ኦዲንጋ፡ ሰልፈኛታት ንሕርሻ ፕረዚደንት ነበር ኬንያታ ምዝማቶም ኰኒኑ

ራይላ ኦዲንጋ

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ወራር ኮኒኑ።

ኣብ ኬንያ ንተቓውሞ ዝወጹ ሰልፈኛታት ንብረት ስድራቤት ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝዀነ መሬት ሕርሻ ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ተገሊጹ'ዩ።

እቶም ተቓወምቲ ኣባጊዕ ክሰርቁን ኣግራብ ክቘርጹን ከም ዝተራእዩ ሪፖርተር ቢቢሲ ሓቢሩ።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ዝተቘጽሩ "ዕስለ" ከም ዝተፈጸመ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

ኡሁሩ ኬንያታ መሻርኽቲ ኦዲንጋ’ዩ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ መረጻ ተታሊለ ብዝብል ክሲ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ብዝምልከት ዝጸውዖ ጸረመንግስቲ ተቓውሞታት’ዩ።

ምዝማት ናይቲ ዓቢ ሕርሻ፡ ንኦዲንጋ ንዝገበሮ ደገፍ ሕነ ምፍዳይ’ዩ ዝረአ።

ዝመጽእ ሓሙስ ተወሳኺ ተቓውሞታት ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። መንግስቲ ግን ነቲ ብሰንኪ ሰልፍታት ዘስዓበ ዓመጽን ምዝንባልን ኰኒኑ ኣሎ።

ሰባት ኣባጊዕ እናሰረቝ
መግለጺ ስእሊ, ነቲ ኵነታት መዝሚዞም ሓያለ ሰባት ካብቲ ሕርሻ ኣባጊዕ ክዘምቱ ትራእዮም

ኦዲንጋ፡ ብሰልፈኛታት ንብረት ንምዕናው ዝዀነ ይዅን ሓላፍነት ከም ዘይስከም ጠቒሱ፡ ሕገ መንግስታዊ መሰል ሰልፊ ምክያድ ከም ዝተኸልከለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ መስርሕ ተቓውሞ ትማሊ ሰኑይ ጋዜጠኛታት ብፖሊስን ሰልፈኛታትን ዒላማ ስለዝተገብሩ ዘሕዝን’ዩ ይብል።

ንሱ፡ ንገለ ካብ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ነቒፉ።

ዋላ’ኳ ዋጋ መነባብሮ ኣድማሳዊ ጸገም እንተኾነ፡ ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ዓለማዊ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ንዜጋታተን ክድጉማ ፈቲነን’የን፤ ምምሕዳር ሩቶ ግን ድጎማታት ብግዳፉ ዜጋታት ዝያዳ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኦዲንጋ ምስ ፕረዚደንት ሩቶ ክራኸብ ፍቓደኛ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ክልተ ቅድመ ኵነት ክማላእ ከም ዘለዎ ግን ገሊጹ።

ቀዳማይ፡ ድምጺ መረጻ ዝሓለፈ ዓመት ተታሊሉ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ኤሌክትሮኒካዊ ሰርቨር መረጻ ክኽፈት፡ ካልኣይ ድማ ምምራጽ ሓደስቲ ኮሚሽነራት ኣካል መረጻ ንዅሎም ውድባት ከሳትፍ ኣለዎ፡ ዝብል እዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ መረጻ ዘይምዕዋቱ ዝፈታተን ጉዳይ ውዱቕ’ኳ እንተገበረ፡ ንሱ ግን ክሳብ ሕጂ እቲ ብይን ከም ዝተጸልወ ይምጕት።