ኢትዮጵያ፡ ብዕጡቓት ተጨውዩ ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝኸፈለ ሰብ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ሸዋ ከም ደገም፡ በኩዩ፡ ያያ ጉለሌ፡ ሂደቡ ኣቦቴ፡ ወረ ጃርሶን ደራን ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሎም ወረዳታት እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ድማ ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ።
እዚ ጉዳይ ኣብዘን ወረዳታት ብተደጋጋሚ ዝፍጸምን ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሐን እዩ።
ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ ኣቶ ደቻሳ፡ ብለይቲ ብዕጡቓት ካብ ገዛኡ ተወሲዱ ጅሆ ከም ዝተታሕዘ ይዛረብ።
ንዓሰርተ መዓልታት ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሓሉ ኵነታትን ብኸመይ ከም ዝደሓነን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣቶ ደቻሳ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱለን ወረዳታት ዝነብርን ኣብ ንግዲ ዝነጥፍን እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ገዛኢ ውድብ ይዅን ኣብ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከም ዘይሳተፍ’ዩ ዝገልጽ።
“ስርሐይ ሰሪሐ ስድራይ ዘመሓድር ሰብ እየ። ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም ገንዘብ ይሕተቱ ከም ዘለዉ ይሰምዕ ነይረ። ኣነ ግን ሰላማዊ ሰብ እየ። ዝዀነ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ስለዘይብለይ፡ ኣይትንክፉንን'ዮም ኢለ ስቕ ኢለ እነብር ነይረ" ይብል።
ኣብቲ ንሱ ዝነብረላ ከተማ ንብረት ዘጥረዩ ሰባት፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ስለዘስግኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲሞም’ዮም።
ኣቶ ደቻሳ ግን ብሰንኪ ናይ ስራሕ ኵነታቱ ኣብኡ ክጸንሕ መሪጹ።
እቶም ዕጡቓት ዝመጹላ ለይቲ
ኣቶ ደቻሳ ቅድሚ ኣዋርሕ’ዩ ተጨውዩ።
“ስራሕ ውዒለ እየ ገዛ ኣትየ። ምስ ስድራይ ዓጻጺና ኣብ ዝደቀስናሉ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኸመይ ናብቲ ሓጹር ከም ዝኣተዉ ኣይፈልጥን፤ መዓጾ ብሓይሊ ክኹሕኳሕ ጀሚሩ። ‘ትድለ ኣለኻ ክፈቶ’ ኢሎምኒ።"
ኣቶ ደቻሳ እቲ ብርሑቕ ክሰምዖ ዝጸንሐ ወረ ጅሆ ኣብ ኣፍደገ ገዛኡ ከም ዝበጽሐ ተረዲኡ።
“ዕጡቓት እዮም። ማዕጾ ምስ ተኸፍተ ናብቲ ገዛ ኣትዮም። ‘ተንስእ ንኺድ’ ኢሎም። እዚ ጉዳይ ስለ ዝፈልጦ፡ ጅሆ ይተሓዝ ከም ዘለኹ ተረዲኡኒ። ዋላ ሓንቲ ከይበልኩ ክስዕቦም ጀሚረ።”
ኣቶ ደቻሳ ጨወይቱ ብቑጽሪ ልዕሊ ዕስራ ምዃኖም ይዝክር። ናብቲ ገዛ ምስ ኣተዉ ብኡ ንብኡ ተሌፎኑ ከም ዝተቐበልዎ ይዛረብ።
ብለይቲ ብዘይፈልጦ መንገዲ ምስቶም ዕጡቓት እናተጓዕዙ ወጊሑ።
“እናተጓዓዝና ወጊሑ። ክሳዕ ሎሚ ኣበይ ከም ዝነበረ ኣይዝክሮን። ብጸጋመይን ብየማነይን ብመስርዕ ይጓዓዙ ነይሮም፣ ኣነ ኣብ ማእከሎም። ደኺመ ክብል ከለኹ ‘ኣዕርፍ’ ይብሉኒ። ካብዚ ወጻኢ ግን ምጓዓዝ ጥራይ እዩ ነይሩ።"
ድሕሪ ወጋሕታ ድማ ኣብቲ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ በጺሖም።
“እቶም ኣብኡ ኣብቲ በረኻ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ስራሕ ስለዝፈልጥዎ እንተረኣዩኻ’ውን ኣይግድሶምን። ሒዞም ክኸዱ እናረኣዩ፡ ስቕ ኢሎም ይሓልፉ ነይሮም” ይብል።
እቶም ዕጡቓት ዘዕቆቡሉላ ኣጕዶ ሓረስታይ
ኣቶ ደቻሳ ከም ዝብሎ፡ እቶም ዕጡቓት ብለይቲ ካብ ገዛኡ ኣውጺኦም ብድሕሪኡ ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ናብ መዕረፊኦም በጺሖም።
ኣብኡ ምስ በጽሑ ኣብ ሓደ ኣጕዶ ሓረስታይ ኣቐሚጦም ሓለዋ መዲቦምሉ።
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብምንታይ ምኽንያት ጅሆ ከም ዝተተሓዘ ክነግርዎ ክፍትን ጀሚሩ።
“’እንታይ’የ ኣጥፊአ’ ኢለ ሓቲተዮም። ‘ጥፍኣትካ እዚ’ዩ’ ኢሎም ብዝርዝር ነጊሮምኒ። እቲ ጥፍኣት ዝበልዎ ክሳብ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ይገርመኒ። ኣይፋልን፡ እዚ ጥፍኣተይ ኣይኰነን ኢልካ ብምምጓት ዝቕይሮ ነገር ስለዘየለ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምቕባል ጥራይ'ዩ።"
"ድሕሪ'ዚ ምስ ናተይ ጌጋ ዝመጣጠን ውሳነኦም፡ እዚ መጠን ገንዘብ ክትከፍል ኢኻ ኢሎምኒ" ይብል ኣቶ ደቻሳ።
"ረኺብካዮ ዘይትፈልጥ ብዙሕ ገንዘብ ይውስኑልካ፤ ዝተወሰነ ለሚንካ ክንክዩልካ ትሓትት። ብድሕሪኡ ንቤተሰብካ ንኽትድውል ተሌፎን ይህቡኻ። ንስድራኻ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ድለዩለይ ትብሎም።”
ብድሕሪ’ዚ እታ ስድራቤት ነቲ ገንዘብ ብልቓሕ ክትረክብ ላዕልን ታሕትን ከም ትብል ይዛረብ።
“እቲ ገንዘብ ብዙሕ’ዩ። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ኢደይ የብለይን። ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናሓተቱ ዝእክቡ ስድራቤት እዮም። ኣብቲ እዋን ዘጨነቐኒ ዝነበረ እቲ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ ክቕተሉኒ እዮም ዝብል እዩ ነይሩ።"
ኣቶ ደቻሳ ምስቶም ዕጡቓት ዘሕለፍወን 10 መዓልታት ጭንቀትን ሓሳብን ዝመልኣ ምንባረን ይዝክር።
“ካልእ ስክፍታ ድማ፡ ኣነ ኣብ ኢዶም ከለኹ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ተኹሲ እንተተጀሚሩ ክመውት እየ ዝብል’ዩ። ክመውት እየ እምበር ብህይወት ክወጽእ’የ ኢለ ንሓንቲ ካልኢት'ውን ሓሲበ ኣይፈልጥን።"
እቲ ዝተባህለ ገንዘብ ከይተኸፈለ መዓልቲ እናሓለፈን ምስ ከደ፡ እቲ ምፍርራሕን ናይ ሞት ፍርሕን እናሓየለ ከይዱ።
“ደውል ይብሉኒ። ብእዋኑ እንተዘይበጺሑልካ እቲ ጸገም ኣብ ልዕሌኻ’ዩ ኢሎም የፈራርሑ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ ምፍርራሕ እናገደደ ከይዱ” ክብል እቲ ዝነበረ ኵነታት ይገልጽ።
እቲ ገዛ፡ ገዛ ሓረስታይ ስለዝነበረ፡ ሓረስቶት መጺኦም የዕልልዎን "ኣይትሻቐል ክትወጽእ ኢኻ" ኢሎም የጸናንዕዎን ነይሮም።
እቲ ዝተሓተተ ገንዘብን ምቕራብን ጸገሙን
እቶም ዕጡቓት እቲ ገንዘብ ብጥረ ገንዘብ ክወሃቦም’ዮም ሓቲቶም። ኣቶ ደቻሳ ክኸፍሎ ዝተሓተተ ኣማኢት ኣሽሓት ተሰኪምካ ምኻድ ብድሆ ኰይኑ።
እቶም ዕጡቓት ዝሓተትዎ ገንዘብ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ብልቓሕ ምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ገንዘብ ናብቶም ጨወይቲ ምብፃሕ’ውን ብድሆ’ዩ።
ኣቶ ደቻሳ ከም ዝብሎ፡ እቶም ዕጡቓት ዝርከቡሉ ከባቢ ኣዝዩ ርሑቕ ስለዝዀነ ነዊሕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝሓትት’ዩ።
እቲ መንገዲ ንውሕስነት ሓደጋ ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሕ ሰብ’ውን ዘይፈልጦ ምዃኑ ካልእ ጸገም’ዩ።
“ሓደ ሰብ ጅሆ ተታሒዙ ክበሃል ከሎ፡ ምልሻታት መንግስቲ ነቲ ገንዘብ ዘብጽሕ ሰብ ይከታተልዎ እዮም። ንጸላኢ ዝውሰድ ገንዘብ ገንዘብ ተባሂሉ ይውረስ። እቲ ዘብጽሕ ሰብ’ውን ኣብ ቀይዲ ይኣቱ። ኣብ መንጎ’ዚ ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ዘሎ ዝዀነ ሰብ ክቕተል ይኽእል።"
ስለዚ ኣባል ስድርኡ ጅሆ ዝተተሓዘ ሰብ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ናብቶም ዕጡቓት ቅድሚ ምብጽሑ፡ እቲ መንገዲ ኣጽኒዑ፡ ብልዑል ምስጢራዊ ኣገባብ ናብቶም ዕጡቓት ብምብጻሕ’ዩ ሓራ ከውጽኦ ዝኽእል።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ ዝተወሰነሉ ግዜ እንተሓሊፉ፡ እቶም ዕጡቓት ነቲ ጅሆ ዝተተሓዘ ይቐትልዎ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ካልኦት ሰባት ዝተሓተትዎ ገንዘብ ኣብ ግዚኡ ምእንቲ ከምጽኡ ንምግባር ከም ዝዀነ ኣቶ ደቻሳ ይዛረብ።
ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ብቕልጡፍ እቲ ገንዘብ ንክበጽሕ ጸቕጢ ካብ ምግባር ሓሊፎም ከም ዘየንገላትዕዎ ይገልጽ።
እቶም ዕጡቓት ንገዛእ ርእሶም ሰራዊት ኦሮሞ ኢሎም ከም ዝጽውዑ ዝጠቅስ ኣቶ ደቻሳ "እዚ ካባኹም ንወስዶ ዘለና ገንዘብ ንቃልሲ ዝውዕል እዩ" ከም ዝበልዎ የረድእ።
“ሓድሓደ ግዜ ከም ዓርኮም ይርእዩኒ። ብዛዕባ ዕላምኦም ይነግሩኒ። ብዛዕባ ገንዘብ ከልዕሉ ከለዉ ግን ኣዝዮም’ዮም ዘፍርሑ።"
ኣቶ ደቻሳ ኣብተን ዝጸንሓለን ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ገዛውቲ ሓረስቶት ክጸንሕ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። ኣብተን መዓልታት ንሳተን ዝዀነ ቶኽሲ ከም ዘይሰምዐ’ውን ንቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ ኢድ ዕጡቓት ድሕሪ ምውጽኡ
ኣቶ ደቻሳ ስድርኡ ነቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ነቶም ዕጡቓት ምስ ሃቡ ኣብ መበል 10 መዓልቱ ተፈቲሑ።
"እቶም ዝጨወዩኒ ሰባት ‘ገንዘብ ተቐቢልና ኢና ሕጂ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ’ ምስ በሉኒ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ብህይወት ክወጽእ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ‘እቲ መንገዲ እንተዘይትፈልጦ ኰይንካ ሰብ ክንህበካ ኢና’ ኢሎም ድማ ሰብ መዲቦምለይ” ይብል።
ድሕሪ ምሉእ መዓልቲ ዝወሰደ ጉዕዞ ምስ ስድራኡ ከም ዝተራኸበ ይዛረብ።
“ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩስ ስድራይ ካባይ ንላዕሊ ተጨኒቖም ነይሮም። እቲ ገንዘብ ምርካብ ጥራሕ ዘይኰነስ እቶም ዕጡቓት ነቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ እንተቐተልዎኸ ዝብል ሓያል ስክፍታ ነይሩ። ኣብታ ናብ ገዛይ ዝተመልስኩላ መዓልቲ፡ ዳግማይ ከም ዝተወለድኩን ክነብር ዕድል ከም ዝተዋህበኒን ኰይኑ ተሰሚዑኒ።"
ሕጂ’ውን ካብ ጭንቀት ከም ዘይወጸ’ዩ ዝገልጽ።
"ኣብ መጀመርታ ሓጎሰይ ብህይወት ብምትራፈይ’ዩ ነይሩ። ሕጂ እቲ ዝተለቃሕክዎ ገንዘብ ካበይ ኣምጺአ ክኸፍሎ’የ ዝብል ልዑል ጭንቀት ፈጢሩለይ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብኡ ዘሕለፍክዎም ለይትታት ክሳዕ ሕጂ እናሰዓቡ የጨንቑኒ ኣለዉ። ኣዝዩ ዝርብሽ እዩ።”
እቶም ኣብ ወረዳታት ምዕራብ ሸዋ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንገዛእ ርእሶም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ’ኳ እንተዀኑ፡ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰራዊት ግን ዕጡቓቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ሕብረተሰብ ዝጎድእ ንጥፈታት ከም ዘይሳተፉ’ዮም ዝዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







