ትግራይ፡ ኣዘራራቢ ኰይኑ ዝቐነየ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ወዲ 16 ዓመት ኰይኑ ናብ ቃልሲ ካብ ዝፅምበር ጀሚሩ፡ ካብ ተራ ኣጋር ተዋጋኣይ ክሳብ ምክትል ኣዛዚ ግንባር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝበፅሐ ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ተኣሲሩ ነይሩ።
ብሰኑይ 02 ለካቲት 2026 [ኣ.ኤ] ድማ ብዋሕስ ተፈቲሑ ኣሎ።
ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ናብ ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐረበ'ኳ እንተተገልፀ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጀነራል ብፍላይ ካብ ኣባላት ስድራኡን ፈተውቱን ቅሬታት ክስማዕ ቀንዩ እዩ።
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ህወሓት ስዒቡ፡ 'ልዕሊ-ኰር' ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ደጊፎም ውሳነ ምሕላፎም ይዝከር።
ብ/ጀነራል ጉዕሽ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቍርቁስ ህወሓት ኢድና ኣይነእቱን ብምባል፡ ተቓውሞ ኣስሚዖም።
እቶም ዝተፈለየ መርገፂ ዝሓዙ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ዝፀንሑ ዀይኖም፡ ገሊኦም ድማ ብረታዊ ቃልሲ ኣልዒሎም ይርከቡ።
ጀነራል ጉዕሽ ገብረ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ካብ ኣዛዝነት ኣርሚ 15 ደስኪሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ኣብቲ ሕዚ ዝቐረበሉ መባእታዊ ክሲ፡ ብቐንዱ "ምስ ዕጡቓት ርክብ ትገብር ኢኻ" ዝብል ጥርጣረ እዩ።
ጉዳይ እቲ ጀነራል፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዀነ ኣብ ህዝቢ ኣዘራረቢ ዛዕባ ዀይኑ ቀፂሉ ኣሎ፤ ንምዃኑ ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ መን እዩ?
'ሰገን ኰይኑ እዩ በረኻ ወፂኡ'

ምንጪ ስእሊ, Family
ኣብ ዞባ ማእኸል ዝተወልደ ጉዕሽ፡ ገና ወዲ 14 ዓመት ኰይኑ በረኻ ከምዝወፅአን 'ሰገን' ኰይኑ ከምዝፀንሐን፡ ምስ ሓደ ናይ ዩቲብ ቻናል ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ይዛረብ።
ኣብ 1976 ዓ.ም ብዕሊ ናብ ቃልሲ ካብ ዝፅምበር ጀሚሩ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝፍጠር፡ ዕድመኡ ኣብ ቃልስን ውትህድርናን ዘሕለፈ እዩ።
እቲ ብዛዕባ ነብሱ ብዙሕ ዘይዛረብ ጀነራል፡ ኣብቲ 17 ዓመታት ዝወሰደ ኣንፃር ደርጊ ዝተገብረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይዅን፡ ኣብቲ ናይ ቀረባ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ግንባር ኰይኑ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላቱ ድማ ዝተፈላለየ መውጋእቲ ወሪድዎ እዩ።
ንሱ፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ቀረባ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ምስ መጕዳእቱ ዀይኑ፡ ቈሲሉ ከይሓወየ፡ የዋግእ ከምዝነበረ መቕርብ ብፆቱ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊሎም።
ክልተ ዓበይቲ ስርሒታት
ንሱ፡ ኣብ ብዙሓት ስርሒታትን ወፍርታትን ከምዝተሳተፈ ህይወት ታሪኹ ዘመልክት ኰይኑ፡ 'ክልተ ዓበይቲ ስርሒታት ግን ካብ ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ፈሊኻ ኣይረአዩን' ይብሉ።
ኲናት ትግራይ፡ ቅድሚ ምጅማሩ ከባቢ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ናብ ትግራይ መፂኡ።
"እቲ ኲናት ከምዘይተርፍ እፈልጥ ነይረ እየ" ዝብል ብ/ጀነራል ጉዕሽ፡ ኣብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ተሰሊፉ ውግእ ከምዝመርሐን፤ ብሰሜን ምዕራብ ትግራይ እናተደፍኡ ከምዝነበሩን ይዛረብ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀዳማይ ዙር እቲ ኲናት ዓብላልነት ረኺቦም፡ ንከተማ መቐለ ተቘፃፂሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ዝለዓለ ወነን ዝሐሸ ዓቕሚ ሰራዊትን ዝነበሮ ንሱ ከምዝዀነ ሓደ ብፃዩ ይዝክር።
መራሕቲ ትግራይ'ውን ኣብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም [ግ] ብሓንሳብ ኣብ ቆላ ተምቤን [ከባቢ ተከዘ] ኣብ ክባ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ክፍለ ሰራዊቱ ፈንቅል፡ ሓራ ከምዘውፅእዎም እቲ ብፃዩ ይዛረብ።
ኣብቲ ባዕሉ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ሽዑ እቶም መራሕቲ ሓራ እንተዘይወፅኡ፡ ብዙሕ ሰብ ሞራሉ ምተተንከፈ ነይሩ፤ እዚኣ ምስተዓወትና፡ ዋላ ዘይትካእ መሪሕነት እንተሰኣንና፡ 'በቃ ግድን ክንዕወት ኢና' ዝብል ሞራል ሂቡና፤ እቲ ቃልሲ ደው ኣይምበለን ግን ንድሕሪት ምተመለስ፡ ምተናወሐ ነይሩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Family
"ዘይረግፅናዮ ዞባ ዀነ ወረዳ የለን" ዝብል ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ፡ ንገሊኦም ካብቶም መራሕቲ 'ናትካ ብላዕ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንኻልእ ክ/ሰራዊት ከም ዘረከብዎም ይዛረብ።
እቲ ቀፂሉ ዝተኻየደ ዓብዪ ወፍሪ 'ወፍሪ ኣሉላ' ዀይኑ፡ ኣንፈት እቲ ኲናት ዝቐየረ ተባሂሉ ዝእመነሉ ውግእ'ውን፡ ናይ ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ግደ ሰፊሕ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር።
"ወፍሪ ኣሉላ፡ ድሕነት ትግራይ እያ ነይራ፡ ከምኡ እንተዘይከውን ዘይሩ ዘይሩ እቲ ታሪኽ ካልእ ምዀነ ነይሩ" ይብል ባዕሉ።
ካብኡ ንደሓር፡ ሓይልታት ትግራይ ብኣርሚ ምስ ተወደባ፡ መስከረም 2014 ዓ.ም ኣዛዚ ኣርሚ 15 ኰይኑ ከም ዝተመዘዘ መረዳእታት ይሕብሩ።
እቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሰፍሐሉ እዋን፡ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት፡ ከም መራሒ ተራኡ ዕዙዝ ምንባሩ ይዝንተወሉ።
ኣብ ሳልሳይን መወዳእታን ዙር እቲ ደማዊ ኲናት፡ "ብካላሽን ኣፍንጭኡ ተወቒዑ፡ ኣዛዚ ኣርሚ ዀይኑ፡ ኣብ ናይ ካላሽን መስመር ኰይኑ እዩ ዘዋግእ ነይሩ፤ 'ንሕና ከይሞትና ፀላኢ ዓዲግራት ኣይረግፃን' ዝብል ጭርሖ ሒዙ እዩ ተዋጊኡ" ይብል እቲ ብፃዩ።
እዚ ኣብ መወዳእታ ከባቢ፡ ዘተ ሰላም ፕሪቶርያ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኰይኑ፡ ከም ቃሉ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ክሳብ ዝፍረም፡ ዓዲ ግራት ኣይተረግፀትን።
ምቍፅፃር ቤተ-መንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስቲ ዘሎ ኵነታት፡ እቲ ስሙ ከይንፀርሖ ዝመረፀ ብፃዩ፡ ንጉዕሽ ካብ ተራ ተጋዳላይ ጀሚሩ እዩ ዝፈልጦ።
ብፍላይ ኣብቲ ፅንኩር ኵነታት፡ ኣብ ጉና ኣንፃር ደርጊ ዝተኻየደ ከቢድ ውግእ ሓዊሱ፡ ኣብ ከባብታት ደብረታቦርን ደሴን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት መረሒ ቦጦሎኒ ዀይኑ ከምዘዋግአ ይዝክር።
ካብቶም ቀዲሞም ናብ ኣዲስ አበባ ዝኣተዉ ተጋደልቲ ሓደ ኾይኑ፡ ንሱ ዝመርሓ ሬጅመንት ንቤተ-መንግስቲ ኢትዮጵያን ንቤት-ፅሕፈት ኢሰፓን ከምዝተቘፃፀረ ድማ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።
"1983 ዓ.ም፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝተገብረ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ፡ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ዀይኑ እዩ መሪሑ ኣትዩ። ብእንግሊዝ ኤምባሲ ገይሩ፡ ቤተ-መንግስቲ፡ ዝተቘፃፀረ፡ ናህቱ ቦጦሎኒ/ሬጅመንት እዩ" ይብል እቲ ብፃዩ።
ኢህወደግ ኣብ 1983 ዓ.ም ንስርዓት ደርጊ ኣፍሪሱ ስልጣን ካብ ዝቈፃፀር ንደሓር ፡ ጉዕሽ ኣዛዚ ነቲ ቤተ-መንግስቲ ዝሕሉ ዝነበረ፡ "ኮማንዶ ቤተ-መንግስቲ" ኰይኑ ቀፂሉ።
ኣብ 1987 ዓ.ም ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ብሓድሽ ክቐውም እንከሎ ድማ፡ ንመበል 20 ክ/ሰራዊት፡ 'መድፈኛ' ብርጌድ ኣዛዚ ኾይኑ ተመዚዙ፣ መዓርግ 'ሻለቃ' ተዋሂቡዎ።

ምንጪ ስእሊ, Family
ኣብ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ
ኣብ እዋን ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ጉዕሽ ካብቶም ቀዲሞም ናብ ባድመ/ሸራሮ ዝበፅሑ ኣዘዝቲ ሓደ ዀይኑ፡ ድሕሪ ገለ ምትዕርራያት፡ ኣብ ከባቢ ፆረና ዝነበረት 21 ክ/ሰራዊት፡ ኣዛዚ መካናይዝድ ብርጌድ ኰይኑ ከምዘዋግአ ብፆቱ ይዝክሩ።
ኣብ መወዳእታ ከባቢ እቲ ውግእ፡ 1992 ዓ.ም [ግ] ኣዛዚ መበል 27 ክ/ሰራዊት ዀይኑ፡ ምስ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ነይሩ።
እቲ ደማዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ምስ ተዛዘመ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ፡ ኣብ ግንባር ዛላምበሳ፡ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 21 ዀይኑ ከምዝቐፀለ ይዛረብ።
ኣብቲ እዋን፡ ካብ ውቕሮ ናብ መቐለ ኣብ ዝጓዓዘሉ እዋን፡ ሓደጋ መኪና ገጢምዎ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሓኪሙ ምምላሱ ድማ ብፃዩ ወሲኹ ይዝክር። ምስቲ ሓደጋ ብዝተኣሳሰር፡ ዛጊድ ኣብ ሓንቲ ዓይኑ ፀገም ከምዘለዎ ድማ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, SM
'ስድራይ ህዝቢ እዩ'
ኣብ እዋን ሰላም፡ 'ኣምስተኛ' ዝበሃል መካናይዝድ ሓድሽ ክ/ሰራዊት ተፈጢሩ፡ ኣብ ከባቢ ጐንደርን ምዕራብ ትግራይን ኣብ ምርግጋእ ዓቢይ ተራ ከምዝተፃወተ ይንገረሉ።
ንፈለማ እዋን ድማ፡ ኣብ እዋን ሚሊንየም- 2000 ዓ.ም [ግ ] ብ/ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡዎ።
ካብኡ ኣብ እዋን ለውጢ ስርዓት፡ ምክትል ኣዛዝን፡ ሓላፊ ሎጂስቲክስን ምብራቕ እዚ- ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ ናብ ሃረር ከም ዝተሰደደ ይዛረብ። እቲ ሰራዊት ኣብ ኣርባዕተ እዚታት ዝተዋቐረ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ሕዚ ዝቐረበሉ ክስታት፡ ምስ ሸፋቱ ወይ ድማ ዕጡቓት ርክብ ብምግባር፡ ንሰራዊት ትግራይ ከፍርስ ተንቀሳቒሱ ዝብል ይርከቦ።
ብርጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ፡ ናብ ምድቡ ተመሊሱ ክቃለስ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ከምዝነበረ ዝዛረብ እቲ ብፃዩ ግን፡ ጉዕሽ ብባህሪኡ ቀጥተኛን ካልእ ርክባት ከምዘይፈልጠሉን ይምስክር።
እቲ ክሳብ ቀረባ እዋን መቓልስቱን ብፃዩ ዝዀነ ጀነራል ከምዝብሎ፡ ጉዕሽ ዝፍለጠሎም ባህርታት፡ 'ቅድሚ ብፆቱ ክስዋእ ዝደሊ ጅግናን የዋህን እዩ" ይብል።
"ብፆቱ ብጣዕሚ እዩ ዝፈቱ፡ ኣብቲ ቃልሲ ብዝነበሮ ዓቕሚ ድማ ኣዝዩ እዩ ዝነኣድ፡ 'ምቕሉል' ተጋዳላይ እናተብሃለ ድማ ይፅዋዕ ነይሩ።"
ኵሉ ግዜ 'ስድራይ ህዝቢ ትግራይ እዩ- ዝብል' ከምዝነበረ ዝዝክር ንእሽተይ ሓዉ ይብራህ ገብረ ብወገኑ፡
"ኣብ ናይ ውልቍን ቤተሰቡን ትዅረት የብሉን፣ ዳርጋ ረኺብናዮ ኣይንፈልጥን፡" ይብል።
በዓልቲ እንድኡ'ውን ተቓላሲት እያ፣ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብቲ ዝነበረቶ ማእሰርትን መቝሰልትን ከምዝበፅሓ ይብራህ ይዛረብ።
"እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ጥራይ እዩ ኣበይን ከመይን ከምዘለና ምሕታት ጀሚሩ፡ ስድራኡ ኣበይ ከምዘለዉን እንታይ ከም ዝገጠሞምን'ኳ ኣይፈልጥን ነይሩ።"
ይብራህ ከምዝብሎ፡ ንሱ ምስ ቤተሰቡ ክራኸብ ዝጀመረ፡ ዓሚ ካብ መሪሕነት ካብ ዝእገድ ጀሚሩ እዩ።
ዝበዝሕ ኣብ ገዛኡ የሕልፍ ከምዝነበረን፡ ካብ መቐለ ወፂኡ ከምዘይፈልጥን ይዛረብ።
ጀነራል ጉዕሽ፡ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን በዓል ሓዳርን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Family
![ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ መወዳእታ [ጳጉሜን] ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ መረፃ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/831a/live/3cf50530-10bd-11f1-b370-c5751d84f588.jpg.webp)







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



