ኣብታ ኣብ ግሪኽ ዝጠሓለት ጃልባ ደሃይ ኣስታት 500 ስደተኛታት ጠፊኡ፡ ሕቡራት ሃገራት

ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ ዘጋጠመን ብውሑዱ ህይወት 78 ሰባት ዝቐዘፈን ምጥሓል ጃልባ ስዒቡ፡ ክሳብ 500 ዝኾኑ ሰባት ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ጄረሚ ሎረን፡ ካብ መንጐ እቶም ደሃዮም ዝተስኣኑ፡ ህፃናትን ደቂኣንስትዮን ከም ዝርከብዎም ገሊፁ።

እዚ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ዘስዓቦ መቕዘፍቲ ህይወት፡ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ንፍርዲ ምቕራብ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ዓብይ ትኹረት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ዘርእይ እዩ ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ሃለዋት እቶም ዝጠፍኡ ስደተኛታት ምርካብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባር ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደትን ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለፂ፡ ስርሒት እቲ ኣለሻ፡ ሞት ንምትራፍ ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ኣብታ ካብ ግብፂ ጥርሓ ተበጊሳ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ፅዒና ናብ ጣልያን ዝተበገሰት ጃልባ፡ ልዕሊ 750 ሰባት ከም ዝነበሩ ይግለፅ።

ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪኽ ዮኣኒስ ሳርማስ: ጠንቂ ምጥሓል እታ ጃልባ ንምፍላጥ “ዓሚቕ ምርመራ” ከም ዘድልይ ተዛሪቡ።

ሰብመዚ ግሪኽ፡ እታ ስደተኛታት ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ፡ ብረቡዕ ሰዓት 8፡00 ናይ ለይቲ ከም ዝጠሓለትን ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ገመድ ከም ዝኣሰሩላን ንዝሕብሩ ፀብፃባት ነፂገሞም።

ውፃእ መዓት ካብ መንጐ ዝኾኑ 104 ስደተኛታት እቶም ክልተ፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቐን ስድተኛታት ፅዒና ከም ዝነበረትን፡ ኣብ ህሞት እቲ ሓደጋ ብዙሕ ግዘ ከም ዝተገልበጠትን ተዛሪቦም።

እቶም መሰኻኽር፡ ኣብ ፈለማ፡ ሓለውቲ እቲ ገማግም ባሕሪ፡ ነታ ጃልባ ብርሕቐት ይከታተልዋ ከም ዝነበሩ’ውን ገሊፆም።

ግሪኽ ዝመደበራ ጋዜጣ ካትሜሪ፡ እቶም ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ፡ ነታ ጃልባ ብገመድ ብምእሳር ኩነታት እቶም ስደተኛታት ከም ዝፈተሹን፡ እቶም ስደተኛታት ነቲ ገመድ ፈቲሖም ናብ ጣልያን ጉዕዞ ምጅማሮምን ንሓደ ምንጪ ብምፅራሕ ፀብፂባ።

እዚ ፍፃመ፡ እታ ጃልባ ቅድሚ ምጥሓላ ቅድሚ ሰለስተ ሰዓታት ኣቢሉ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ከም ዝነበረ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ግሪኽ ኢሊያስ ሲያካንታሪስ፡ ሓለዋ እቲ ገማግም ባሕሪ፡ እቶም ስደተኛታት ሓገዝ ዝደልዩ ምዃኖም ቀሪቦም ንምሕታት’ዮም ኣብታ ጃልባ ገመድ ከም ኣሲሮም ኢሉ።

ይኹን’ምበር፡ ነታ ጃልባ ጎቲትካ ንምግልባጥ ገመድ ኣይኣሰሩን ክብል ተዛሪቡ።

“እቶም ስደተኛታት ሓገዝ ኣይንደልን። ናብ ጣልያን ክንከይድ ኢና ኢሎም” መገዶም ቀፂሎም ክብል፡ እቲ ወሃቢ ወሲኹ ቃል ሓቢሩ።

ግሪኽ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤሽያን ኣፍሪቃን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰጋገሩላ ቀንዲ መስመር እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ግሪኽ ነቶም ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሓይሊ ከም ዝሰጐጎም ዝገልፅ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ነቐፌታ ከም ዝወረዶ ይፍለጥ።