እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንባህርያዊ ደም ክትክእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ላቦራቶሪ ዝማዕበለ ደም
ኣብ ላቦራቶሪ ዝተሰርሐ ደም ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣብ ሰባት ይፍተን ከምዘሎ ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጾም።
ብመጠኑ ኣዝዩ ንእሽቶ ዝኾነ ደም ኣብ ውሽጢ ኣካላት ከመይ ከም ዝሰርሕ ንምፍላጥ ይፍተን ኣሎ።
ዕላማ ናይዚ ፈተነ፡ እቶም ኣገደስቲ፡ ግን ከኣ ኣዝዮም ዘይዝውቱራትን ንምርካቦም ኣጸጋምቲ ዝኾኑን ጉጅለታት ደም ምፍራይ እዩ።
እዚኦም ከኣ ነቶም ብሰንኪ ከም ‘ሲክል ሴል’ ብዝበሉ ዋሕዲ ደም ብቐጻሊ ኣብ ዝካየድ ምትካእ ደም ዝምርኮሱ ሰባት ኣገደስቲ እዮም።
ፕሮፌሰር ኣሽሊ ቶየ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል፡ ገለ ጉጅለታት (ዓይነታት) ደም "ኣዝዮም ዘይርከቡ" ምዃኖም ብምሕባር፡ ክልግሱ ዝኽእሉ "ምናልባት ኣብ ምሉእ ሃገር 10 ሰባት ጥራይ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም" ትብል።
እቲ ደም ብኸመይ ይምዕብል?
እዚ ፕሮጀክት መጽናዕቲ ኣብ ብሪስቶል፣ ኬምብሪጅ፣ ለንደንን ‘ኤንኤችኤስ’ ብላድ ኤንድ ትራንስፕላንት ንዝርከቡ ጉጅለታት ዘወሃህድ እዩ። ኣብቶም ካብ ሳንቡእ ናብ ካልእ ክፋል ኣካላትና ኦክስጅን ዘመሓላለፉ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ድማ የትኩር።
ዝሰርሓሉ ኣገባብ፡
- ብልግሲ ሓደ ‘ፓይንት’ ደም (ከባቢ 470ሚሊ ሊትር) እዩ ዝጅመር
- ናብ ቐይሕ ዋህዮ ደም ክቕየሩ ንዝኽእሉ ጉንዲ ዋህዮታት ፈልዮም ንምውፃእ ከኣ ማግኔታዊ መስርሕ ይጥቀሙ
- ካብኡ እቶም ጉንዲ ዋህዮታት ኣብ ቤተ-ፈተነታት ብብዝሒ ክራብሑ ይግበር
- ድሕሪኡ ድማ ናብ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ክቕየሩ ይስራሕ
እቲ መስርሕ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዝወስድ ኮይኑ፡ ናይ መጀመርታ ምትእኽኻብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጉንዲ ዋህዮታት ከኣ 50 ቢልዮን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ከማዕብል ከምዝኽእል ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚኦም ድማ ብሕክምና ምትካእ ደም ኣቢልካ ንሰባት ክወሃቡ ናብ ዝኽእሉ ኣብ ትኽክለኛ ደረጃ ምዕባለ ዝርከቡ ኣስታት 15 ቢልዮን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ተፃርዮም ኣለዉ።
"ኣብ መጻኢ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ደም ክነፍርይ ንደልይ ኢና። ስለዚ ኣብ ርእሰይ ዝረኣየኒ ነገር፡ በቲ ልሙድ መስርሕ ልገሳ ዝርከብ ደም እናተጠቐምካ ብቐጻሊ ብዙሕ ደም ዘፍርያ ማሽናት ዝመልአ ቦታ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ቶየ።
ነቲ ደም ኣብ 10 ጥዑያት ወለንተኛታት፡ ፈተነ ንምክያድ ኣብ ዝዓለመ መፅናዕቲ ዛጊድ ቀዳሞት ክልተ ሰባት ተሳቲፎም ኣለዉ። እንተወሓደ ንኣርባዕተ ወርሒ ክልተ ግዜ ካብ 5 ክሳብ 10 ሚሊ ሊትር ደም ነንበይኖም ክወሃቦም’ዩ። ሓደ ጊዜ እቲ ተፈጥሮኣዊ ደም፡ ሓደ ጊዜ ድማ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝማዕበለ ደም ከምዝወሃቦም’ዩ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝማዕበለ ደም ካብቲ ንቡር (ተፈጥሮኣዊ) ንላዕሊ ብርቱዕ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።
ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብተፈጥሮኣዊ መስርሕ ቅድሚ ምትካኦም ንኣስታት 120 መዓልታት እዮም ዝጸንሑ። እቲ ብልሙድ ዝልገስ ደም ሓደስትን ዝኣረጉን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ሓዋዊሱ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝማዕበለ ደም ግን ኩሉ ሓድሽ ስለዝኾነ ንምሉእ 120 መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል’ዩ።