ስድራቤታት እተራኽብ ጋዜጠኛ፡ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ወላዲኣ ኣብ ፌስቡክ ዓርካ ኰይኑ ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Tamuna Museridze
ታሙና ሙሰሪድዘ ጋዜጠኛ ኰይና ስርሓ ኣማኢት ስድራቤታት ዳግማይ ኣራኺቡ ኣሎ።
እንተዀነ ናይ ባዕላ፡ ምስጢር መበቆላ ክትፈትሖ ስለ ዘይከኣለት፡ ንሳ’ውን "ቈልዓ ከለኹ ተሰሪቐ ዶ ይኸውን?" ዝብል ከቢድ ሕቶ ድቃስ ክኸልኣ ጀሚሩ።
ነዚ ዅሉ ጥርጣረታት ዝፈጠረላ፡ ሓደ ዘይእመን ዝበለቶ 'ዕለት ልደታ' ዝገልጽ ወረቐት ምስክር ኣብ ገዛኣ ምስ ረኸበት እዩ።
"ኣብቲ ዛንታ ጋዜጠኛ ኰይነ እየ ዝሰርሕ ነይረ፡ እንተዀነ ናይ ባዕለይ ዛዕባ ኰይኑ ረኺበዮ" ትብል።
እቲ ዛንታኣ ንሓዋሩ ዝቐየረ፡ ብመንገዲ ሓደ ጕጅለ ፌስቡክ ኣቢሉ ዝመፅአ መልእኽቲ ግን፡ ናብ ኣለሻ ወላዲኣ ኣእትዩዋ።

ካብ ሓደ ኣብ ገጠራት ጆርጅያ ዝነብር ሰብ’ዩ እቲ መልእኽቲ በጺሑዋ።
ኣብ መስከረም 1984 ጥንሲ ሓቢኣ ኣብ ትቢሊሲ ዝወለደት ሰበይቲ ከም ዝፈልጡ ይገልጽ።
እዚ ድማ ኣብ ከባቢ’ቲ ታሙና ዝተወልደትሉ እዋን ኰይኑ፡ ብቅሉዕ ኣብ ፌስቡክ ዝገለጸቶ ዕለት’ዩ።
እቲ ሰብ፡ እታ ሰበይቲ ኣደ ታሙና ምዃና ኣሚኑ እዩ ነቲ ምሉእ ሓበሬታ ኣካፊሉ።
ታሙና ብኡ ንብኡ ብኢንተርነት ኣሊሻታ፤ ግን ዝኾነ ኣፋፍኖት ኣይረኸበትን።
ኰይኑ ድማ፡ ኣብ ፌስቡክ ዝፈልጣ ሰብ እንተሃልዩ ዝሓትት ጻውዒት ክትዝርግሕ ወሲና።
ሓንቲ ሰበይቲ ነዊሕ ከይጸንሐት መልሲ ሂባ፡ እታ ነቲ ጥንሲ ዝሓብአት ሰበይቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓፍታ ምዃና ገሊጻ።
ንሳ ንታሙና ነቲ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ክትኣልዮ ሓቲታቶ፤ ንሳ ግን መርመራ ዲኤንኤ ክትገብር ተሰማሚዓ።
ውጽኢት እናተጸበዩ ከለዉ፤ ታሙና ተሌፎን ናብ ኣደኣ ደወለት።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ውጽኢት ዲኤንኤ መጺኡ፡ ታሙናን እታ ኣብ ፌስቡክ እትርከብ ሰበይትን ብሓቂ ደቂ ክልተ ኣሓት ምዃነን የመልክት።
ታሙና ነዚ መርትዖ ሒዛ፡ ንኣደኣ ነቲ ሓቂ ክትነግራን ስም ኣቦኣ ክትገልጸላን ከተእምና ክኢላ።
ኣቦኣ፡ጉርገን ኮራቫ ዝበሃል ሰብ እዩ ነይሩ።
“እተን ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ ዘሰንብዳ እየን ነይረን፡ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ልዕለይ ይኸውን ከምዘሎ እጥርጥር ነይረ” ክትብል ትዝክር።
“ከምዝረኸብክዎም፡ ክኣምን ኣይከኣልኩን።”

ኣቦኣ ኣብ ፌስቡክ ዓርካ እዩ ነይሩ
ታሙና ምሉእ ስም ጉርገን ምስ ረኸበት፡ ቀልጢፋ ኣብ ፌስቡክ ኣለሸቶ።
ንሱ፡ ነቲ ዛንታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክከታተሎ እዩ ጸኒሑ፤ ስድራቤታት ዳግማይ ናይ ምትእስሳር ስራሕ እታ ጋዜጠኛ ኣብ መላእ ጆርጅያ ብሰፊሑ እዩ ዝፍለጥ።
ታሙና፡ ንሱ ኣብ ዝርዝር ኣዕሩኽታ ንሰለስተ ዓመት ከምዝጸንሓ ተገሪማ።
እንተዀነ፡ እቲ ዛንታ፡ ኣካል ታሪኹ ምዃኑ ኣይተረድኦን ነይሩ።
“እታ ዝወለደትኒ ኣደይ ከም ዝጠነሰት’ውን ኣይፈልጥን’ዩ ነይሩ፤ ንዕኡ ዓቢ ግርምቢጥ እዩ ነይሩ።"
ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ካብቲ ንሳ እትነብረሉ ቦታ-ትቢሊሲ ኣስታት 160 ማይልስ (260 ኪ.ሜ) ርሒቑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ጆርጅያ እትርከብ ዓዱ ዙግዲዲ ክራኸቡ ተቛጺሮም።
ታሙና ንድሕሪት ተመሊሳ ክትሓስቦ እንከላ፡ ኣብ ስንባደ እያ ኣትያ ነይራ።
ናብ ኣፍደገ ጀርዲን ጉርገን ክትኣቱ ከላ ግን ብዘገርም መንገዲ ህድኣት ፈጢሩላ።
እቲ ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ ኣቦኣ ተሓቛቚፎም፡ ድሕሪኡ ፍሽኽ ኢሎም፡ ነንሕድሕዶም ተጠማሚቶም።
"ዝገርም እዩ ነይሩ፤ ኣብታ ናባይ ዝጠመተላ ህሞት፡ ጓሉ ምዃነይ ፈሊጡ፤ ብዙሕ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ነይሩኒ።”

ምንጪ ስእሊ, Tamuna Museridze
ብዙሕ ሕቶታት ስለ ዝነበራ ካበይ ከም እትጅምር ኣይፈለጠትን።
"በቃ ብሓባር ኮፍ ኢልና፡ ንሓድሕድና እናተረኣኣና፡ ዘመሳስሉና ነገራት ክንረክብ ንፍትን ነይርና" ትብል።
ክልቲኦም እናዕለሉ ከለዉ፡ ሓደ ዘመሳሰል ነገር ረኺቦም።
ጉርገን ኣብ ሓደ እዋን ኣብታ ግዝኣቱ ፍሉጥ ሳዕሳዒ እዩ ነይሩ፤ ደቂ ታሙና - ደቂ ደቁ፡ ከምኡ ሳዕስዒት ከምዝፈትዋ ምስ ፈለጠ ዕዙዝ ሓጐስ ፈጢሩሉ።
“ክልቲእን ደቀይ ሳዕስዒት ይፈትዋ እየን፡ በዓል ቤተይ እውን ከምኡ” ኢላ ፍሽኽ እናበለት።
ጉርገን ንመላእ ስድራኡ ናብ ገዛኡ ዓዲሙ ምስ ታሙና ኣፋሊጥዎም።
ሓደስቲ ኣዝማድ፡ ማለት'ውን ኣሕዋት፡ ደቂ ሓወቦ፡ ኣኮታትን ኣሞታትን ኣላልይዋ።
እቶም ስድራቤት ኣብ መንጐኦም ሓያል ምምሳል ከምዘሎ ተሰማሚዖም።
“ካብ ኵሎም ደቁ ኣነ'የ ዝያዳ ንኣቦይ ዝመስል።”
እታ ታሪኻዊት ምሸት፡ ዛንታት እናውግዑ፡ ባህላዊ መግቢ ጆርጅያ እናበልዑን እናደርፉን ኣሕሊፎም፤ ጉርገን ድማ ኣኮርድዮን ይሃርም ነይሩ።
ተሰሪቓ ድያ?
ታሙና፡ ሕጂ ምስ ኣቦኣ እንተተራኸበት'ኳ፡ ገና ገለ ሕቶታት ነይርዋ።
ንሳ - ከም ካልኦት ኣሽሓት ካልኦት ጆርጅያውያን - ኣብ እዋን ልደታ ካብ ኣደኣ ተሰሪቓ ድያ ተሸይጣ? እቶም ዘዕበይዋ ወለዳ ብህይወት ስለ ዘይነበሩ መልሲ ንምርካብ ክትሓቶም ኣይከኣለትን ነይራ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ጥቅምቲ ንወላዲታ ክትሓትት ዕድል ረኺባ። ሓደ ፖላንዳዊ ኩባንያ ቲቪ ብዛዕባ ታሙና ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ይቐድሕ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኣደኣ ብኣካል ክትራኸብ ወሰዳ፡ ንሳ ድማ ብውልቂ ክትዛረባ ተሰማሚዓ።
ታሙና ከም ብዙሓት ሰባት ንኽራኸቡ ዝሓገዘቶም ሰባት፡ ንባዕላ ዝተሰርቀት ቈልዓ ከም ዘይነበረት ተረዲኣ።
የግዳስ ኣደኣ ባዕላ ንመዕበይት ኣሕሊፋ ሂባ ነቲ ምስጢር ን40 ዓመት ዓቂባቶ ነይራ።
ኣደኣን ኣቦኣን ኣብ ሓዳር ስለዘይነበሩ ንሓጺር እዋን ጥራይ እዮም ተራኺቦም።
ኣደኣ - ብሕፍረት ተዋሒጣ፡ ነቲ ጥንሳ ክትሓብእ መሪጻ።

ምንጪ ስእሊ, Tamuna Museridze
ኣብ መስከረም 1984 ናብ ትቢሊሲ ተጓዒዛ፡ መጥባሕቲ ክትገብር ከም እትኸይድ ንሰባት ብምንጋር፡ ጓል ተገላጊላ።
“ቅድሚ ናብ መዕበይቲ ምስዳደይ፡ ን10 መዓልታት ጥራይ ምስኣ ምጽነሐይ ክሓስብ እንከለኹ ኣዝዩ እዩ ዘሕምመኒ። ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እዚ ከይሓስብ እጽዕር፡” ትብል ታሙና።
ኣደኣ ክትሕሱን ከም ዝተሰርቀት ንሰባት ክትነግርን ከም ዝሓተተታ ትዛረብ።
“ተሰሪቐ እየ፡ እንተዘይኢለ፡ ኣብ መንጐና ዘሎ ኵሉ ነገር ከምዘብቅዕ ነጊራትኒ፣ ከምኡ ክገብር ከም ዘይክእል ድማ ገሊጸላ።"
ታሙና፡ ከምኡ ምግበር፡ ንዅሎም እቶም ደቆም ዝተሰርቁዎም ወለዲ ፍትሓዊ ዘይኰነ ኰይኑ ተሰሚዑዋ።
"ኣነ እንተ ሓስየ፡ ድሕሪ ደጊም ነተን ኣደታት ዝኣምነን ሰብ የለን" ትብል።
ብድሕሪኡ ኣደኣ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ሓቲታታ ካብ ሽዑ ጀሚረን ተዘራሪበን ኣይፈልጣን።
"እዚ ኵሉ ደጊመ ምገበርኩዎ ዶ?" ታሙና ተስትንትን።
" እወ! ብዛዕባ ሓድሽ ስድራይ ብዙሕ ፈሊጠ ኣለኹ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







