እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እገዳ ክንበር ጸዊዖም
ክልተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ብ9 ታሕሳስ 2025 ንኾሚቴ ጉዳይ ወጻኢ ኣብ ዘቕረቡዎ እማመ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስን ንረብሓታት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሃስን ተግባራት ይሳተፍ ከም ዘሎ ብምዅናን እገዳ ክንበረሉ ጸዊዖም።
እዞም ነዚ እማመ ዘቕረቡ፡ ኣብቲ ባይቶ ንኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝመርሕ ጆ ዊልሰንን ኣባል ባይቶ ባዲ ከርተርን ኰይኖም፡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሰማዕነት ዘለዎም ፖለቲከኛታት ምዃኖም ይንገረሎም።
"ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላም፡ ድሕነትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምድንፋዕ ተገዳስነት ኣለዋ፡" ዝበሉ እዞም ኣባላት ባይቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ምህላዉን ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ዓፋር፡ ትግራይ፡ ኦጋዴንን ካልኦት ከባቢታትን ግጭት እናቐጸለ ምዃኑን ኣብሪሆም።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ "ህይወት ሰባት ክጠፍእ፡ ንብረት ብዓቢይ ደረጃ ክዓኑ፡ ዘይምርግጋእ እቲ ዞባ፡ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ወጥሪ ክብእስ፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ግጭት ጥሜትን ጃምላዊ ምምዝባልን ይገድድ ኣሎ፡" ኢሎም።
እቲ ዝቐረበ እማመ፡ እሙናት ዝበለን ኣህጉራውያንን ሰብኣውያን ማሕበራትን ንዘውጽአኦ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ኣካላት፡ ኣብ ተግባራት ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ዘጠቓለለ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣብ ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከም ዝፈጸሙ ዘርዚሩ።
"ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃይማኖታውያን ትካላትን ንዓመጽ፡ ምፍርራሕን ስደትን ዒላማ ኰይነን እየን። እዚ ድማ ንሃይማኖታዊ ናጽነትን ምርግጋእ ስቪል ማሕበራት ኢትዮጵያን ዘዳኽም እዩ፡" ይብል።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ "ንነዊሕ እዋን ጸኒሑ" ዝበሎ ዘይምርግጋእ፡ መርበባት ግብረሽበራ፡ ምልካውያን ስርዓታትን ካልኦት ናይ ደገ ተጻባእቲ ሓይልታትን ንረብሓ ኣመሪካ ክምዝምዙዎ ዘኽእሎም ናይ "ስልጣን ባዶነት" ተፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ካብ ሓምለ 2023 ክሳዕ ግንቦት 2025 ኣሽሓት ጸብጻባት ዓመጽ ከም ዝተራእየ ቢቢሲ መረዳእታታት ኣዋህሊሉ ነይሩ።
እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጓነፈን ደቀንስትዮ፡ ካብ ጓል ሸሞንተ ክሳዕ 65 ዝዕድመአን እየን።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ በቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ መርትዖታት ከም ዘሎ ይገልጹ።
ነቲ ግጭት ንምጽብጻብ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ክልል ኣምሓራ ከይኣትዋ ገደብ ኣብ ዝተነብረሉ እዋን፡ ቢቢሲ ካብ 43 ትካላት ጥዕና ክልል ኣምሓራ - ብገምጋም 4% ካብ ጠቕላላ ትካላት ጥዕና ናይቲ ክልል - ከምኡ'ውን ካብ ካልኦት ምንጭታት ሕክምና መረዳእታታት ብምእካብ፡ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝፍጸሙ ዘለዉ ነገራት ስእሊ ረኺቡ።
ኣብዘን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፡ ካብ 18 ሓምለ 2023 ክሳዕ ግንቦት 2025 ኣብ ዝነበሩ ግዜያት፡ 2,697 ጸብጻባት ዓመጽ ተመዝጊቡ። ካብዚ እተን 45% ትሕቲ 18 ዝዕድመአን እየን።
ኣብ ትግራይ'ውን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኸ ማሕበር ሰብሞያ ሕጊ (IBAHRI) ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጃምላዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ ጥቕዓትን፡ ጾታዊ ስቅያት፡ ጾታዊ ባርነትን ኰነ ኢልካ ዝግበር ጥሜትን ዝርከብዎም ገበናት፡ ሕጂ'ውን ደው ዘይምባሎም ሻቕሎት ከም ዝፈጥረሉ ምግላጹ ይዝከር።
እቶም ነዚ እማመ ዘቕረቡ ኣባላት ባይቶ፡ "ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ስርዓታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ወይ ሃይማኖታዊ ምስ'ዳድ ንዝተዋፈሩ ስርዓታት ወይ ኣካላት ክድግፍ የብሉን፡" ኢሎም።
እቶም ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት ብኸቢድ ምግሃስ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ'ውን ጸዊዖም።
ብተወሳኺ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻእን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ እገዳታትን ዝወሃቡ ናይ ወጻኢ ሓገዛት ምግዳብን ዘጠቓለለ ዲፕሎማስያውን ቍጠባውያን ኣገባባትን ተጠቒሞም፡ ብዘውረዱዎ ግፍዒ፡ "ተሓተትቲ ሰባት ክሕተቱ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንደሞክራስያዊ ጸገናታትን ሓቛፊ ምሕደራን፡" ድርኺት ክፈጥሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣመሪካ፡ "ኣብ መጥቃዕቲ ንዝርከባ ከም ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃይማኖታት ንምክልኻል፡" ተወፋይነታ ከተረጋግጽ ከም ዝግባእ ገሊጾም።
እቶም ኣብ "ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡" ዝተሳተፉ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እገዳ ክንበረሎም ሓቲቱ።
"ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ስቪላውያን ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ዝግበር ደገፍ ቀዳምነት ክህብ፡" ትእዛዝ ከመሕላልፍ ጸዊዖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ጽወጽአ እማመ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።
እዚ እማመ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ትሳተፍ ከም ዘላ ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ብሕልፊ ምስ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶምልያን ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘይብላ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ምስታ ብመሬት ዘይትዳወባ ግብጺ ድማ ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ቀጻሊ ናይ ቃላት ምልልስ ትርከብ።
ኣብ 2023፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምስታ ንባዕላ ሪፖብሊክ ሶማሊላንድ ኢላ እትጽውዕ ዝፈጸመቶ ስምምዕ ወደብ ስዒቡ፡ ዝምድና ሞቓድሾን ኣዲስ ኣበባን ሻሕኪሩ።
በዚ ተግባር ዝተቘጥዐት ሶማልያ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትስሕብ ተራእያ።
እንተዀነ፡ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ኣብ ቱርኪ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን 'ንሓድሕዶም ልዑላዊ ግዝኣታቶም ብምክብባር' ዘለዎም ጸገማት ንኽፈትሑ ኣብ ታሕሳስ 2024 ተሰማሚዖም።
ይዅን'ምበር፡ እዘን ኣብ ታሪኽ ዝሓደረ ጉዳያት ዘለወን ሃገራት ናብ ምትእምማን በጺሐን ንምባል ዘድፍር ኣይኰነን።
ምስታ ብሰሜን እትዳወባ ኤርትራ'ውን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ባሕሪ ሕቶ ካብ ዘልዕሉ ንደሓር ዝምድናኦም ናብ ምብታኽ ገጹ ኣምሪሑ ይርከብ።
ክልተኦም መንግስታት ዘካይዱዎ ዘለዉ ናይ ቃላት ምምልላስ ናብ ኲናት ተሰጋጊሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ሓድሽ ግጭት ከይለዓል ድማ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝወጽኦ ብዓል 33 ገጻት ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ (ከምኡ'ውን ሶማልያ) ንምዕጋት ከም እትሰርሕ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።