ሓደጋ ባቡር ህንዲ፡ መሰኻኻርን ግዳያትን እንታይ ይብሉ?

ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ብውሕዱ 288 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 1 ሽሕ ድማ ቆሲሎም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ብውሕዱ 288 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 1 ሽሕ ድማ ቆሲሎም

እቲ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ኦዲሻ ህንዲ ዘጋጠመ ሓደጋ ግጭት ባቡር፡ ኣብዚ ክፍለ ዘመን ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ባቡር እቲ ዝኸፍአ እዩ።

እቲ ሓደጋ ክልተ ናይ ተሳፈርቲ ባቡራትን ሓንቲ ናይ ጽዕነት ባቡርን የጠቓልል።

ብውሕዱ 288 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓደ ሽሕ ድማ ቆሲሎም እዮም።

ቢቢሲ ነቲ ሓደጋ ንዝረኣዩ ደቂ ዓዲ፡ ከምኡ'ውን ንዝተጎድአ ተሳፋራይ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ሬሳ ስእሊ ኣደይ ሰዲዶምለይ - ሱርያቪር
መግለጺ ስእሊ, ሬሳ ስእሊ ኣደይ ሰዲዶምለይ - ሱርያቪር

ሱርያቪር

ኣደይን ዓባየይን ኣብታ ባቡር ተሳፊረን መድሃኒት ክገዝኣ ናብ ከተማ ይኸዳ ነይረን።

እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ንዓባየይ ረኺበያ። ብህይወት ነይራ።

ኣደይ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኩን። ኣብ ኩሉ ቦታ ደለናያ ግን ሃለዋታ ጠፊኡ።

እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ግራ ኣትዩኒ።

ደሓር ስእሊ ኣደይ ናብ ኩሎም ኣዕሩኽተይን ዝፈልጦምን ሰባት ልኢኸሎም። ቁጽሪ ተሌፎናን ሕብሪ እቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳንን’ውን ገሊጸሎም።

ሎሚ ንግሆ ካብ ሓደ መሓዛይ መልእኽቲ በጺሑኒ። ሬሳ ስእሊ ሰዲዶምለይ - ኣደይ’ያ።

ሕጂ ዝደልዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ሬሳኣ ብሰላም ናብ ገዝኣ ክንመልስን ብሰላም ከነዕርፋ ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ግን ብዙሕ ህውከት ኣሎ - ባቡራት ኣገልግሎት ኣይህባን፤ ጽርግያታት ድማ ኩሎም ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ።

ዝተጎድኡ ሰባት ከመይ ጌርና ከም እነውጽኦም ኣይፈለጥናን - ጊሪጃ ሻንካር ራት

ጊሪጃ ሻንካር ራት

ህውከት ተፈጢሩ። እታ ከተማ ዙርያኣ ብትኪ ተሸፊና።

ሰባት ናብ ኩሉ ኣንፈት ይጎዩ ነይሮም። ካብቲ መንገዲ ባቡር ኣብ ቀረባ ስለዝነበርኩ ጎይየ ከይደ።

ገለ ካብቶም ተደፊኖም ዝነበሩ ተሳፈርቲ ክንስሕብ ጀሚርና። ገሊኦም ሰባት ብህይወት ክነድሕን ክኢልና - ገለ ሬሳታት እውን ኣውጺና።

ብዙሓት ዝተጎድኡ ነይሮም፤ ከመይ ጌርና ከም እነውጽኦም ኣይፈለጥናን።

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ምስ መጹ ቁሩብ ቅልል ኢሉ። ስራሕቲ ምድሓን ዳርጋ ምሉእ ለይቲ ቀጺሉ።

ሕጂ’ውን ክኣምን ኣይከኣልኩን ዘለኹ።

ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ ህጻን’ውን ሞይቱ - ቱቱ ቢስዋስ
መግለጺ ስእሊ, ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ ህጻን’ውን ሞይቱ - ቱቱ ቢስዋስ

ቱቱ ቢስዋስ

ኳሕ ዝብል ድምጺ ሰሚዕና።

ካብ ገዛ ምስ ወጻእና እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ርኢና። እታ ናይ ኣቑሑት መጓዓዝያ ባቡር ኣብ ልዕሊ ካልእ ባቡር ተሰቒላ ርእየያ።

ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጎድኡ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ፈሊጠ።

ሓደ ንእሽቶ ህጻን ይበኪ ነይሩ፤ ምናልባት ወለዱ ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ። ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ ህጻን’ውን ሞይቱ።

ብዙሓት ሰባት ማይ ይሓቱ ነይሮም። ብዝተኻእለ መጠን ማይ ሂበዮም። ካብ ቁሸትና ዝመጹ ሰባት ብዓቕሞም ንሰባት ይሕግዙ ነይሮም።

ዘስካሕክሕ’ዩ።

ንፍርቂ ሰዓት ተደብየ ጸኒሐ - ሙኬሽ ፓንዲት
መግለጺ ስእሊ, ንፍርቂ ሰዓት ተደብየ ጸኒሐ - ሙኬሽ ፓንዲት

ሙኬሽ ፓንዲት

ኣብ ባቡር ከለኹ ቁሩብ ምንቅጥቃጥ ተሰሚዑና፤ ሽዑ እታ ባቡር ካብ መንገዳ ወጺኣ።

ነጎዳ ዝመስል ድምጺ ድሕሪ ምስማዕና እታ ባቡር ተገልቢጣ። ንፍርቂ ሰዓት ተደብየ ድሕሪ ምጽናሕ ናይቲ ከባቢ ሰባት ኣድሒኖሙኒ።

ኩሉ ንብረትና ኣብ ደገ ፋሕ ኢሉ ነይሩ። ዝዀነ ንብረት ክረክብ ኣይከኣልኩን።

ወጺአ ኣብ መሬት ኮፍ ኢለ። ካብታ ዝነብረላ ቁሸት ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተሳፈርቲ ብህይወት ክተርፉ እንከለዉ፡ ብዙሕ ሰብ ግን ቆሲሉ ወይ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣይተረኸበን።

ኣብታ ዝጓዓዘላ ዝነበርኩ ባጎኒ ብዙሕ ሰብ ሞይቱ።

እቶም ብኸቢድ ዝተጎድኡ ድማ ናብ ሆስፒታል ኣምጺኦምዎም።

ሓወይ ኣብ ትሕቲ መንበሩ ተሸኺሉ - ሪቲክ ኩማር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓወይ ኣብ ትሕቲ መንበሩ ተሸኺሉ - ሪቲክ ኩማር

ሪቲክ ኩማር

ሓወይ ኮፍ ኢሉ ኣነ ድማ ኣብ ጎኒ ማዕጾ ናይቲ ባጎኒ ደው ኢለ ነይረ።

እታ ባቡር ምስ ተገልበጠት ክሃድም ክኢለ።

ሓወይ እውን ክሃድም እዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ፡ ግን ኣይከኣለን። ኣብ ትሕቲ መንበሩ ወዲቑ።

ግን ናብቲ ስብርባር ተመሊሰ ጎይየ ከውጽኦ ክኢለ - ሓንቲ ምስኡ ወዲቓ ዝነበረት ንእሽቶ ጓል እውን ኣውጺአያ።

ንፖሊስን ኣገልግሎት ኣምቡላንስን ደዊለሎም፤ ንኽመጹ ግን ፍርቂ ሰዓት ወሲዱሎም።

ስእልታት ብሄማንት በሃራ