ጄኤን.1 ዓይነት ኮቪድ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ሓደ ካብ ዓሌት ኦሚክሮን ዝበሃል ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ እዋን ይዝርጋሕ ከምዘሎን፡ ርኡይ ወሰኽ ብምግባር ከምዝተለለየን ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

እዚ ጄኤን.1 ዓይነት ኮቪድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ህንዲ፡ ቻይና፡ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከም ዝተረኽበ እውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ’ሎ

ኣብዚ እዋን ኣብ ሰባት ዝወረደ ሓደጋ መጠኑ ትሑት ምዃኑን መከላኸሊ ክታበታት ብእዋኑ ምሃብ ይቕጽል ከምዘሎን እቲ ውድብ ይሕብር።

እንተዀነ፡ ኣብዚ ወቕቲ ቀውዒ፡ ኮቪድ ይዅን ካልኦት ረኽሲታት ክለዓሉ ከምዝኽእሉ ወሲኹ የጠንቅቕ።

ሕማም ኮቪድ ዘስዕብ ቫይረስ ብቐጻሊ ባህሪያቱ ዝቕየር ኰይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ሓደስቲ ፍልይ ዝበሉ ባህሪያት የማዕብል እዩ።

ኦሚክሮን ንገለ እዋን ብደረጃ ዓለም ዓብላሊ ዓይነት ቫይረስ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምስ ኦሚክሮን ዝዛመዱ ጄኤን.1 ዝርከቦም ሓያለ ዓይነታት ኣለልዩ - ኣመና ኣሻቐልቲ ኣብ ዘይኰኑ ዝምደቡ’ኳ እንተዀኑ - ብዕቱብ ይከታተል ከምዘሎ ይገልጽ።

እዚ ይዅን ግን ጄኤን.1 ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለም ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ዓይነት ኰይኑ፡ ካብ 15-29 ሚእታዊት መልከፍቲ ድማ ተመዝጊቡ’ሎ።

ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝተመዝገቡ መልከፍቲ ኮቪድ እቲ 7 ሚእታዊት ጄኤን.1 ከም ዝዀነ ትካል ጥዕና ብሪጣንያ ይሕብር። ብዛዕባ እዚን ካልኦት ዓይነታትን ዝግበር ምክትታል ድማ ብዕቱብ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ከም ሰዓል፡ ቫይረስ ስርዓተ ምስትንፋስን ኒሞንያ ህጻናትን ዝኣመሰሉ ሕማማት እናወሰኹ ይመጽኡ ኣለዉ።

ዛሕሊን ለበዳን

ጄኤን.1 (JN.1) ኣብ ኵሉ ከባቢታት ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ኰይኑ፡ ምናልባት ምስቲ ንዕኡ ዝፈጠረ ‘BA.2.86’ ዓይነት ክነጻጸር እንከሎ ብቕልጡፍ ዝራባሕ ፕሮቲን ስለዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

“እዚ ፍልልይ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብዚ ናይ ዛሕሊ ወቕቲ ዘለዋ ሃገራት፡ ቫይረሳዊ ወይ ባክተርያውን ረኽሲታት ኣብ ዝውስኹሉ ዘለዉ እዋን፡ ወሰኽ ሕሙማት ሳርስ-ኮቭ-2 [ኮሮናቫይረስ] ከስዕብ ከምዝኽእል ይግመት” ይብል ኣሃዱ ገምጋም ሓደጋታት ውድብ ጥዕና ዓለም።

እንተዀነ፡ ጄኤን.1 ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ክታበት ንምክልኻል ማዕረ ክንደይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝሕብር መርትዖታት ዛጊት ድሩት ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ሰባት ካብቶም ዝሓለፉ ዓይነታት በዚ ዓይነት - ጄኤን.1 ዝያዳ ከም ዝሓመሙ ዝመልክት ጸብጻብ እውን የለን።

ብኮቪድ ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ሰባት ብዝምልከት ሃገራት ዘቕረባኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ኣሃዝ ኣመና ዝነከየ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ጥዕና ዘሎ ጽልዋ ንምፍላጥ ዝያዳ መጽናዕትታት ከምዘድሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

እቲ ውድብ፡ ረኽስን ከቢድ ሕማምን ንምክልኻል እዚ ዝስዕብ ይመክር፤

ሰባት ብጻዕቂ ኣብ ዘለዉሉን ዕጹውን ቦታታት ማስክ ምግባር

  • ክትስዕል ወይ ክትህንጥስ ከለኻ ምሽፋን
  • ኣእዳውካ ብቐጻሊ ምጽራይ
  • ብፍላይ ተነቀፊ ኵነታት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ኮቪድን ጉንፋዕን እዋናዊ ሓበሬታ ምክትታል
  • እንተሓሚምካ ኣብ ገዛኻ ምጽናሕ
  • ምልክታት እንተተራእዩካ ድማ ብእዋኑ መርመራ ምግባር