'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ኣብ ደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውሰድ እትኽእል ስራሕ'ያ።

ሰመረ ሰሎሞን ኣብ 2024'ውን "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዝተጠልመ መብጽዓን" እትብል መጽሓፍ (ብእንግሊዘኛን ትግርኛን) ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሑ ምስ ምንባሩ፡ እዚኣ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣተኵሮን ግን ከኣ ካብታ ዝቐደመት ብዛዕባን ቀንዲ ቴማታትን ዝተሳገረት መጽሓፍ'ያ።

ንፖለቲካን ምሕደራን ኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጽኡ መጽሓፍቲን ዝደጋገሙ ዛዕባታትን ኣተኵሮኦም ኣብቲ ንኤርትራ ካብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ዝዓንቀፈ ምስግጋር ኣተኲሮም'ዮም ዝትንትኑ።

ሓዳስ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን ግን ካብዚ ዛዕባ'ዚ ወጺኣ ነቲ ዘይተርፍ ፖለቲካዊ ስግግር ኤርትራ ከመይ ክኸውን ከም ዝደልዮን ካብቲ ክውገዱ ዘለዎም ተመኵሮታትን ትንታነ ተቐርብ።

ደራሲ፡ ኣቐዲሙ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ካብታ ሃገር ምስ ወጽአ ድማ ካብ 1998 ኣትሒዙ ኣብ በበይኑ ዓለማዊ ትካላት ልምዓትን ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ብንጥፈት ዝተዋስአ ብምዃኑ፡ ኣብቶም ዘልዓሎም ኣርእስታት ናይ ቀረባ ተሳታፍነትን ዓሚቝ ውልቃዊ ተመኵሮን ዘለዎ'ዩ።

ብ"እዋናዊ ኵነታት ኤርትራ" ጀሚራ "ራእይ ሓዳስ ኤርትራ" ዝዛዘመት፡ 15 ምዕራፋት ዝሓቘፈት መጽሓፍ፡ ኣብ ጽላታት ቍጠባ፡ ባህሊ፡ ንግዲ፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ፖሊስታት ዝምድናታት ወጻኢ ወዘተ ዳህሲሳ'ላ።

ኣብዚ ጽላታት'ዚ፡ ክትግበሩ ዝኽእሉ ዛዕባታት ምስ ግብራዊ ተመኵሮ ካልኦት ሃገራትን ክውንነት ኤርትራን ድሕሪ ምዝርዛር፡ ድሕሪ ለውጢ ክህልዉ ብዛዕባ ዝኽእሉ ብድሆታት ከም ጉዳይ ተሓታትነት፡ ሃገራዊ ዕርቂን መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒን ብእኡ ኣቢልካ'ውን ናብ ሕወይት ሃገር ምስግጋርን ሰፊሕ ትንታነ ኣቕሪባ ኣላ።

ልዕሊ 500 ገጻት ዝሸፈነት፡ ብተነባቢ ቋንቋን ቅርጡው ኣጸሓሓፋን ዝተነድፈት መጽሓፍ፡ ተመኵሮን ኣፍልጦን ደራሲ ዝንጸባራቐላ ስራሕ'ያ።

እቲ ቀንዲ ውሁብ ጸጋ ኤርትራ፡ ዓቕሚ ሰባን ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣን ምዃኑ ዝምጕት ደራሲ፡ ኣተኵሮ ልምዓታን መጻኢ ፖሊሲታታን ኣብ ዓቕሚ-ሰባን ስኒት ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ገይራ ዝያዳ ክትሰርሕ ይእምም።

ነቶም ዛጊት ተኸሲሮም ዝብሎም ዕድላትን ጸጋታትን ሃገር ብምዝርዛር፡ ኤርትራ ካብቲ "ወሪዳቶ" ዝብሎ ኵሉ-መዳያዊ ለጠቕታ ክትናገፈሉ እትኽእል ሓሳባት ብሰፊሑ ኣካፊሉ ኣሎ።

ኣብ ከም ብዓል ሶርያ - ድሕሪ ዓመታት ሕሱም ምልኪ - ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ደግስታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከም ብዓል ግብጺ ዝተራእየ ነዊሕ ዝሰረተ ወተሃደራዊ ስርዓታት ከምኡ'ውን ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ምጭዋይ ሰውራን ኢድ ኣእታውነት ጐረባብቲ ሃገራትን ወዘተ.፡ ድሕሪ ለውጢ ክህሉ ንዝኽእል ሕማቕ ደግሲ'ውን ደራሲ እኹል ሸፈነ ሂቡዎ ኣሎ።

ሰመረ ሰሎሞን፡ ተመኵሮ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ዝምድናታትን (ብማዕዶ ዘይኰነስ ካብ ውሽጢ) ብልጫታቱን ሃጓፋቱን ካብ ውሽጢ ንኽርኢ ዕድል ሂቡዎስ ኣብዛ መጽሓፍ'ውን ብግቡእ ዘንጸባረቖ ይመስል።

ደራሲ ኣብቶም ድሕሪ ለውጢ ብተደጋጋሚ ዝኽሰቱ ተራእዮታት ካብ ካልኦት ዛዕባታት ንላዕሊ ጥልቕ ኢሉ ተነቲኑዎም ኣሎ።

ብሕልፊ ኣብ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒን ሃገራዊ ዕርቂን፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸስረ ተመኵሮ ብምትንታን፡ ኣብ ዝደሓረ ለውጢ'ውን ተመሳሳሊ ተመኵሮ ከይርአ ዘእምን ምጕት የቕርብ።

መቕድም ዝጸሓፈ ኤርትራዊ ተመራማሪ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ፡ ከም ጅር ነዚ መጽሓፍ "ማኒፈስቶ" ክምድቦ እንከሎ፡ ባህሪ እቲ ጽሑፋዊ ጅር ንህጹጽነት እዋን ኣመልኪቶም ዝጸሓፉ ምዃኖም ኣስፊሩ'ሎ።

ኣስዒቡ ፕሮፈሰር ግርማይ፡ "ካልእ መለለይኦም ድማ፡ ነቶም ሽግራት ኣብ ምግላጽን ምምትንታንን ጥራይ ከይተሓጽሩ፡ ንህጹጽነት ጒዳያት ብምጒላሕ፡ ኣንባቢ መርገጺ ክሕዝን ስጕምቲ ክወስድን ዘተባብዑን ዝደፋፍኡን ምዃኖም እዩ፡" ይብል።

ኣብ መንጎ ክልስ-ሓሳባዊ ምጕትን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዝህሉ ፖለቲካዊ ለውጢ ክውንነትን ጋግ ክህሉዎ ዘይተርፍ'ዩ።

እንተዀነ እዛ መጽሓፍ፡ ካብቲ ብተደጋጋሚ ክሳብ ዝስንብር ክጸሓፍን ክዝረብን ዝጸንሐ ቴማታት ውጽእ ኢላ፡ ነቲ ክጋጥም ዝኽእል ተርእዮታት ብሰፊሑ ብምቕራባ ኣብዚ እዋን ዕዙዝ ቦታ የውህባ።

መጽሓፍ "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር፡" ከምታ ዝቐደመት ስርሓት ደራሲ ብውልቂ ዝተሓትመትን ትዝርጋሕ ዘላን'ያ።

ብኤርትራውያን ኣሕተመቲ ኣብ ስደት ኣብ ዝሰሰኑሉ ህሞት፡ ደራሲ ነዚ መገዲ'ዚ ምምራጹ ክብደት እቲ መጽሓፍ ከጕድሎ፡ ብእኡ መጠን'ውን ተበጻሕነትን ደረጃ ዝርጋሐን ክድርቶ ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

ምስ መጠን ተመኵሮ ደራሲ እዚ መገዲ'ዚ ምምራጹ'ውን ነቲ ኣብቲ ስራሕ ዝፈሰሰ ጻዕሪ ዝሻሞ ምዃኑ ይግምገም።