ኣርባዕተ ኣፍሪቃውያን ዝርከብዎም '100 መራሕቲ ክሊማ ዓለም'

ብፍራንሲስ ኬረ ዝተዳለወ ቅድታት ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, IWAN BAAN

ፕረዚደንት ኬንያ ዝርከቦም 100 መራሕቲ ክሊማ ዓለም ተባሂሎም ብኣመሪካዊ መጽሄት ታይምስ ኣፍልጦ ተዋሂቦም።

ዊልያም ሩቶ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብኣጋጣሚ ሃገራዊ መዓልቲ 100 ሚልዮን ፈልስታት ገረብ ድሕሪ ምትካሉ'ዩ ኣብቲ መዝገብ ኣትዩ ዘሎ።

ከንቲባ ርእሰከተማ ሰራልዮን ዝኾነት ፍሪታውን ዪቮን ኣኪ-ሳውየር፡ ቡርኪናዊ-ጀርመናዊ ኣርኪተክት ፍራንሲስ ኬረ፡ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ክሊማ ቅዱስ ኣስፋው ዝተባህሉ ኣፍሪቃውያን'ውን ኣብቲ መዝገብ ካብ ዝኣተዉ ሰባት'ዮም።

እቲ ትማሊ ንፈለማ እዋን ዝወጽአ መዝገብ፡ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢን ንምግትኡ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ'ዩ።

"ንግዳዊ ዋጋ ብምድራዕ ኣንጻር ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣገዳሲ ገስጋስ ዝገበሩ" ሰባት ኣብቲ ቦኽሪ መዝገቡ ከም ዘስፈረ መጽሄት ታይምስ ገሊጹ።

እቲ ዘካየድዎ ጻዕርታት ናይ ቀረባ እዋን ኰይኑ፡ "ዝዕየርን ዝስደርን" ዓወታት ዘመዝገቡ ምዃኖም'ውን ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ሩቶ ብ13 ሕዳር ዘካየዶ ተኸላ፡ ኣካል ናይቲ ኬንያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት 15 ቢልዮን ፈልስታት ገረብ ክትተክል ዘለዎ ውጥን እዩ።

ተሓለቕቲ ኣከባቢ ከምዝብልዎ ግን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምቑራጽ ኣግራብ ክቆጻጸሮ ኣብ ዘይክኣለሉ እዋን ከምዚ ዓይነት መደባት ምጅማሩ ግብዝነት'ዩ ክብሉ ይነቕፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣከባቢ እታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ 2018 ዝጸደቐ ምቑራጽ ገረብ ዝእግድ ሕጊ ክስርዞ ኣዚዙዎ ነይሩ።

ሩቶ፡ ኣብቲ 380,000 ሄክታር ዝስፍሓቱ ዱር ማው ዝነብሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ መምርሒ ብምሃቡ'ውን ይንቀፍ'ዩ።

ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ገለ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ነቲ ስጉምቲ ንሓለዋ ናይቲ ዱር ወሳኒ'ዩ ክብሉ ክነእድዎ እንከለዉ፡ ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ መንግስቲ ነቶም ንወለዶታት ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ዝነበሩ ደቀባት ኦጊክ ካብ መደባት ምንካይ ካርቦን መኽሰብ ንምርካብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዘባረሮም ይምጉቱ።

ባንኪ ዓለም እታ ሃገር ንለውጢ ክሊማ ክትምክቶ እንተዘይክኢላ፡ ቁጠባዊ ውጽኢት ኬንያ ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ እዋን ብ7.25% ክጎድል ከምዝኽእል ብዓርቢ ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዋን እዩ ፕረዚደንት ሩቶ ሓደ ካብ መራሕቲ ክሊማ ዓለም ኮይኑ ዘሎ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ አንገዶ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ዋዕላ ክሊማ ኣፍሪቃ ሓያለ መራሕቲ ሃገራት እታ ኣህጉር ተረኺቦም ምንባሮም ይዝከር።

ኣርኪተክት ፍራንሲስ ኬረ ብወገኑ ኣብ ሃገረ ቤኒንን ዓዱ ቡርኪናፋሶን ንዝርከቡ መንግስታዊ ኣባይቲን ሓደስቲ ንክሊማ ኣብ ግምት ዘእተዉ እምህዞታቱን'ዩ ብታይም ተሰምዩ ዘሎ።

ኣብ 2022 ድማ ፈለማ ጸሊምን ኣፍሪቃዊን ኮይኑ ክቡር ሽልማት ፕሪትዝከር ኣርኪቴክቸር ተዓዊቱ ነይሩ።

ቅዱስ ኣስፋው፡ ንጐሓፍ ፕላስቲክ ዳግማይ ናብ ብርትዓዊ ዋጋ ትሑት መጠን ካርቦን ዘለዎም ንብረታት ህንጻ ዝሰርሕ ጀማሪ ትካል ዝውንን'ዩ።

ታይም፡ እቲ ዝጀመሮ ትካል "ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ምስ ከደ ንሕጽረት ኣባይቲ ዘላቒን ቅልጡፍን መፍትሒ" ከምዘቕርብ ገሊጹ።

ከንቲባ ኣኪ-ሳውየር፡ ንፍሪታውን ዝኸውን ውጥን ስራሕ ክሊማ ምምዕባልን ዋና ሓላፊ ሙቐት እታ ከተማ ምሻምን ብዝኣመሰሉ ጻዕርታት ኣቢሉ "ምምካት ምብካል ከባብን ምጽዋር ክሊማን" ብምዕዋቱ'ዩ ኣብቲ መዝገብ ኣትዩ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ሴራሊዮንን ኣፍሪቃን ፈላሚ ተበግሶ እዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቢልዮናት ኣግራብ ንምትካል ወፍርታት ከካይድ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃጋር ኣቢይ ኣሕመድ ግን ኣብቲ መዝገብ ኣይኣተወን።