ንዜጋታት ዘሻቐላ ምስጢራውያን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሰማያት ኣመሪካ

ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ኒውጀርሲን ካልኦት ግዝኣታትን ኣመሪካ ዝተርኣያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሚስጢር ኰይነን ቀጺለን ኣለዋ።

እዚአን ኣብ ልዕሊ ገለ ነበርቲ ስግኣት ፈጢረን እየን።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ንህዝቢ ይዅን ሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ኣይኰናን ብምባል መልሲ ክህቡ ኣይክኣሉን።

ብሰንበት ጸሓፊ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ፡ እተን ዝተራእያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን ብልሙድ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተባሂለን ብጌጋ ዝጽውዓ ነፈርቲ ከም ዘጠቓልላ ኣረጋጊጹ።

ወሲኹ ድማ፡ ምስተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምትእስሳር ዘለዎ "ናይ ወጻኢ ተሳትፎ ዘይምህላዉ" ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ግን መንግስቲ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጸብጻባት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዋሕዲ ንህዝቢ ዝህቦ ሓበሬታን ነቒፎም።

እቲ ክሳብ ሕጂ እንፈልጦ እንሆ።

እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣበይ'የን ተራእየን?

ካብ 18 ​​ሕዳር 2024 ጀሚሩ ኣብ ኒውጀርሲ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተራእያ ክግለጽ እንከሎ፡ ካልኦት ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ከም ዝተራእያ ተሓቢሩ።

ገሊኡ በረራታት ኣብ ጥቓ ፒካቲኒ ኣርሰናል - ተሃዋሲ መሳለጢያ ወተሃደራዊ መጽናዕቲ - ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ኣብ ከተማ ቤድሚኒስተር ዝርከብ ሜዳ ጐልፍ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እዩ ተራእዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን (FAA) ኣብ ልዕሊ ቤድሚንስተርን ፒካቲኒን በረራታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኽልክል ግዝያዊ ገደብ ኣውጺኡ።

ኣብ ካልኦት ሓያሎ ግዝኣታት'ውን ከም ዝተራእየ ተገሊጹ ኣሎ።

  • ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብ12 ታሕሳስ ኣብ ከባቢ ብሮንክስ ከም ዝዘምበያ ተገሊጹ
  • ኣብ ግዝኣት ኒውዮርክ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ስቲዋርት ብሰንኪ ንጥፈታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብ13 ታሕሳስ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ክዕጾ ከም ዝተገደደ ኣመሓዳሪት ካቲ ሆቹል ገሊጻ
  • ኣብ ከነቲከት፡ ፖሊስ "ጥርጡር ንጥፈታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥቓ ከተማታት ግሮተንን ኒው ለንደንን ምንቅስቓስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፈልጥ ስርዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል ተገይሩ ኣሎ
  • ኣብ ሜሪላንድ፡ ኣመሓዳሪ ሪፓብሊካን ነበር ላሪ ሆጋን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዳቪድሰንቪል ዝርከብ ገዝኡ "ዓሰርተታት" ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝመስላ ከም ዝረኣየ ገሊጹ
  • ኣብ ማሳቹሰትስ፡ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ጥቓ ክሊ ኣየር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሎጋን ቦስተን "ብሓደገኛ ስርሒት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት" ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፖሊስ ገሊጹ
  • ኣብ ምብራቓዊ ፔንስልቨንያ፡ ኣብ ልዕሊ ፊላደልፍያ ሓዊሱ ብዙሕ ከምዝተራእየ ተገሊጹ
  • ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዋል ስትሪት ጆርናል ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ን17 መዓልታት ምስጢራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተራእያ ጸብጺቡ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2023፡ ኣብ ብሪጣኒያ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተራእያ ምንጭታት ምክልኻል ብሪጣንያ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ራምሽታይን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየር ኣመሪካ እውን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተራእያ ይፍለጥ።

መርመራታት እንታይ የመላኽቱ?

ሰበስልጣን ሓያሎ ትካላት ኣመሪካ፡ እዚኦም ኣብ ልዕሊ ድሕነት ህዝቢ ዝዀነ ከስዕቡዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ሓደጋ መርትዖ ከም ዘየለ ይገልጹ።

ሓደ በዓል ስልጣን ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ "ቁሩብ ዝተጋነነ ግብረ መልሲ ዝተዋህበ ይመስለኒ" ኢሉ።

ጸሓፊ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ብሰንበት ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብተን "ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝተራእያ ብዝምልከት ናይ ወጻኢ ተሳትፎ ከም ዘየለ" ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።

"ነዚ ጉዳይ ትዅረት ሂብና ነጻርዮ" ኢሉ።

ማዮርካስ ወሲኹ፡ "ዝዀነ ስክፍታ እንተሃልዩ፡ ዝዀነ ናይ ወጻኢ ተሳትፎ ወይ ገበናዊ ንጥፈታት እንተኣለሊና ንህዝቢ ከነፍልጥ ኢና" ክብል ኣፍሊጡ።

እዞም በረርቲ ነገራት እንታይ እዮም?

ኣባል ባይቶ ኒውጀርሲ ዳውን ፋንታዝያ ብ11 ታሕሳስ 2023፡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብከም ሄሊኮፕተርን ሬድዮን ዝበሉ ኣገባባት ክፍለጣ ከም ዘይክኣላ ተዛሪባ።

ፋንታዝያ፡ እተን ነፈርቲ ክሳብ 1.8 ሜትሮ ርሒቐን መብራህቲ ኣጥፊአን "ብዝተዋደደ መንገዲ" ይበራ ከም ዝነበራ ገሊጻ።

ጸሓፊ ማዮርካስ ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምውሳኽ ተርእዮ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሕጊ ፌደራል ዝተገብረ ለውጢ -ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብለይቲ ክበራ ዝተዋህበ ፍቓድ- ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

"እዚ ሓደ ካብቲ ሕጂ ሰባት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርእዩዎ ዝነበሩ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝወሰኸ ክመስሎም ዝገበሩ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ካበይ'ከ ይመጽኣ?

መን እዩ ዘብርረን ዘሎ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

ወኪል ሪፓብሊካን ኒውጀርሲ ጀፍ ቫን ድሩ፡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኣትላንቲክ ካብ እትርከብ "መርከብ" ኢራን ዝመጽኣ እየን ክብል እንከሎ፡ ዲሞክራት ግዝኣት ኢሊኖይ ራጃ ክሪሽናሞርቲ ድማ ቻይና ኣብዚ ክትሳተፍ እትኽእለሉ ዕድል ከም ዘሎ ገሊጹ።

ፔንታጎን፡ ዋይት ሃውስን ክፍሊ ድሕነት ሃገርን ምትእትታው ወጻኢ የለን ኢሎም ኣለው።

ሓደ ኣብ ሰሜን ካሊፎርንያ ዝነብር ሰብኣይ፡ ብ30 ሕዳር ኣብ ጥቓ ሳንታ ባርባራ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ህዋ ቫንደንበርግ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብምብራርን ስእሊ ብምውሳድን ተኸሲሱ'ዩ።

እቲ ወዲ 39 ዓመት ቻይናዊ ዜጋ ዪንፒያኦ ዞው ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ናብ ቻይና ኣብ እትጓዓዝ ነፋሪት ቅድሚ ምድያቡ እዩ ተታሒዙ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ምስቲ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ፍጻመ ዝዀነ ምትእስሳር እንተሃለዎ ዝተገልጸ ነገር የለን።

ደው ክብላ ይኽእላ'ዶ?

ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ክበራ ከም ዘይክእላ ተዛሪቡ ኣሎ።

"ህዝቢ ሕጂ ክፈልጥ ኣለዎ። እንተዘይኰይኑ ብጥይት ሃሪምኵም ኣውድቑወን" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ጽሒፉ።

ሰብመዚ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምትኳስ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ኣለው።

ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውሑስ ወይ ሓደገኛ ስርሒታት ዘካይዱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክሳብ 75 ሽሕ ዶላር ክቕጽዑን ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፓይለት ምስክር ወረቐት ክስረዝን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣመሓዳርቲ ግዝኣት ኒውዮርክ፡ መንግስቲ ፌደራል ግዝኣታት ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሃሪመን ከውድቓ ክፈቅድ ክሓትት እንከሎ፡ መራሒ ሰኔት ቻክ ሹመር፡ ሰበስልጣን ፌደራል ናብ ኒውዮርክን ኒውጀርስን ስርዓታት ምፍላጥ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክሰዱ ሓቲቱ።