ጽገ ካሕሳይ፡ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብምዃን ኣውረቕሪቓ

ንመበል 19 ግዜኡ ኣብ ከተማ ዲያኒ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጽገ ካሕሳይ ኣብ ውድድር ጽርግያ ትሕቲ 18 ዓመት ቀዳመይቲ ብምውጻእ ወርቂ መዳልያ ተሸሊማ።
ጽገ ኣብቲ ቅድሚኡ መዓልቲ ዝተኻየደ ውድድር ግዜ'ውን ቀዳመይቲ ብምውጻእ ወርቂ መዳልያ ብምዕታራ፡ ዛጊት ኣብዚ ውድድር ካብ ዝተረኽቡ ተቐዳደምቲ፡ ክልተ ወርቂ ዝተሰለመት እንኮ ተቐዳዳሚት ኰይና ኣላ።
ንጽገ ተኸቲላ ርዋንዳዊት ይቮን ማሰንጌሾ ካልኣይቲ፡ ኢትዮጵያዊት ቅሳነት ገብረስላሰ ሳልሰይቲ ኰይነን ናብ መድረኽ ደይበን።
ካልእ ኢትዮጵያዊት ራሄል ጊምባቶ'ውን ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደሚቓ ዝወጽኣትሉ ውድድር ኰይኑ ኣሎ።
ጽገ ድሕሪ ዓወታ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ሃብቶም ወልደዮሃንስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ነዚ ቦታ መጺአ ምስ ርኣኹዎ፡ ፈጣሪ ሓጊዙኒ'ምበር ምስ ናተይ ዝኸይድ ቦታ ኣይኰነን፡" ክትብል እያ ዘረባኣ ጀሚራ።
"ከም ናይ ሩዋንዳ ወይ ዓድና ዓቐብ እንተ ዝኸውን ነይሩ - በይነይ ሃዲመ ክውዕል እየ ሓሲበ ነይረ። እቲ ቦታ [ጐልጐል ብምዃኑ) ብስፕሪንት [ቮላታ] ዝውዳእ እዩ። ዘለኒ ሓይሊ ተጠቒመ እየ ኣሸኒፈ ዘለኹ።"
ጓል 11 ዓመት እንከላ ኣብ ዓዲ-ጉዶም (ክልል ትግራይ) ብሽክለታ ዝለመደት ጽገ ካሕሳይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ካብ ዝደምቃ ዘለዋ ተቐዳዳምቲ እያ። ኣብ ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ ክካየዱ ንዝጸንሑ ውድድራት ከኣ ብገፊሕ ዓብሊላቶ እያ።
ኣብቲ ንፈለማ ግዜኡ ኣብ መሬት ኣፍሪቃ - ርዋንዳ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም 2025 ኣብ ክሊ ትሕቲ 18 ዓመት፡ ሻውዓይቲ ብምውጻእ ጠመታኣ ዓለማዊ መድረኻት ምዃኑ ኣርእያ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኢትዮጵያ መሓሪ ዱሪ፡ ኣብዘን ክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ብሕልፊ ኣብ ደቀንስትዮ ጁንየር ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዘመዝገቡ ብምግላጽ፡ ጽገ ከምዚ ኢላ ክትደምቕ ትጽቢቶም ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብ ከዋኽብቲ ተቐዳደምቲ ከተማ መንደፈራ ዝነበረ መሓሪ ዱሪ፡ "ጽገ፡ ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ይዅን ካልእ ዓበይቲ ጸወታታት ክንርእያ ኢና ተስፋ ንገብር፡" ኢሉ።
"ኣብ ሰለስተ መዳያት እተድምዕ ተቐዳዳሚት እያ፤ ቅጽበታዊ ውድድር ተካይድ፡ ሓዃሪትን ሰሓቢትን እያ። ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ዓቢይ ደረጃ ክትበጽሕ እምነየላ።"
መካኒክ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኢትዮጵያ ዳኒኤል ገብረኣምላኽ፡ ጽገ ኣብዚ ደረጃ ንኽትበጽሕ ብዙሕ ከም ዝጸዓረትን ዝደኸመትን ሓቢሩ።
"ኣብ ውድድራት ውሽጢ ዓዲ ብእተርእዮ ህልኽን ሓቦን ዳርጋ ጠቕላላ ዓብሊላቶ እያ። ንዓኣ ዘድልያ ዝነበረ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ክትፍተን እዩ። ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ዘይተጸበዩዎ ውጽኢት እያ ኣመዝጊባ።"
ጽገ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም 2025፡ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ-ኣንስትዮ መበል ሻውዓይቲ ምውጻኣ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ውጽኢት ኣፍሪቃውያን ኣብ ርዋንዳ ካብ ዘመዝገቡዎ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት እዩ።
ዳኒኤል ቀጺሉ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮና ኣፍሪቃ ብውድድር ግዜን ጽርግያን ክልተ ወርቂ ብምውሳዳ፡ "ብኣኣ ንዀርዕ ኢና - ኵሉ ግዜ፣ እንቋዕ ናትና ኰንኪ ክብላ እየ ዝኽእል፡" ብምባል ሓበኑ ገሊጹላ።
ኣብዛ ካብ ወደብ ሞምባሳ ንደቡብ 30 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዲያኒ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ዝወከላ ኣርሴማ ዓንደጽዮን ሻድሸይቲ፡ ሮዚና ብርሃን ሻውዓይቲ፡ ሲዶና ሃብቶም መበል 15፡ ከምኡ'ውን ኣድያም ተስፉ መበል 18 ኰይነን ውድድረን ዛዚመን።
ዓሚ ኣብ ከተማ ኤልዶረት ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2024፡ ኣብ ውድድር ደቀንስትዮ ትሕቲ 18 ዓመት፡ ኤርትራ ብመንገዲ ናርዶስ ጸጋይን ኤልዳና በረኸትን ወርቅን ነሓስን ከም ዝተዓወተት ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውድድር ግዜ ኤርትራዊት ቤትኤል ኤፍረም ወርቂ ክትስለም እንከላ፡ ሎሚ ዓመት ቀዳመይቲ ዝወጽአት ጽገ ካሕሳይ ድማ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ንሓሰ መዳልያ ተሸሊማ።
ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮና ኣፍሪቃ ኣብ ክሊ ትሕቲ 18 ዓመት ንውድድር ጽርግያን ግዜን ኣብ ሓደ ዓመት ንኽልተኡ ዝተዓወትሉ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ጥራይ እዮም።
ኤርትራውያን ቢንያም ግርማያ ኣብ 2018 ኣብ ርዋንዳ፡ ከምኡ'ውን ኬቨን ተኽለማርያም ኣብ 2024 ኣብ ኬንያ፣ ሎሚ ዓመት ከኣ ኢትዮጵያዊት ጽገ ካሕሳይ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዝተኻይደ ውድድር 'ሚክስድ ሪለይ' ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ሃገራውያን ጋንታታት ሞሪሻየስ ርዋንዳ፡ ኣልጀርያን ተመራሪሐን ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሳልሳይ ተሰሪዐን።
ጽገ ዓሚ ካብ ኤልዶረት - ኬንያ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ሕልመይ፡ ከምቲ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀዳማይ ብምውጻእ ነቲ ክብሪ ዝበቐዐ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዝዀነ፡ ኣነ ከኣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተዓወተት ቀዳማይቲ ኣፍሪቃዊት ክኸውን'ዩ ሕልመይ፡" ኢላ ነይራ።
ሎሚ ናይ ሃገራ ዕማም ዛዚማ ዓለማዊ መድረኽ ኣብ እተቋምተሉ ዘላ እዋን "ሞዴለይ ቢንያም ግርማይ እዩ፡" ክትብል ደጊማ ዝገለጸት ጽገ፡ ምስ ኤርትራዊት ሞናሊዛ ኣርኣያ ኣብ ሓንቲ ኤውሮጳዊት ጋንታ ፈሪመን ከም ዘለዋ ኣበሲራ።

ንጽገ ዝፈጠረ ቅድድም ብሽክለታ ትግራይ
እታ ንሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኢትዮጵያ እትውክል ጋንታ፡ ብተጻወትቲ ይዅን ስታፍ ምስልጣን ብኣብዝሓ ብተጋሩ ዝተዓብለለት እያ።
ኣብ ኮምሽን ስፖርት ኣተሓባባሪ ቅድድም ብሽክለታ ትግራይ መምህር በሪሁ መስፍን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መቐለ ዓስኪረን ውድድረን ዘካይዳ ኣብ ቀዳማይ ድቪዥዮን 6 ጋንታታት ደቂ-ተባዕትዮን 3 ጋንታታት ደቂ-ኣንስትዮን ኣለዋ።
እተን ጋንታታት ደቂ-ኣንስትዮ፡ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪን፡ ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ ሰብዓ እንደርታን ዝበሃላ ኰይነን፡ ንተቐዳደምቲ ዘመናዊ ዕጥቂ እናቐረባ፡ ብቑዕ ስልጣና ንኽረኽባን ልዑል ወጻኢታት እናገበራን መንእሰያት የፍርያ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።
ንውድድራት ጽርግያን ግዜን ዝዀና ብቑዓት ብሽክለታታት ከም ዘዳልዋለን ዝገለጸ መምህር በሪሁ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ውድድር ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ (UCI) ዝሰርዖ ዓውደ-ኣዋርሕ ከም ዝኸይድ ገሊጹ።
ዙር ትግራይ፡ ካብ ሽራሮ ተበጊሱ ንብዙሓት ከተማታት ትግራይ ሓሊፉ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መኾኒ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ኣብ መቐለ ይዛዘም። ደቂ-ተባዕትዮ 866 ኪሎሜተር ክሽፍኑ ከለዉ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ 555 ኪሎሜተር ይሽፍና።
ውድድር ሻምፕዮና፡ ኣርባዕተ መድራኸት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብስም መወልቱ እናተጸውዐ ብስሩዕ ይካየድ።
ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድራት፡ ብመሰረት መምህር በሪሁ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ዓመት ክሳብ 14 ውድድራት ይካየድ። ብውልቂ ዝግበር ውድድር ንምትብባዕ፡ ብጋንታታት ዘይኰነ በብውልቂ ዝካየድ ብዙሕ ንሕንሕ ዝርኣዮ መሳጢ ጸወታ እዩ።
ኦሎምፒክ ሲስተም፡ ናይ ጽርግያን ግዜን ዘጠቓለለ ውድድር።
ጭራ-ቝረጽ (ኢሊሚኒሽን)፡ ፍጥነት ዘለዎ ጸወታ እዩ። ጕጅለ ዘይራ ክትምለስ እንከላ ብድሕሪት ዝተሰርዐ ተጻዋታይ ይእለ። እዚ ዓይነት ውድድር'ዚ ተዓዘብቲ ንነፍስወከፍ ዙር ከም ዘስተማቕሩዎ፡ ንተጻወትቲ ድማ ብፍጥነት ክሕምበቡ ዝገበር እዩ።
ክራይቶርየም፡ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝውዳእን ልዑል ፍጥነት ዝምዝገቦን፣ ከምኡ'ውን ነዊሕ ርሕቀት ኰይኑ ተጻዋርነት ዝሓትትን ኣዋሲቡ ዝካየድ እዩ።
ካልኦት ከም ሻምፕዮና ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ውድድራት'ውን ይስርዑ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, UCI
ቅድድም ብሽክለታ ትግራይ ካብዚ ዘለዎ ንኽዓቢ ይስርሓሉ ከም ዘሎ ዝገለጸ መምህር በሪሁ፡ ንዓወት ጽገ ካሕሳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ናይ ትግራይ ሓበን እያ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንኻልኦት ስፖርተኛታት ኣብነት ከም ዝዀነት ገሊጹ።
ዛጊት ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ውድድር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰለሰት ወርቂ፡ ሞሪሽየንስ ኢትዮጵያን ከክልተ ወርቂ፡ ኣልጀራያ ሓንቲ ወርቂ ክስለማ ከለዋ፡ ኤርትራ ከኣ ሰለስተ ብሩርን ሓንቲ ነሓስን ረኺባ ኣላ።
ተሪፉ ዘሎ ጸወታ፡ ውድድራት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ልዕሊን ትሕትን 23 ዓመት፣ ከምኡ'ውን ናይ ጁንየር ደቂ-ተባዕትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር እዩ።
ነዘን ተሪፈን ዘለዋ ሓሙሽተ ወርቂ መዳልያ መን'ዩ ክዕወተለን ኣብዚ ቀዳምን ሰንበትን እተን ማርማር ዝብል ጸሓይ ዘለወን ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ከተማታት ድያንን ክዋለን ክምስክራ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







