ምክትል መራሒ ሓማስ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሐትት

    • Author, ጀረሚ በውን
    • Role, ዓለምለኻዊ ኣሰናዳኢ

ካብ ቃዛ ወጻኢ እቲ ዝለዓለ መራሒ ሓማስ፡ እቲ ጉጅልኡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘበገሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት ዝዀነ ቅልውላው ‘ምኽኑይ’ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዓለም-ለኸ ኢዲተር ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን፡ ኣትሪሩ ዝሓተቶ ምክትል መራሒ ሓማስ ካሊል ኣል-ሃያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዕጡቓት ሓማስ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ምግባሮም ዝቐርብ መርትዖ’ውን ነጺጉ።

ኣብቲ ፍጻመ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሰላማውያን ዝኾኑ ኣስታት 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 250 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቃዛ ምውሳዶም ዝዝከር እዩ።

ሓማስ ብዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት መንግስታት ምዕራብን፡ ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተበየነ እዩ።

እቲ ቃለ መሕትት ኣብታ ዝበዝሕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ሓማስ ዝመደበሮም ዶሃ [ርእሰ ከተማ ቀጠር] እዩ ተኻይዱ።

ካሊል ኣል-ሃያ፡ እስራኤል ኣብ ወርሒ ሓምለ ነቲ ልዕሊኡ ዝነበረ እስማዒል ሃኒየ ድሕሪ ምቕንጻላ፡ ካብ ቃዛ ወጻኢ ዝለዓለ መራሒ ሓማስ ኮይኑ ኣሎ።

ኢራን፡ ድሕሪ እቲ ቃለ መሕትት ኣስታት ሓደ ሰዓት፡ ብባሊስቲክ ሚሳይላት ንእስራኤል ኣጥቂዓታ።

ጀረሚ ቦወን [ጀይ ቦ] ፡ ናብ ዝሓለፈ ዓመት 7 ጥቅምቲ ንመለስ - ሓማስ ስለምንታይ ንእስራኤል ኣጥቂዑ?

ከሊል ኣል-ሓያ [ካህ] ፡ ንዓለም ድምጽና ከነስምዕ ነይሩና፡ ዕላማን ጠለባትን ዘለና ህዝቢ ምዃንና ክንነግር ነይሩና። እቲ ፍፃመ ንእስራኤል-ንፀላእትና ንጽዮናውያን ጽፍዒት እዩ ነይሩ፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ድማ ጻውዒት እዩ ነይሩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝተረግፀ ህዝቢ ከምዘሎ ንዓለም ዝሕብር ነገር ክንገብር ነይሩና።

ጀይ ቢ፡ ስለምንታይ እዮም ኣባላትኩም ህጻናት ከይተረፉ ብዙሓት ሲቪላት ቀቲሎም?

ካህ፡ ተጋደልትና ብዕለት 7 ጥቅምቲ ንሲቪላት - ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዒላማ ከይገብሩ ኣዚዝናዮም።

እቲ ዕላማ ኣብ ቓዛ ቀተልቲ፣ ቦምባታት ዝድርብዩን ዘጥፍኡን ዝነበሩ ወተሃደራት ንምጭዋይ እዩ ነይሩ። ንሲቪላት ምጉዳእ ኣይንድግፍን ኢና።

ብርግጽ ኣብ ባይታ ውልቃዊ ጌጋታትን ዘይግቡእ ተግባራትን ነይሩ። እቶም ተጋደልቲ ከምኡ ዝገበሩ፡ ህይወቶም ንሓደጋ ዝተሳጠሐ ስለዝመሰሎም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጀይ ቢ፡ ኣባላትኩም ኣብ ሓደጋ ኣይነበሩን፡ ምስቶም ኣብ ባይታ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ብፍርሒ ዝረዓዱ ሲቪላት’ዮም ነይሮም፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ኣጽዋር ሒዞም ደው ኢሎም ነይሮም። እዚ’ኮ ውግእ ኣይኮነን።

ካህ፡ ተቓለስትና ከመይ ናብቶም ኣባይቲ ከም ዝኣተዉ ኩላትና ርኢና ኢና። ነቶም ስድራቤታት ኣዘራሪቦም፡ በሊዖምን ሰትዮምን።

ጀይ.ቢ.፡ ይቕሬታ፡ ይቕትልዎም እዮም ነይሮም... ቪድዮታት ኣለዉ።

ካህ፡ ናብ ገለ ገዛውቲ ምስ ኣተዉ፡ ካብተን ኣብኡ ዘዘራርብዎን ዝነበራ ኣንሽትን ቆልዑን ዋላ ሓንቲ ዝሰነንበደ ኣይነበረን። እዚ ትብሎ ዘለኻ ቪድዮታት በታ ዓማፂት እስራኤል እዩ ተሓቲሙ። ንሕና ከምኡ ኣይሓተምናን።

ጀይ ቢ፡ ናብቲ ድሕሪ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝዀነ ንስገር። ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ቓዛ ዑና ኮይና ኣላ፤ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ሃሊቖም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ሲቪል እዮም። ንእስራኤል ናይ ምቅላስ ዓቕምኹም ብሰፊሑ ተዳኺሙ ይርከብ- እንታይ ኢኹም ኣፍሪኹም? ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከጋጥም እዩ ኢልኩም ሓሲብኩም ዶ ነይርኩም?

ካህ፡ መን እዩ ነዚ ኹሉ ተሓታቲ? እቲ ጎባጥን ሰራዊቱን እዩ። ቓዛ መን ድዩ ኣጥፊእዋ? መን ድዩ ንህዝባ ዘጥፍእ ዘሎ? ሕጂ መን እዩ ኣብ መዕቆቢ፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ንፁሃት ዝቐትል ዘሎ?

ንዓለም ሕተታ፤ ከምኡ ድማ– ነቶም ዓለማዊ ሕጊ ዝፈጠሩ። ንሕና ንነፍስና ንከላኸል ኣለና። ካብቲ ጎባጢ ኣካል 1200 ሰባት እንተተቐቲሎም እስራኤል 50 ሽሕ ሰባት ክትቀትል ምኽንያት ይኸውን ድዩ? እዚ’ዶ ኣይኣክልን’ዩ ንዓኣቶም? ንሳቶም ብናይ ምቕታል፣ ምጉባጥን ናይ ምጥፋእ ድሌትን ዝተሸፈኑ እዮም።

ጀይ ቢ፡ እስራኤላውያን ሕጊ ኲናት ከም ዘኽብሩን ብዙሓት ሲቪላት ዝሞቱሉ ምኽንያት ድማ ንስኻን ሓማስን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተሓቢእኹም ስለ እትቃለሱን ከም ሰብኣዊ-ጉልባብ ስለ እትጥቀመሎምን ምዃኑ ይዛረቡ።

ካህ፡ እዚ ልክዕ ኣይኮነን። ዕጡቓት ዘይነበርሉ መሳጊድ ምስ ንብረተን ኣዕኒዎምነወን። ኣባይትን ገዘፍቲ ህንጻታትን ዓንዮም። ሓደ ተቓላሳይ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ቦምባታት ይድርብዩ ነይሮም። እቲ ትብሎ ዘለኻ ፕሮፖጋንዳ እሰራኤል’ዩ።

ጀይ.ቢ.፡ ብዛዕባ ጅሆ ዝተትሓዙ ዶ ክንዛረብ? ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊሱ ልዕሊ 250 ሰባት ጅሆ ምውሳድ ስለምንታይ ኣድለየ?

ካህ፡ ሓደ ካብ ዕላማታት 7 ጥቅምቲ፡ ንእሽቶ ጉጅለ ወተሃደራት እስራኤል ጨዊኻ፡ ብእሱራት ፍልስጤማውያን ንምልዋጥ እዩ ነይሩ። ክፍለ ሰራዊት ቓዛ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ፈረሰ ግን ብዙሕ ምሩኻት ሒዝና። ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊስካ ሲቪላት ንምሓዝ መደብ ኣይነበረን።

ጀይ ቢ፡ ገለ ካብተን ዝወጻ ደቂ ኣንስትዮ ግን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸመን እየን ዝኸሳ፤

ካህ፡ ትእዛዝን ስነ-ምግባርን ኩሎም ፍልስጤማውያን፡ ከምኡ’ውን ተቓለስቲ፡ ሰብኣዊ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እስላማዊ ሃይማኖትን ባህልን ሃገራዊ ስልጣነን ኢና ዓቢና። ጾታዊ ዓመጽ ወይ ካልእ ዓይነት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዝብል ዝተረጋገፀ ኣይኰነን።

ጀይ ቢ፡ ኣይፋልን፡ ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ኖቫ ዝነበራ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙና ዝብላ ነይረን። ብዕለት 7 ጥቅምት ድሒሩን፡ ፆታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ዝብል መርትዖታት ይእከብ እዩ ዘሎ።

ካህ፡ እቲ መምርሒና ንጹር እዩ ኢለካ ነይረ። ሓላፍነት ብዘይስምዖም ገለ ውልቀ-ሰባት ግን ጽዩፍ ተግባራት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እዚ ግን ክስታት ጥራይ እዩ ነይሩ።

ጀይ ቢ፡ ተኹሲ ደው ምባልከ? እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቅኑዕ ኩነታት፡ ‘ተኹሲ ደው ምባል' ከምእትገብር እያ ትገልፅ። ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ መዓስ ኢኹም ሓራ ክትሰዱዎም? እቲ ኲናትከ ብኸመይ እዩ ክውዳእ ትብል? ብዙሕ ዝተብሃለሉ ጉዳይ እመስለኒ።

ካህ፡ እቲ ሕቶ፡ ‘ናታንያሁ መዓስ እዩ እቲ ኲናት ደው ከብሎ?’ ዝብል እዩ ዝውስኖ። ዓለም መዓስ እያ፡ ነቲ ውግእ ደው ከብሎ ከተገድዶ? እቲ ኲናት ክቕጽል ዘይክቕፅልን እቲ ውሳነ ናይ ኔታንያሁን ጐባጢት እስራኤልን እዩ።

ጀይ.ቢ.፡ ንስኻ'ውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኢድካ ምሃብ ይከኣል እዩ።

ካህ፡ ከመይ ገይርና ኢድና ክንህብ ንኽእል? ጎበጣ ዝቃለሱ ሰባት ተስፋ ኣይቆርጹን’ዮም። ኢድና ክንህብ? እዚ ዘይከኣል እዩ፣ ደቅናን ህዝብናን ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም።

እቲ ጎባጢ ኣካል ምቕታል ጠጠው ከብል ኣለዎ። ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ብዕለት 2 ሓምለ ክብጻሕ ቀሪቡ ነይሩ። መን እዩ ሓድሽ ኩነታት ኣምጺኡ? ኔታንያሁ! ስለዚ ድማ እዩ ስምምዕ ከይተገብረ ፈሺሉ።

ጀይ ቢ፡ ኣብ ዓውደ-ውግእ ትሰዓሩ ኣለኹም፤ ቓዛ ናብ ዑና ተቐዪራ ኣላ፤ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሞይቶም፤ እስራኤል ድማ ንሊባኖስ ተጥቅዕ ኣላ፤ ሕጂ ድማ ሓይሊ ይስመዖም ኣሎ፤ ኣይትዕወቱን'ኮ ዘለኹም፡ ተጋግየ ድየ?

ካህ፡ ስድራይ፣ ደቀይ፣ ኣዝማደይን ጎረባብተይን ኣብ ቓዛ እዮም ዘለዉ። ቃንዛኦም ይስመዓና፤ ብቁስሎም ንበኪ፤ ጉድኣቶም ጉድኣትና እዩ።

ዓለም ሕጋዊ መሰላትና እንተተኽብረልና፡ እዚ ዓመጽ ደው ምበለ። እስራኤል ግን ከምኡ ኣይትደልን’ያ። እስራኤል ንኹሉ እቲ ዞባ ተጥፈኦ ከም እትደሊ ዓለም ክትርዳእ ኣለዎ።

ፍልስጤማውያን መሰል ሃገርነት፤ ምምላስ ስደተኛታትን፡ መሰል ርእሰ-ውሳነን እንተዘይረኺቦም፡ ክንደይ ሞትን ቅትለትን ተፈጺሙ ብዘየገድስ፤ እቲ ዞባ ኣይሃድእን እዩ።

ጀይ ቢ፡ ንዓኻ መንግስቲ እስራኤል ዝበሃል ኣብ መፃኢኻ ኣሎ ድዩ? ቻርተር ሓማስ 'ፅዮናዊ መንግስቲ' ክጠፍእ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ካህ፡ እስራኤል ንሓማስን ህዝቢ ፍልስጤምን ክተጥፍእ እያ ትደሊ ኢና ንብል ዘለና፤

እስራኤል ተመሊሳ፡ ሓማስን ህዝቢ ፍልስጤምን ከጥፍኡና ደልዮም ኢላ ትበኪ። እስራኤል ብዛዕባ ህዝቢ ፍልስጤም እንታይ ትህቅን ኢልና ንሕተት?

መሰልና ኣኽብሩልና፡ ምሉእ ልኡላዊት ሃገር ፍልስጤም ሃቡና፡ ኢና ንብል ዘለና።

ጀይ ቢ፡ እስራኤላውያን ነቲ ናይ ‘ክልተ ሃገራት ፍታሕ’ ዘይቅበልሉ ምኽንያት፡ ከማኻ ዝኣመሰሉ ሰባት መንግስቶምን ህዝቦምን ከይቐትሉ ስለዝፈርሑ ምዃኖም እዮም ዘመኽንዩ።

ካህ፡ ክሳብ ሕጂ እስራኤል ን'ሓንቲ ሃገር ፍታሕ' ዀነ ን 'ክልተ ሃገራት ፍታሕ' ኣፍልጦ ሂባ ኣይትፈልጥን። እስራኤል ንኹሉ እያ ትነጽጎ ፤ ዓላማዊ ውሳኔታት፣ ዓለማዊ ሕግን መሰላትን ንኹሉ እያ ትረግጽ።

ጀይ.ቢ.፡ ንነብስኻ ከም ግብረሽበራዊ ትሓስባ ዲኻ? እስራኤል ከምኡ ኢላ እያ ትብይነካ።

ካህ፡ ናጽነት ደልየ ንህዝበይ ይከላኸል ኣለኹ። ነታ ጐባጢት ኩላትና ኣሸበርቲ ኢና፤ መራሕቲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን። መራሕቲ እስራኤል እንታይ ከምዝበሉና ሰሚዕኩም ኢኹም- ‘እንስሳ ኢኹም’።