እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብህድኣት እንሰምዖም ጥዑም ቅኒታት ሕማቕ ነገር ክንፍጽም ከም ዝገብሩና ትፈልጡዶ?
'ዋኣኣኣኣኣ' ብዝብል ልዑል ጭደራ እትጅምር 'ኣይ ፊል ጉድ' (I Feel Good) ዘርእስታ ደርፊ ጀምስ ብራውን መብዛሕትና ንፈልጣ ኢና፤ ኣብ መብዛሕትና እውን ስምዒት ሓጐስ ክትፈጥረልና ዝጸንሐት ደርፊ እያ።
ሓንቲ ካብ ተስፋ ዝህባ ፍሉጣት ደርፊታት ምዃና ብዙሓት ይሰማምዑ።
ህርመት ልብና ክውስኽ፡ ርእስና ክንቕነቕን ምናልባት'ውን ኣእዳውና ንላዕሊ ዘርጊሕና ክንስዕስዕ እትደፋፍእ እያ።
ንጉስ ሶል ዝዀነ ጀምስ ብራውን ኣብዛ ቅኒት እዚኣ ዓው ኢሉ እንክጭድር ብዘይካ ሓጐስ ካልእ ክስምዓና ዘይሕሰብ እዩ።
እንተዀነ፡ ብድሕሪ እቲ ሰሓቢ ግጥምን ብርቱዕ አደራርፋን ገለ ኣሰቃቒ ነገር ክህሉ ዝኽእል ይመስል - ነዛ ደርፊ ምስማዕ ሕማቕ ነገራት ክንገብር ዘተባብዕ ነገር ኣሎ።
"ኣብ ሓቀኛ ህይወት፡ ሙዚቃ ንሰባት ብዅሉ ዓይነት መንገዲ ንምምዝማዝ ይውዕል እዩ፡" ትብል ኣብ እስራኤል ሪሾን ለ ጽዮን ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ኣካዳሚያዊ መጽናዕቲ ምሕደራ ክኢላ ስነኣእምሮ ዝዀነት ናኦሚ ዚቭ።
"መብዛሕትኡ ድማ ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
"ሙዚቃ ንሰባት ዝያዳ ተማእዘዝቲ፡ ዝያዳ ቅጡዓት ዋላ'ውን ዓሌታውያን ክገብሮም ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
ዳሕረዎት ርኽበታት ምስ ገለ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ግምታት ኣዝዮም ዝጻረሩ እዮም፤ ገለ ካብዞም ግምታት ከም ብዓል ኤሚነምን ማሪሊን ማንሰንን ዝኣመሰሉ ስነጥበበኛታትን ሕርቃን ዝመልኦ ራፕን ሜታልን ስራሕቶም ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት ከለዓዕሉ ይኽእል እዮም ዝብል እምነት ይርከቦም።
ንኣብነት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1999 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኮሎምባይን ዝተፈጸመ ቅትለት፡ እቶም ክልተ ቀተልቲ ብሙዚቃ ማንሰን ዝተደፋፍኡ ምዃኖም ዝገልጹ ጸብጻባት ተዘርጊሖም ነይሮም። እዚ ግን ድሒሩ ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊጹ።
እኳ ደኣ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ዝርከቡ ክኢላታት ስነኣእምሮ፡ ሙዚቃ ማንሰን ብሓቂ ንቝጡዕ ድሌታትና ከህድእ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
ጀነቪቭ ዲንግልን መሳርሕታን፡ ሰባት ብዛዕባ ዘቖጥዖም ዓርኪ ወይ መሳርሕቲ ክሓስቡ ብምግባር ቅድሚ ሃርድኮር ሜታል ሙዚቃ ክሰምዑ ገይሮም።
እቶም ተሳተፍቲ ነቲ ሙዚቃ ምስ ሰምዑ፡ ካብቶም ዘይሰምዑ ዝያዳ እወታዊ ስምዒታት ከም ዝነበሮም ገሊጾም።
"ጽንፈኛ ሙዚቃ ምስማዕ ንሕርቃን ብጥዑይ መንገዲ ንምምካት ክውዕል ይኽእል እዩ፡" ትብል ዲንግል።
ብኣንጻሩ ክኢላ ስነኣእምሮ ናኦሚ ዚቭ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ "ልስሉስ ቅኒታት ምስማዕ" ዝያዳ ሓደጋ ክህልዎ ከም ዝኽእል የመልክት። ንኣብነት፡ ኣብ 2011 ሙዚቃ ሰባት ዘለዎም ዓቕሚ ሞራላዊ ፍርዲ ናይ ምቕያር ሓይሊ ከም ዘለዎ ረኺባ።
ንሳ፡ ንሓደ ጕጅለ ወለንተኛታት፡ ሰባት ዝለዓለ ጡረታ ንኽረኽቡ፡ ናይ ሓሶት ሰነዳት ከዳሉ ይኽእል እየ ናይ ዝብል መርበብ ሓበሬታ፡ ልብወለዳዊ ናይ ራድዮ መወዓውዒ ክሰምዑ ሓቲታ። ፍርቂ ካብቶም ነቲ መወዓውዒ ዝሰምዑ ሰባት'ውን ብድሕሪት ናይ ሞዛርት 'ኣሌግሮ ፍሮም ኤ ሊትል ናይት ሚዩዚክ' ክሰምዑ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ፍርቂ ድማ ሙዚቃ ክሰምዑ ኣይተገበሩን።
ብተመሳሳሊ ካልኦት ተሳተፍቲ፡ ኣብ ኮለጅ ወረቐት ሰሚናር መርበብ ሓበሬታ ተጠቒሞም ብኸመይ ከታልሉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ካልእ መወዓውዒ ክሰምዑ ተሓቲቶም።
ኣብዚ'ውን ፍርቂ ካብቶም ነቲ መወዓውዒ ዝሰምዑ ሰባት፡ ናይ ጀምስ ብራውን 'ኣይ ፊል ጉድ' (I Feel Good) ዘርእስታ ደርፊ እናሰምዑ ነይሮም።
እቶም ነቲ መወዓውዒ ምስቲ ሙዚቃ ዝሰምዑ፡ ነቲ ኣብቲ መወዓውዒታት ዝተባባዕ ዘይስነምግባራውን ናይ ምትላልን ባህርያት ዝያዳ ተቐባልነት ክህልዎም ገይሩ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቶም ተሳተፍቲ ነቲ መወዓውዒ ብእወታዊ መንገዲ ከም ዝረኣይዎ ከይተረፈ ገሊጾም።
ጽዖታዊ ትሕትና
ካልእ ኣብ መጽሔት ሳይኮሎጂ ኦፍ ሙዩዚክ ዝተሓትመ እኩብ መጽናዕትታት፡ እቶም ተሳተፍቲ ንኻልእ ሰብ ርህሩሃት ክዀኑ ብምሕታት ነቲ መጽናዕቲ ዝያዳ ደፊእዎ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ዚቭን ጕጅለኣን፡ ገሊኦም ተሳተፍቲ እታ ፍልጥቲ ደርፊ ጀምስ ብራውን፡ ገሊኦም ድማ ብድምጻዊ ኤልቪስ ክረስፖ ዝተደርፈት 'ሱኣቨመንተ' እትብል ስጳኛዊት ሳዕስዒት ደርፊ ክሰምዑ ገይሮም። እታ ቍጽጽር ዝግበረላ ጕጅለ ግን ዝዀነ ይዅን ሙዚቃ ክትሰምዕ ኣይተገብረትን።
እቲ ሙዚቃ ገና እናተሰምዐ እንከሎ፡ እቶም ተመራመርቲ ንገለ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ንሓንቲ ትምህርታ ንምዝዛም ኣብቲ መጽናዕቲ ክትሳተፍ ዘድልያ ጓል ኣንስተይቲ ደዊሎም፡ ክትሳተፍ ከም ዘይትኽእል ክነግርዋ ሓቲቶም። እቶም ተመራመርቲ፡ "ክርእያ ኣይደልን" ጥራይ እዮም ኢሎም።
ካልእ ጕጅለ ድማ ንሓንቲ ብሰንኪ ሕማም ዝሓለፈ ሰሚስተር ዘምለጣ ተማሃሪት፡ እቲ ቃል ዝተኣተወላ ንዋት ትምህርቲ ክትረክብ ከም ዘይትኽእል ክነግርዋ ተሓቲቶም።
መብዛሕትኦም እቶም ሙዚቃ ዘይሰምዑ ነቲ ክገብርዎ ዝተሓተትዎ ነገር ነጺጐሞ። ብፍላይ ናይ ካልእ ሰብ ዕድል ትምህርቲ ምስ ዝጐድእ፡ መን ናይ ካልእ ሰብ ሕማቕ ዜና ከብጽሕ ይደሊ? ይዅን እምበር 65 ሚእታዊት ካብቶም ሙዚቃ ዝሰምዑ ዝነበሩ፡ እቶም ተመራመርቲ ዝሓተትዎም ክገብሩ ተሰማሚዖም። ኣብቲ ካልኣይቲ ሙዚቃ ዝሰምዑ ድማ 82 ሚእታዊት ዝተሓተትዎ ክገብሩ ተሰማሚዖም።
"ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡" ትብል ዚቭ።
"ንኻልእ ሰብ ምጕዳእ ዘጠቓልል ነገር ክገብሩ ይሕተቱ ነይሮም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ነዚ ክፍጽሙ ተሰማሚዖም።"
ስለዚ ሰባት ነታ ዘይሕለል ተስፋ እትህብ ደርፊ ጀምስ ብራውን ክሰምዑ ከለዉ እንታይ እዩ ዝፍጠር?
ዚቭ፡ ሕጕሳት ክንከውን እንከለና ምስ ዝህልወና ስብእና እያ እተኣሳስሮ።
"ቅድሚ ሕጂ፡ ጽቡቕ ስምዒት ምስ ዝህልወና፡ ዝያዳ ክንሰማማዕን ሓበሬታ ብውሑድ ክንፍትሽን ተኽእሎ ከም ዘሎ የርኢ። ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ግን ዝያዳ ሓበሬታ ከም ዝግምግሙን ዝተነግሮም ነገር ብቐሊሉ ከም ዘይኣምኑን እዩ ዝርአ።"
ኣብቲ ሙዚቃ ዝርከቡ ገለ ባህርያት ምስቲ ሓንጎልና ዝሰርሓሉ ኣገባብ እውን ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት ህርመታዊ ድምጽታት፡ ንኣካይዳን ኣተሓሳስባን ናይ ሓደ ጕጅለታት ክጸልዉ ይኽእሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ኒውሮሳይንቲስት ኣኔት ሽርመር፡ ህርመት ከበሮ ምስማዕ፡ ማዕበል ሓንጎል ምስቲ ህርመት ክሰማማዕ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ከም ዝዀነ ረኺባ።
እዚ ድማ፡ ስለምንታይ ከበሮ ኣብ ስነስርዓት ቀቢላታት ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎን ሰራዊት ንምንታይ ብድምጺ ህርመት ከበሮ ከም ዝጓዓዙን ንምግላጽ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
"እቲ ህርመት፡ ኵሎም ውልቀሰባት ኣብ ሓደ ጕጅለ ክኣትዉ ይገብሮም፡ ኣተሓሳስባኦምን ባህርያቶምን ብግዝያዊ መንገዲ ንኽሰማማዕ ይገብር፡" ትብል።
ዚቭ፡ ሳዕቤን ሙዚቃ ዓሚቝ ክኸውን ከም ዝኽእል ትጠራጠር።
እዚ ሓሳብ'ዚ ዘሰክፍ እዩ። ዚቭ፡ ዓመጽ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪን ከም ኣብነት ተልዕል። ኣብዚ ድማ ደርፍታቶም ልዑል ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ትጠቅስ።
"ሙዚቃ ስምዒት ምትእስሳርን ስምምዕን ጕጅለ ክፈጥር ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
"ሰባት ብሓባር ነገራት ክፍጽሙ እንከለዉ ምስ ሓድሕዶም'ውን ናይ ምስምማዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እዚ ድማ ናብ ጕጅለኣዊ ተሓሳስባ ዝበሃል ነገር ይመርሕ፣ ሸዑ ሞራላዊ ፍርዲ ከጐድል ይኽእል።"
ብሓፈሻ ሙዚቃ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንባህርያትና ብስዉር ዝጸልዉ ረቛሒታት ምዃኑ ንጹር እዩ።
ስለዝዀነ ድማ ኣብ ዝቕጽል እዋን እትፈትውዎም ቅኒታት ኣብ እትሰምዕሉ እዋን፡ ባህርያትኩም ብኸመይ ይጽሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ከተእትዉ ይግባእ።