ስኑዕ ስእሊ ብኸመይ ካብ ሓቐኛ ስእሊ ንፈልዮ?

ኣብዚ ቕነ ዕላዊ ስእሊ ልእልቲ ዌልስ ተሰኒዑ ተባሂሉ ኣርእስተ ዜና መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስእሊ ናይ ብሓቂ ተሰኒዑ ድዩ? ስእሊ’ኸ ይስናዕ ድዩ? ብኸመይ’ከ እዩ ዝስናዕ? ስለምንታይ’ከ ይስናዕ? ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓደ ስእሊ ተተናኺፉ፡ ተሰኒዑ ወይ ተቐይሩ፣ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ኣፋፍኖት ክህቡና ዝኽእሉ ነጥብታት ክንነግረኩም፡፡

አብዚ ስእልታት ብዲጂታላዊ መንገዲ ብቐሊሉ ምቕያር ዝከኣለሉ ከምኡ እውን ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ካብ ባዶ ተበጊስካ ስእሊ እትፈጥረሉ እዋን፡ ዓይንኻ ዝረኣዮ ምእማን ከቢድ ይኸውን ኣሎ፡፡

ስእሊታት ንምቕያር ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መንገዲታት ኣዝዮም ብምርቓቖም፡ ኣዐርዮም ሓቂ ዝመስሉ ስኑዓት ስእልታት (hyper-realistic fake) ናብ ዝፈርዩሉ እዋን በጺሕና ኣለና፡፡

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስኑዓት ስእልታትን ሓበሬታታትን ኣብ ከም መረጻ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ጒዳያት፡ ኣብ ርእይቶ ህዝቢ ጸቕጢ ክፈጥሩን ኩነታት ክቕይሩን ይኽእሉ፡፡

መራኸቢ ብዙሃን፡ ስእሊ ልእልቲ ዌልስን ደቃን ተተናኺፉ ክኸውን ይኽአል’ዩ ብዝብል ነቲ ኣብ መርበባት ሓበሬታኦም ዝለጠፉዎ ሓበሬታ ስለዝኣለዩዎ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣዘራረቢ ኰይኑ ኣሎ።

እታ ልእልቲ ‘‘ልክዕ ከም ካልኦት ተልመዴን ፎቶግራፈራት ሓሓሊፈ ምእራም ምስሊ (ኢዲቲንግ) ይፍትን እየ’’ ብምባል ነቲ ስእሊ ብምልዋጣ ይቕረታ ሓቲታ፡፡

ኮይኑ ግና ሓደ ስእሊ ተቐዪሩ ወይ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተፈጠረ ምዃኑ ንምፍላጥ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣሎ’ዶ?

ነጸብራቓትን ጽላሎትን ምልላይ

ኣብ ሓደ ስእሊ ዘይንቡር ብርሃን እንተልዩ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ስእሊ ተቐዪሩ እንተኾይኑ ይእንፍተልና። ኣብ አዒንቲ እቶም ሰባት ዘሎ ብርሃን ገምግምዎ፤ ንኣብነት ምንጪ ብርሃን ኣብ አዒንቲ እቶም ተስኣልቲ ይንጸባረቕ እዩ፡፡ እቲ መጠንን ሕብርን ምስቲ ከባቢ ዘይመሳሰል እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ ኣብ አዒንቶም ፍልልይ እንተልይዎ፡ ነቲ ስእሊ ክትጥርጥሩዎ ትኽእሉ፡፡ ግኡዝ ነገራት ኣብ ነጸብራቕ ገጻት ዝህልዎ ዓይነት ምስሊ እውን ኣንፈት ናይ ምስናዕ ክህብ ይኽእል እዩ።

ዋላኳ ፎቶታት ብብዙሓት ምንጪታት ብርሃን ክሰኣሉ ዝከኣል እንተኾነ፡ ሓደ ስእሊ ካብ ብዙሓት ተቐናጢቡ ዝተለገበ እንተኾይኑ ግና ናይ ነገራት ጽላሎት ዘይክመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብርሃን ኣብ ገጽ ናይቲ ዝሰኣል ዝፈጥሮ ጸልዋ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ንኣብነት ጸሓይ ብድሕሪኦም እንተልያ ኣእዛኖም ቅይሕ ኢሉ ክረአ ይኽእል፡፡

ሰብ ሰርሖ ብልሒ እውን ዘይተመዓራረየ ብርሃንን ጽላሎትን ክህብ ይኽእል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ቅመራኡ እናተመሓየሸ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ስእሊታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ ካብ ናይ ሰብ ገጽ ንላዕሊ ሓቀኛ መሲሉ ይረአ።

ኣእዳውን ኣእዛንን

ኣመሳሲልካ ንምስራሕ ዘጸግሙ ኣካላት ምስትውዓል ካልእ መገዲ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ሰብሰርሖ ብልሒ ኣእዳውን ኣእዛንን ኣብ ምስኣል ይጽገም ኣሎ። ቅርጾም፤ ዓቐኖምን ዋላ ብዝሖም ይጋገ እዩ። እዞም ኣካላት ዋላ ንሓቀኛ ሰኣልቲ እውን ዘጸግሙ እዮም፡፡ ኮይኑ ግና ካልኦት ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰርሑ ክፍሊ ኣካላት ካብቲ ሓቀኛ ስእልታት ክፍለዩ እንተዘይኪኢሎም ክንጠራጠር ንኽእል ኢና።

ኣብ ስእሊ ዘይልሙድ ወይ ተፈጥኣዊ ዘይመስል ኣቀማምጣ መሓውር ወይ ክዳን ኣስተብህሉ፡፡ ገለ ክፋሉ ካብ ካልእ ተቖሪጹ ዝተወሰደ ወይ ድማ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተተናኸፈ እንተኾይኑ ከምእተሰነዐ ከተለልዮ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡፡ ይኹን እምበር ንሓንሳብ እቲ ሰለስተ ዝመኣዝኑ ስእሊ ናብ ክልተ መኣዝን እንተተቐይሩ ነገራት ዝተቐየሩ ክመስሉ ክገብር ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

ንመረዳእታ ናይቲ ስእሊ ምምርማር

ኣብ ዲጂታላዊ ምስሊታት ዘለዉ ሓበሬታ (ሜታዳታ) ዘለዉ መረዳእታታት ኣረጋግጹ፡፡ ዲጂታል ካሜራ ፎቶ ኣብ ዝስእለሉ እዋን፡ መዓዝ ተሳኢሉ ዝኣመሰሉ መረዳእታታት ይምዝግብ እዩ፡፡ ንኣብነት ፕረዚደንት ትራምፕ ሕማም ኮቪድ ከምዝሓዞ ኣብ ዝገለጸሉ ጽባሕ ኣብቲ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ እናሰርሐ ዶ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ካብ ዲጂታላዊ ቅዳሓት ምርግጋጽ ይከኣል እዩ፡፡

ዝርብሽ ብርሃን

ሕድሕዳዊ ሰንሰርዲ ጂታላዊ ካሜራ ናይ ባዕሉ መለለዩ ክፈጥር እንከሎ ዘጋጥሙ ጉድለታት እንተርእዩ እቲ ስእሊ ከምዝተተናኸፈ ከመልክት ይኽእል

መረጋገጺ መሳርሒታት

ከም ጉግል ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ሰባት ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝፈረዩ ምስሊታት ንምፍላይ ክሕግዞም፡ ምስሊ መረጋገጽቲ መሳርሒታት ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ገይሮም እዮም፡፡

ፌስቡክን ኢንስታግራምን እውን ብናይ ሜታ መስርሓት ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ዝፈረዩ ምስልታት ምልክት ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ፤ ብካልኦት ትካላት ዝፈረዪ ተመሳሰልቲ ስእልታት ንምፍላይ እውን ተሊሞም ኣለዉ።