እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን፡ እዋናዊ ምዕባለታት 10ይ መዓልቲ
ርእሰከተማ ካርቱም ሎሚ ንጉሆ ብተዛማዲ ሃዲኣ ከምዝወዓለት'ኳ እንተተገልጸ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁራጽ ኤልክትሪክን ዘይስሩዕ ኣገልግሎት ኢንተርነትን፡ ብዛዕባ'ቲ ተቐያያሪ እዋናዊ ኩነታት ምሉእ ስእሊ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።
እቲ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታት ጸጥታን ክካየድ ዝጸንሐ ረጽሚ ሎሚ 10ይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ።
ዛጊት ልዕሊ 400 ሰባት ኣብቲ ግጭት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ሓጺር ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ዝተኻየደ ሓያለ ፈተነታት ክሰምር ኣይክኣለን።
ገለ ካብቶም ሎሚ ሰኑይ ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት እዞም ዝስቡ'ዮም።
ስርሒታት ምውጻእ ዜጋታት ወጻኢ
ብዙሓት ሃገራት ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ካልኦት ዜጋታተንን ንምውጻእ ይጓየያ ኣለዋ።
ዛጊት 1,000 ዜጋታት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሱዳን ከምዝወጹ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት ጆሰፕ ቦረል ሓቢሩ።
እቲ ናይ ምውጻእ ስርሒታት ሕብረት ኣውሮጳ ብፈረንሳ ዝተመርሐ ምዃኑ'ውን ቦረል ኣተንቢሁ።
ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳን ብሪጣንያን'ውን ዲፕሎማሰኛታተን ካብ ካርቱም ኣውጺአን ኣለዋ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣማኢት ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ከምዘውጽአ ብምግላጽ፡ ንጥፈታቱ ብውሑድ ደረጃ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቱርኪ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ህንዲ፡ ፊሊፒንስ፡ ቻይናን ኪንዶኔዥያን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት'ውን ዜጋታተን ንምውጻእ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ 150 ዝኾኑ ዜጋታት ሃገራት ወሽመጥ፡ ግብጺ፡ ፓኪስታንን ካናዳን ካብ ፖርት ሱዳን ብምውጻእ ብወተሃደራዊት መርከብ ናብ ጂዳ ኣስጊራቶም።
እቶም ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ብመኪና ሕቡራት ሃገራት ናብ ፓርት ሱዳን ብምዃድ'ዮም ብነፈርትን መራኽብን ዝወጹ ዘለዉ።
ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብሰንኪ ዝወረዶ ዕንወት እኹል ኣገልግሎት በረራ ክህብ ብቑዕ ከምዘይኮነ ይንገር።
ክሳብ ሕጂ ዝወጹ ዜጋታት ወጻኢ፣
- ፈረንሳ ብሰለስተ በረራታት 196 ፈረንሳውያውያን ዝርከብዎም 491 ሰባት ናብ ጂቡቲ ኣግዒዛ
- ጀርመን 154 ጀርመናውያን ዝርከብዎም 335 ናብ ዮርዳኖስ ኣውጺኣ፡ 101 ካብኦም ድሮ በርሊን ኣትዮም ኣለዉብሓፈሻ ኣስታት 1,000 ዜጋታት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሱዳን ወጺኦም ኣለዉስጳኛ ዝሰደደታ ወተሃደራዊት ነፋሪት'ውን 30 ስጳኛውያን ዜጋታት ዝርከብዎም 100 ሰባት ናብ ጂቡቲ ኣሰጋጊራ
- ኣየርላንድ 50፡ ኦውስትርያ 25፡ ከምኡ'ውን ሃንጋሪ 24 ዜጋታተን ኣውጺአን ከምዘለዋ ተፈሊጡ'ሎ።
ፈረንሳ ኤምባሲኣ ትዓጹ
ፈረንሳ፡ በቲ መዕረፊ ዝሰኣነ ግጭት ብምስጋእ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጹ ተገዲዳ።
ጀርመን፡ ካናዳ፡ ስጳኛን ኢጣልያን ዲፕሎማሰኛታታን ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዛ ጀሚረን ኣለዋ።
ካልኦት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይዳለዋ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።
ካብ ሱዳን ዝወጹ ዘለዉ ስደተኛታት
ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ስደተኛታት ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንምህዳም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ።
ኣስታት 10,000 ስደተኛታት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝሰገሩ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ብዙሓት ካልኦት'ውን ብኣውቶቡሳት ኣንፈት ሰሜን ብምሓዝ ናብ ግብጺ የምርሑ ኣለዉ።
ካብ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ናይ ግጭት ቦታታትን ዝደሙ'ውን ናብ ዝሃድአ ክፋላት እታ ሃገር ይውሕዙ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።
ኣስታት 16 ሚልዮን ሱዳናውያን ኣቐዲሞም ብሰብኣዊ ደገፍ ዝናብሩ ዝነበሩ ምዃኖምን፡ ብሰንኪ'ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ቁጽሪ ተጸበይቲ ረዲኤት ብዕጽፍታት ክውስኽ ከምዝኽእልን ሚኒስተር ዓለምለኻዊ ልምዓት ብሪጣንያ ኣንድሪው ሚሸል ኣጠንቂቑ'ሎ።