ኣገልግሎት ክትጥቀም ካብ ዝደፍእዎ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ስርቂ ተሌፎን ንምትራፍ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

“ኣብ ሃገርና ሰፊሕ ስርቂ ተሌፎናት ኣሎ። ክልተ ወይ ሰለስተ ተሌፎን ሒዝካ ትዅረትካ ናብ ሓደኡ ክኸውን እንከሎ፡ ትስረቕ” ይብል።

ሕጂ ግን፡ ኣብ ሓደ ስልኪ ዝተፈላለዩ ኔትዎርክታት ክጥቀም ናብ ዝኽእለሉ ቴክኖሎጂ ተጸንቢሩ ኣሎ።

ኢ-ሲም ዝመርጾ ዓይነት ተሌፎን ኣሎ’ዶ?

ተሌፎናት ጋላክሲ ፒክስል፡ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኢ-ሲም ነይሩወን፤ ተሌፎናት ኣፕል ድማ ካብ 2018 ጀሚሩ ኢ-ሲም ሒዘን መጺአን።

ሳምሰንግ፡ ተሌፎናቱ ኢ-ሲም ካርድ ይቕበላ እየን። ይዅን’ምበር ኵለን ስርሓት ሳምሰንግ ኣገልግሎት እዚ ሲም ካርድ ኣይቅበላን።

ዘመናዊ ዝበሃላን ኣብ ቀረባ ዝፈረያን ስማርት ተሌፎናት፡ ሳምሰንግ ጋላክሲ እንተሃልዩኩም፡ ተጠቀምቲ ኢ-ሲም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ንኣብነት፡ ካብ ሳምሰንግ ጋላክሲ ኤስ-20 ክሳብ 22 ከምኡ’ውን ተሌፎናት ሳምሰንግ ኖት እዚ ኣገልግሎት ከተኣናግዳ ይኽእላ’የን።

ሳምሰንግ ጋላክሲ ዜድ ፎልድን ፍሊፕን ዝተባህላ ተዓጸፍቲ ተሌፎናት’ውን ተጠቀምቲ ኢ-ሲም’የን።

ካብዚ ወጻኢ ፍርያት ኣፕል ብዝዀና ተሌፎናት ኣይፎን፡ ኢ-ሲም ምጥቃም ከም ዝከኣል ኢትዮ-ቴሌኮም ይገልጽ።

ካብ ኣይፎን ኤክስ ጀሚሩ ክሳብ ኣይፎን 13 ዘለዋ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝፈረያ ስልክታት እዚ ኩባንያ እንተሃልየናኹም ተጠቀምቲ ኢ-ሲም ክትኰኑ ትኽእሉ።

ኣብዚ ዓመት [2022] ዝፈረየ ኣይፎን ኤስኢ 3’ውን ነዚ ኣገልግሎት ይቕበል’ዩ።

ኢትዮ-ቴሌኮም፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዕዳጋ ዝመጽኣ ኣይፎን 14 ነዚ ኣገልግሎት ከም ዝቕበል'ኳ እንተዘይገለጸ፡ እዘን ዘመናውያን ተሌፎናት ናብ ኢትዮጵያ እንተመጺአን ኢ-ሲም ናይ ምጥቃም ዕድል ከም ዝህሉ ይግመት።

ዕዳጋ ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ካብ ዝተቘጻጸራ ስልክታት ሳምሰንግን ኣይፎንን ብተወሳኺ፡ ስልክታት ጉግል ፒክስል’ውን እዚ ሲም ካርድ ዝቕበላ እየን።

ኦፖ ሰለስተ ዓይነት፡ ዝተባህላ ፍርያት ቻይና ዝዀና ቴሌፎናት፡ ነዚ ሲም ካርድ ዝቕበላ’ኳ እንተዀና፡ ፍርያት ኦፖ ጥራይ’የን ኣብ ኔትዎርክ ኢትዮ-ቴሌኮም ተቐባልነት ዘለወን።

ብተወሳኺ፡ ሁዋዌ ፖ40፡ ፒ40 ፕሮን ሁዋዌ ማቴ40ን ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ዓይነት ስርሓት ሞቶሮላ ኣብ ኔትዎርክ ኢትዮ-ቴሌኮም ተቐባልነት ረኺበን ኣለዋ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ኔትዎርክ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝኣተወ ሳፋሪኮም፡ ዋላ’ውን ኣገልግሎቱ ኣብ ቀረባ ኣብ ድሬዳዋን ካልኦት ከተማታትን እንተጀመረ፡ ኢ-ሲም ተግባራዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኬንያ ብዙሓት ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኩባንያ ሳፋሪኮም፡ ዘመናዊ ብዝበሃላ ተሌፎናት ኣቢሉ ኣገልግሎት ኢ-ሲም ይህብ እዩ።

ረብሓን ጉድኣትን ኢ-ሲም

ኣፕል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ተጠቀምቲ ዘላለየን ኣይፎን 14፡ ኣብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ዝውዕል መእተዊ ሲም ካርድ ከም ዘይብለን ይጠቅስ።

እዚ ውሳነ ኣፕል፡ ብዙሓት ኣቕረብቲ ኔትዎርክ ኢ-ሲም፡ ኣገልግሎት ንክጅምሩ ክውስኑ ክደፍኦም ይኽእል’ዩ።

መእተዊ ሲም ካርድ ዘይብለን ተሌፎናት፡ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ዝጀመረ ኣፕል ኣይኰነን፤ መጀመርታ ሞቶሮላ ራዝር ፍሊፕ ዝተባህለት ተሌፎን እዩ ነዚ ስርሓት ሒዙ መጺኡ።

ብኢንግሊዘኛ ‘ኢምቤድድ ሲም’ ዝበሃል ሲም ካርድ፡ እታ ብኣእዳውና ንድህስሳ ሲም ካርድ ካብ እትህቦ ጥቕሚ ንላዕሊ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ኣለውዎ።

ተሌፎንኩም፡ ኢ-ሲም ትቕበል እንተዀይና ሲም ካርድ ዘእቱ በዓል ክልተ ሲም ካርድ ተሌፎን ክትኰኑ ትኽእሉ ማለት’ዩ።

ብኢ-ሲም ኣቢልካ፡ ክልተ ሲም ካርድ ክትጥቀም ትኽእል። ስለዚ፡ እቲ ሓደ ረብሓ ኢ-ሲም፡ ኣብ ሓደ ስልኪ ክልተ ሲም ካርድ ክትሕዝ ምኽኣል እዩ።

ካልኣይ፡ ኢ-ሲም ኣብ ዝቕበላ ተሌፎናት ክሳብ ሓሙሽተ ሲም ካርድ ክተእትው ትኽእሉ።

ኣይፎነe 14 ፕሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣይፎነe 14 ፕሮ

ካልእ ረብሓ ኢ-ሲም፡ ካብ ሓደ ኔትዎርክ ናብ ካልእ ኔትዎርክ ክትቅይሩ እንተደሊኹም፡ ሓድሽ ሲም ካርድ ንምግዛእ ኣይትግደዱን።

ኣብ ገለ ሃገራት፡ እዚ ንምግባር ናብ ሓደ ኔትዎርክ ዘቕርብ ትካል ተሌፎን ትድውል፤ ብኢንተርነት ኣቢሉ ድማ ነቲ ኔትዎርክ ክቕይሮ ይኽእል።

ንኣብነት፡ ካብ ሳፋሪኮም ናብ ኢትዮ-ቴሌኮም ክትቕይሩ እንተደሊኹም ሓድሽ ሲም ካርድ ከይገዛእኹም እቲ ኔትዎርክ ምትሕልላፍ ትኽእሉ።

ብፍላይ ድማ፡ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ዝጓዓዙ ሰባት፡ መርፍእ መሳሊ ኣሊሾም ነታ ሲም ካርድ እተእቱ ነዃል ከፊቶም ካልእ ካብ ምእታው ይገላገሉ ኣለው ማለት እዩ።

ብመንጽር ድሕነት ክኣ፡ ሰረቕቲ ተሌፎንኩም መንዚዖም ብምውሳድ ከይጉርጉርዎ ይከላኸል።

ይዅን’ምበር፡ ኢ-ሲም ርእሱ ዝኽኣለ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ እዩ።

ንኣብነት፡ ተሌፎንኩም እንተተበላሽያ፡ ከምቲ ካልእ እዋን ሲም ካርድ ኣውጺእኩም ናብ ካልእ ተሌፎን ኣእቲኹም ክትጥቀሙ ኣይትኽእሉን።

ፎርብስ ዝተባህለ መጽሄት፡ እቲ ሓደ ጉድኣት ኢ-ሲም ብቐሊሉ ‘ትራክ’ ክንግበር ዘኽእል ምዃኑ እዩ ይብል።

እዚ ማለት፡ መንግስቲ ወይ ዝዀነ ትካል፡ በቲ ዝጥቀመሉ ሲም ካርድ ይከታተሉኒ እዮም ዝብል ስክፍታ እንተሃልዩኩም፡ ኢ-ሲም ኣስጋኢ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ፊልምታት ከም እንርእዮ፡ እቲ ብኣእዳውና እንድህስሶ ሲም ካርድ ካብ ተሌፎን ኣውጺኦም ምስ ደርበዩዎ ኣድራሻኦም ምርካብ ከቢድ እዩ።

ተጠቃሚ ኢ-ሲም እንተዄይንካ ግን፡ እቲ ተሌፎን ብዕእንደ ርእሱ እንተዘይደርቢኻዮ ብቐሊሉ ኣድራሻኻ ክተጥፍእ ኣይትኽእልን።

ተበጻሕነት ቴሌኮምዩኒኬሽን፡ ሚዲያን ቴክኖሎጅን ዝከታተል ኦሚዲያ ዝተባህለ ትካል፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ሓሙሽተ ሚኢታዊት ስማርት ስልክታት ኢሲም ክህልወን እዩ ይብል።

እዚ ቑጽሪ፡ ኣብ 2024 ናብ 20 ሚኢታዊት ክዓቢ ትጽቢት ይግበር።

ስልክታት ኣፕል፣ ሁዋዌን ሳምሰንግን፡ ልዕሊ ፍርቂ ዕዳጋ ስማርት ተሌፎን ዓለምና ይሕዙ። እዚኦም፡ ኢ-ሲም ወሲዀም መጺኦም ኣለው።

ኢ-ሲም፡ ስማርት ስልክታት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ብዙሓት ኩባንያታት ስልኪ የፍርዩዎም ኣብ ዘለው ስማርት ናይ ኢድ ሰዓታት እውን ክግጠሙ ጀሚሮም ኣለው።

ተንተንቲ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተጠቃምነት ኢ-ሲም ቀስ ብቐስ እናዓበየ ይመጽእ ምህላው ይኣምኑ። በዚ መንጽር ደቡብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ተጠቃምነት ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ፡ ቴክኖሎጅን ኣገልግሎትን ሞባይል ኣብ 2019 ኣብ ጠቕላላ ምህርቲ እተን ሃገራት ዝነበሮ ኣበርክቶ 9 ሚእታዊት [ኣስታት 155 ቢልዮን ዶላር] ጥራይ እዩ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብዚ ዞባ ካብ ዝርከቡ ኣስታት 800 ሚሊዮን ሰባት ክሳብ ሕጂ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ኣይኰኑን።