ኢትዮጵያ፡ መሰጋገሪ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ብውሑድ 36 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ህንጸት ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ዝተረብረበ ዕንጸይቲ ብምፍራሱ ብውሕዱ 36 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፡ ወረዳ መንጃር ሸንኮራ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣመንቲ ዓመታዊ በዓል ማርያም ንምጽንባል ኣብቲ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርእይሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓደጋ ብ21 መስከረም 2018 [ግ] ንጎሆ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ዛጊት 36 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 200 ሰባት ቈሲሎም ከም ዘለዉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ገበየሁ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"እቲ መሰጋገሪ 14 ዓመት ዘቝፀረ እዩ። ሰባት ክበጽሑ እንከለዉ ልዕሊ ዓቐን ስለ ዝተሸከመ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ፡" ኢሉ።

እቶም ኣመንቲ ነቲ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዑደት ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን ከም ዝፈረሰ ዝገለጹ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ እቶም ግዳያት ናብ ዝተፈላለዩ ማእከላት ሕክምና ከም ዝተወስዱ ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ገበየሁ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቁፅሪ ግዳያት ካብዚ ንላዕሊ ክዛይድ ከም ዝኽእል ጠቒሱ።

ሓላፊ ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ከተማ ኣረርቲ ኣቶ ኣጥናፉ ኣባተ፡ ንሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቲ ፍርስራስ ዘይወጹ ዜጋታት ከም ዘለዉን ንምውጽኦም ይስራሕ ከም ዘሎን ተዛሪቡ።

ኢንስፔክተር ኣሕመድ ገበየሁ ብወገኑ፡ እቶም ዝወደቑ ሰባት ካብቲ ፍርስራስ ዕንጸይቲ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ብምግላጽ፡ "ብውሑ ድ ሰለስተ ሰዓታት ዝኣክል ወሲዱልና። ምስ ኣባላት ሰራዊት ብምውህሃድ ኢና ሰሪሕና፡" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ናይ ጕልበት ሸቃሎ፣ መምህራንን ፈለስትን ካብቶም ዝሞቱ ከም ዝርከቡዎም ሓቢሩ።

ወኪል ሓላፊ ሆስፒታል ኣረርቲ ኣቶ ስዩም ኣልታየ፡ ናብ ሆስፒታል ኣረርቲ ዝኣተዉ ግዳያት ይሕከሙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብቶም ብኸቢድ ዝተጐድኡ ሰባት እቶም ሓሙሽተ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተላእኩ ተዛሪቡ።

ሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን፡ ንሓለፍቲ ፀጥታ እቲ ከባቢ ጠቒሱ፡ 55 ሰባት ካብ ማእኸላይ ክሳብ ከቢድ መጕዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ፀብፂቡ።

ኣቶ ገብረወልድ ተስፋይ ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ፡ "እቲ ዕንጸይቲ ክፈርስ እንከሎ ዝነበረ ኣውያት ኣዝዩ የፍርሕ ነይሩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ህዝቢ፡ ሰንቢዱን ተረቢሹን እኳ እንተነበረ፡ ብሓገዝ ሓይልታት ጸጥታ፡ ምእመናንን ሰራሕተኛታት ቤተክርስትያንን፡ እቲ ዝፈረሰ ዕንጸይቲ ቀልጢፉ እዩ ተኣልዩ፡"።

ኣቶ ገብረወልድ፡ እቶም ዝተጐድኡ ናብ ሆስፒታል ንምውሳድ ጻዕሪ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

"ህዝባዊ ዘተን ባዛርን ስለ ዝነበረ እዩ ብዙሕ ህዝቢ ናብታ ቤተክርስትያን ከይዱ ነይሩ፡" ዝበለ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ኣብቲ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ መሰጋገሪ፡ ብዝሒ ሰባት ምንባሮም ጠንቂ እቲ ሓደጋ ምዃኑ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ ዛጊድ ቁጽሪ ዝሞቱ 36 ከም ዝበጽሐ፣ ብተወሳኺ ቁጽሪ ናይቶም ብኸቢድ ዝተጎድኡ ሰባት ኣስታት 55 ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።

እቲ ዝወደቐ ዕንፀይቲ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ምስ ተኣልየ፡ ስርዓተ ቅዳሴ ከም ዝቐፀለን፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ መወትቲ ሎሚ ከም ዝፍጸም ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብሞት መቝሰልትን ብዙሓት ሰባት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፤

"ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም፤ ነቶም ሕክምና ዝግበረሎም ድማ ብቕልጡፍ ክሓውዩ ንምነየሎም"።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዝሞቱ ዕድሚኦም ካብ 25 ክሳብ 80 ዓመት ዝበጽሑ እዮም ኢሉ።