ወዲ ኦሳማ ቢን ላደን ናብ ፈረንሳ ከይኣቱ ንሓዋሩ ተኣጊዱ

ዑመር ቢን ላደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዑመር ቢን ላደን

ወዲ መራሒ ኣል-ቃዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢን ላደን ናብ ፈረንሳ ከይኣቱ ተኣጊዱ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሩኖ ረታልዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወዲ 43 ዓመት ዑመር ቢን ላደን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት “ንሽበራ ኣሞጒሱ” ክብል ከሲሱ።

ዑመር ቢንላደን፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ኖርማንዲ ክነብር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ መነባብሮኡ ድማ መልክዕ-ምድሪ ብምስኣል ኣብ ዝረኽቦ ኣታዊ ዝምስረት’ዩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ዝነበሮ መንበሪ ፍቓድ ምስራዙ ስዒቡ፡ ኣብ 2023 ካብ ፈረንሳ ወጺኡ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ምስ ዝኽሪ ሞት ኣቡኡ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ይገልጻ።

ዑመር፡ ምስ ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዋ ዛይና መሓመድ ኣል-ሳባ (ትውልደ ስማ ጄን ፌሊክስ-ብራውን) ብዝነበሮ ሓዳር ኣቢሉ መንበሪ ፍቓድ ከምዝረኸበ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሩኖ ረታልዮ ግን እቲ ሕጂ ዝወጸ ትእዛዝ፡ ዑመር "ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት" ናብ ፈረንሳ ተመሊሱ ከይኣቱ ንሓዋሩ ዝእግድ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ዑመር ካብታ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዝነብረላ ዝነበረ ፈረንሳ ምስ ተባረረ፡ ናብ ቐጠር ከምዝኸደ ይግለጽ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተወልደ ዑመር፡ መበል ራብዓይ ወዲ መራሒ ኣልቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ጅሃዳውያን ልምምድ ገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2000 ግን ካብ ወገን ኣቡኡ ወጺኡ፡ ምስ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ምትእስሳር ክህልዎ ከምዘይደሊ ብምግላጽ ካብ ወላዲኡ ተፈልዩ።

ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣቡኡ ዝተሓላለኸ ስምዒታት ኣሕዲሩ’ዩ። ኣብ 2009 ዝተሓትመ ተዘክሮኡ፡ ኣቡኡ ካብ ዓለምለኻውያን ትካላት ስለያ ክሃድም ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ክዓቢ ከምዝተገደደ ይገልጽ።

ብሰንኪ ኣብ መላእ ዓለም ዝፈጸሞም ዓመጻት ንኣቡኡ ዝኸሓደ ኰይኑ፡ ገለ ሰባት ግን ንተግባራት ኣቡኡ ይቕሬታ ከምዝገበረ ይኸሱ፤ ጽኑዕ ሃይማኖታውን ሞራላውን ሕጊ ዝኽተል "ሕያዋይ" ሰብ እዩ ክብሉ'ውን ይስምዑ።

ድሕሪ ሞት ኦሳማ ቢንላደን ኣብ 2011 ዑመር ቢንላደን፡ ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ፡ ኣቡኡ ብግቡእ ክቕበር ብዘይምፍቃዶም ዓለምለኻዊ ሕጊ "ጥሒሶም" ክብል ወቒሱ ነይሩ።

ፈተውቱ ግን ብሰሉስ ናብ ፈረንሳ ንኸይኣቱ ምእጋዱ ቀልጢፎም እዮም ዀኒኖም።

ኣሳእሉ ንምሻጥ ዝሕግዞ ፓስካል ማርቲን፡ ዑመር ኣኽራሪነቱ ፍጹም ከምዝሓደጎ’ዩ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

"እቲ ዝበሃል ዘሎ ምስ ዑመር ዘራኽቦ ነገር ከምዘየለ ክነግረኩም እኽእል እየ" ክብል ድማ ይምጉት።