ኣእምሮ ኣብረርቲ ከንብባ ዝኽእላ ነፈርቲ ውግእ

ሰራዊት ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተጠቕመለን ‘ስፒትፋየር’ ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ብዙሕ ተዘሪቡለን ነይሩ።

ኣብረርቲ ስፒትፋየር፡ እታ ነፋሪት ልክዕ ከም ሓደ ክፋል ኣካላትና ኢና ንቈጻጸራ ብምባል፡ ምችእትን ቀላልን ከም ዝዀነት ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ 2030 ግን፡ ኣብረርቲ ምስ ዘንቀሳቕሱወን ነፈርቲ ውግእ ካብዚ ዝተፈለየ ዝምድና ክህልዎም እዩ።

እተን ኣብ መጻኢ እንርእየን ነፈርቲ ውግእ፡ መምርሒ ኣብረርተን ካብ ምቕባል ሓሊፉ ኣእምሮኦም ምንባብ ክጅምራ እየን ተባሂሉ ኣሎ።

እዘን ‘ቴምፐስት’ ዝብል ስያመ ዝተዋህበን ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ቢኤኢ ሲስተምስ፡ ሮልስ-ሮይስ፡ ኤምዲኢኤ ዝተባህሉ ኩባንያታት መፍረ ኣጽዋርን ሚሳይልን ምስ ኩባንያ ኢጣልያ ዝዀነ ሊዮናርዶ ብምትሕብባር ዝሰርሑወን እየን።

እዘን ዘመናውያን ነፈርቲ ሒዘናኦ ካብ ዝመጽኣ ኣማራጺታት እቲ ሓደ፡ ኣብረርቲ ስራሕ ክበዝሖም እንከሎ ወይ’ውን ኣብ ኣጨናቒ ኵነታት ክዀኑ እንከለው፡ ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል 'ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ' [ሰብሰርሖ ብልሒ] ክግጠመለን እዩ።

እቶም ኣብረርቲ ዝገብርዎ መከላኸሊ ርእሲ [ሀልመት] መልእኽታት ኣእምሮን ካልኦት ለውጥታትን እቲ ኣብራሪ ይከታተል።

ንኣብነት፡ እቲ ኣብራሪ ውነኡ እንተኣጥፊኡ፡ እቲ ሰብሰርሖ ብልሒ እታ ጀት ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ይርከብ።

ኣፍራዪ ቢኤኢ ሲስተምስ፡ እዘን ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ 2027 ናይ ፈተነ በረራ ከም ዝገብራ ገሊጹ።

ሽዑ፡ ብድሮናት ተዓጂበን ከም ዝበራን ክትትል ከም ዝግበረለንን’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ዳይረክተር ልምዓት ንግዲ ቴምፐስት ጆን ስቶከር፡ ንመጻኢ ነፈርቲ ውግእ ምፍራይ ምስቲ መዓልታዊ ዝቀያየር ዘሎ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ተወሃሂዱ ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ንመጻኢ፡ ኣብ ስርዓት እዘን ነፈርቲ ውግእ ምምሕያሽ [ኣፕግረይድ] ምግባር ከድሊ እንከሎ፡ ልክዕ ከም ሓደ መተግበሪ ብቐሊሉ ኣብ ተሌፎንካ ኣውሪድካ እትጽዕኖ ኣዝዩ ዝቐለለ ክኸውን እዩ ይብል።

ጃፓን፡ ምስዘን ነፈርቲ ውግእ ዝመሳሰላ ነፈርቲ ተፍሪ ኣላ፤ ኣብ ምምዕባል ፔምኦስት ምስ ኩባንያታት ብሪጣንያን ኢጣልያን ትተሓባበር።

ሚስቱቢሺ ዝተባህለ ኩባንያ ጃፓን፡ ሚስቱቢሺ ኤፍ-ኤክስ ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ንሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ይሃንጽ ኣሎ።

ከም ቦይንግ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ነፈርቲ፡ ሞተር ዘቕርብ ሮልስ-ሮይስ፡ ንነፈርቲ ቴምፐስት ዝኸውን ሞተር ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኩባንያ ጆን ዋርደን፡ “ንስርዓት እዘን ነፈርቲ ምሉእ ሓይሊ ክንህብ ንደሊ ኢና” ኢሉ።

ኤምቢዲኤ ዝተባህለ ኩባንያ መፍረ ኣጽዋራት ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነፈርቲ ዝግጠሙ ሚሳይላት የቕርብ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ንፕሮጀክት ቴምፐስት ክልተ ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ገይሩ ኣሎ። እዘን ነፈርቲ ምሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምእታወን ወጻኢታት መንግስቲ ብብዙሕ ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓያል ሰራዊት ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ‘ታይፉን’ ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ይጥቀማ።

እዘን ነፈርቲ ውግእ ኤየርባስ፡ ቢኤኢ ሲስተምስን ሊዮናርዶን ብሓባር ብምዃን ዝሰርሑወን ኰይነን፡ ብቐንዱ ሰራዊት ምክልኻል ሃገራት ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን ይጥቀሙለን ኣለው።

እዘን ነፈርቲ ውግእ ንኽስርሓ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ 12 ቢሊዮን ፓውንድ ወጻኢ ገይሩ ነይሩ።

ሕጂ መንግስቲ እታ ሃገር ካብዘን ነፈርቲ ውግእ 21 ቢልዮን ፓውንድ ከም ዝረኸበ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ እዘን ነፈርቲ ውግእ ን20 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ፈጢረን እየን።

ሕጂ ድማ፡ ኣብ 2040 ብሪጣንያን መሓዙታ ሃገራትን ኣዝዩ ብዝተሓላለኸ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስግኣት ድሕነት ስለ ዘጋጥመን፡ ነዚ ንምምካት ከም ቴምፐስት ዝበሉ ቴክኖሎጂታት የድልዩ’ዮም ክብል ቢኤኢ ሲስተምስ ይገልጽ።