ናታንያሁ መደረ ከስምዕ ናብ መደረኽ ኣብ ዝደየበሉ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ልዕሊ'ተን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃባ ምዕራባውያን ሃገራት መጥቃዕቲ ፈንዩ።

ነቲ ስጕምቲ "ምልክት ሕፍረት፡" ኢሉ ብምጽዋዕ፡ "ንኣይሁድ ምቕታል ዋጋ የኽፍል እዩ፡" ክብል ተሓንዩ።

ናታንያሁ ናብ መድረኽ ኣብ ዝድይበሉ ዝነበረ እዋን፡ ዓሰርተታት ሰበስልጣናትን ዲፕሎማሰኛታትን ብድድ ብድድ ብምባል ካብቲ ኣደራሽ ብምውጽኦም ሓያሎ መናብር ጥርሑ ተሪፉ።

ኣብ ደገ ድማ ንዂናት እስራኤል ኣንጻር ቓዛ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ታይምስ ስኴር ተኣኪቦም ነይሮም።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ሓያል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ኣስዒቡላ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ኣውስትራልያን ካልኦት ሃገራትን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ብምሃበን ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ።

ናታንያሁ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንስለ ኢራን ክብሉ ናይ ውክልና ውግእ ዘካይዱ ዝበሎም ጕጅለታት ዘርኢ ካርታ ኣቕሪቡ።

ነቲ ካርታ ድማ "እቲ መርገም" ኢሉ እዩ ዝጽውዖ።

ቀጺሉ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ - ሊባኖስ፡ ሑቲ - የመን፡ ሓማስ - ኣብ ቓዛን ኢራንን ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣብሪሁ።

ኣመሪካ ኣብ ሰነ ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን - ፎርዶ - ብዘካየደቶ ደብዳብ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመስጊኑ።

እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምስቲ ብ11 መስከረም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምምስሳል መደረኡ ቀጺሉ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ዝብል መደምደምታ መርማሪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ብምንጻግ፡ እቲ ክሲ፡ "መሰረት ኣልቦ፡" እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ እስራኤል ናብ ቓዛ ዝኣቱ መጠን ሓገዝ ደይ-መደይ ኢላ ትድርቶ ኣላ ዝብል ብሓያሎ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንዝወጽአ መግለጺ ነጺጉዎ።

ኣብ ነሓሰ፡ ሓደ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ትካል፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ዓጸቦ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ቤትጽሕፈት ናታንያሁ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር መደረ ቅድሚ ምስምዑ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ዘረባኡ ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት ከም ዝስማዕ ንምግባር፡ ኣብ ጥቓ ሓጹር ቓዛ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን መጕልሒ ድምጺ ክስቀል ኣዚዙ።

ብተወሳኺ፡ ስለያ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰባት ንሞባይላቶም ብምስርሳር መደረኡ ብቐጥታ ከም ዘመሓለለፈ ገሊጹ።

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ምንጪታት ቢቢሲ ግን ናብ ተለፎናቶም መልእኽቲ ከም ዘይመጽኦም ሓቢሮም።

ናታንያሁ፡ ዕላማ ናይቲ ስጕምቲ፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን መልእኽቲ ንምብጻሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ፖድዮም ኰይኑ፡ "ኣቱም ምዑታት ጀጋኑና፡" ክብል ኣንበበ፣ "ቀዳማይ ምኒስተር ናታንያሁ እየ ካብ ሕቡራት ሃገራት ብቐጥታ ዝዛረበኩም ዘለኹ። ንሕና ንሓንቲ ካልኢት እኳ ኣይረሳዕናኩምን። መላእ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ጐድንኹም እዩ። ኣይንደናገርን ኢና - ንዅላትኩም ናብ ቤትኩም ክሳዕ ዘይመለስና ድማ ኣይንዓርፍን ኢና።"

ኣብ ቓዛ 48 ጅሆታት ከም ዝርከቡን 20 ካብኣቶም ብህይወት ከም ዘየለዉን ይግመት።

ዳሕረዋይ ክፋል መደረኡ ናብ ጐረባብቲ እስራኤል ዘቕንዐ ኰይኑ፡ መንግስቲ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ዕጥቁ ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከሐይሎ ተላብዩ።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ያየር ላፒድ ንእለቱ ንመደረ ናታንያሁ ነቒፉ። "ዝደኸመን ዝጭድርን፣ ከምኡ'ውን ብዙሕ ምትላል ዘለዎ መደረ" ቀዳማይ ምኒስተር ከም ዝርኣየ ገሊጹ።

ናታንያሁ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝወርድ ዘሎ ብርቱዕ ውሕጅ ዝኣሊ፡ ንዅነታት እስራኤል ከም ዘጋደዶ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ናታንያሁ መደረ ምስ ወድአ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ቓዛ ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝቐረበ ከም ዝመስል ሓቢሩ።

ተወሳኺ ዝርርዝ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ስምምዕ ምቍራጽ ክግበር ከም ዝኽእል ብዙሓት ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ 2023 ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣህጉራውያን ጋዜጠኛታት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዉ ስለ ዝኸልከለ፡ ብኽልተኦም ወገናት ዝቐርብ ክሲ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።

ገለ ጋዜጠኛታት ግን ብሰራዊት እስራኤል ተሰንዮም ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝርከብ ቦታ ክበጽሑ ክኢሎም እዮም።

ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ጀሚሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ብውሕዱ 65,549 ሰባት ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።