ፑቲን ንመጥቃዕቲ ድሮን ዩክረይን ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ትራምፕ ኣጠንቂቑ

ዩክረይን ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሚሳኤልታ ዝጸዓነት መርከብ ሩስያ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዳ ፑቲንን ትራምፕን ብቴሌፎን ተዘራሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዩክረይን ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሚሳይላት ዝጸዓነት መርከብ ሩስያ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዳ ፑቲንን ትራምፕን ብቴሌፎን ተዘራሪቦም

ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሚሳይላት ዝጽዓነት መርከብ ሩስያ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዳ፡ ፑቲን ሕነ ክፈዲ ግድን'ዩ ብምባል ትራምፕ ኣጠንቂቑ።

ትራምፕ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ፑቲን ብተሌፎን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ "ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሚሳይላት ዝጽዓነት መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሪር ግብረ መልሲ ክህበሉ ምዃኑ'ዩ ሓቢሩኒ" ኢሉ።

ሰብ መዚ ሩስያ ብረቡዕ ምሸት ነቲ ትራምፕ ዝበሎ፡ ሓቂ እዩ'ኳ እንተዘይሃብሉ፡ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ ምሃብ ግን ከም ቀንዲ ኣማራጺ ከምዝወስድዎ ሓቢሮም ኣለዉ።

ትራምፕ ምስ ፑቲን ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ እዚ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ቅጽበታዊ ሰላም ከምጽእ ከምዘይክእል ገሊጹ።

ብመንግስቲ ሩስያ እትውነን ማዕከን ዜና ኣርኣይኤ ኖቮስቲ፡ ፑቲን ንትራምፕ፡ ዩክረይን ነቲ ዝካየድ ዘተ ንምዝራግ ትሰርሕ ከምዘላ ምሕባሩ ኣቃሊሓ።

ብተወሳኺ ሩስያ፡ መንግስቲ ዩክረይን ናብ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ከምዝተቐየረ እታ ማዕከን ዜና ሓቢራ።

መራሕቲ ኣመሪካን ሩስያን፡ ዩክረይን ብ1 ሰነ ኣብ ልዕሊ ሚሳይላት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ መጥቃዕቲ ድሮን ድሕሪ ምክያዳ'ዮም ብተሌፎን ተዘራሪቦም።

ትራምፕ ብወገኑ፡ ዩክረይን ኣቐዲማ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ንኣመሪካ'ውን ከምዘይሓበረታ ገሊጹ።

ሚኒስተር ኢንዱስትሪያዊ ውጥናት ዩክረይን ዮሪቭ ሳክ ምስ ራድዮ 4 ዎርልድ ቱናይት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከቢድ መጥቃዕቲ ሚሳይልን ድሮንን ምስ ፈጸመት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ዝያዳ እገዳን ጸቕጥን" ክትገብር ትጽቢት ከምዝነበሮም ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትራምፕ ንፑቲን ናይ ክልተ ሰሙን ናይ መወዳእታ መጥንቀቕታ ግዜ ዘቐመጠሉ መሲሉ ነይሩ'ዩ።

ፑቲን ነቲ ምስ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ከም መሸመቲ ግዜ ይጥቀመሉ ምህላዉ ኣመሪካ እንተኣረጋጊጻ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘለዋ ኣጠማምታ ክቕየር ምዃኑ'ዩ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ትራምፕ ብ26 ግንቦት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዓሰርተታት ሰለማውያን ሰባት ምስ ቀተለት "እዚ ሰብ [ፑቲን] ጽሉል'ዩ፡ ብሓዊ ይጻወት ኣሎ" ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ትራምፕ ትማሊ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰምየ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ንፑቲን ሂብዎ ዝነበረ ናይ ክልተ ሰሙን መጠንቀቕታ ዝዀነ ኣይተዛረበን።

መግለጺ ቪድዮ, እተን ድሮናት መጥቃዕቲ እናፈጸማ እንከለዋ ዘርኢ ቪድዮ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኤክስ፡ ሩስያ ካብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ወራር ካብ እትጅምር ዝፈጸመቶ ዕንወታት ዘርዚሩ።

"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ምስ ሩስያ ተዘራሪቦም'ዮም እንተዀነ ዋላ ሓደ ካብኦም ሰላም ከምጽእን ነዚ ኲናት ደው ከብሎን ኣይከኣለን" ኢሉ ጽሒፉ።

ኣስዒቡ፡ "ዓለም ኣብ ልዕሊ ፑቲን ድኹም ግብረ መልሲ ትህብ እንተዀይና፡ ንሱ ዓለም ንተግባራቱ ንዘይምርኣይ ዓይና ዓሚታ ከምዘላ ገይሩ'ዩ ዝርድኦ" ኢሉ።

ብረቡዕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ዩክረይን፡ እቲ ኲናት ደው ዝብለሉ ኣገባብ ንምዝታይ ምስ ሰነተራት ኣመሪካ ንምዝታይ ኣብ ዋሽንግተን'ዮም ነይሮም።

ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዩክረይን ኣንድረ የርማክ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ዩክረይን "ሓገዝ ምክልኻል ንምርካብን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታትን ንምዝታይን" ከምኡ ከኣ "እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈረመ ንዳግመ ህንጸት ዩክረይን ዝውዕል ምወላ ክጅመርን ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክግበርን" ንምዝታይ ከምዝዓለሙ ኣፍሊጡ።

ኣቐድም ኣቢለን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኢስታምቡል ብምዝታይ፡ እሱራት ኲናት ክለዋወጣ ዘኽእለን ስምምዕ ከምዝፈረማ ይዝከር።

እቶም ኣብ ኢስታምቡል ዝተረኸቡ ተዛተይቲ ዩክረይን፡ ሩስያ ነቲ ብዩክረይንን ደገፍታ ዝዀነ ምዕራባውያን ሃገራትን ዝቐረረበ "ቅጽበታዊ ምቍረጽ ተዅሲ" ዝብል እማመ ከምዘይተቐበለቶን ኣፍሊጦም።

ሩስያውያን ተዛተይቲ ኣብ ገለ ግንባራት ጥራይ ንውሱናት መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ከምዝኽእል'ዮም ኣፍሊጦም፡ ብዛዕባ ኣየኖት ግንባራት ምዃኖም ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ክልተአን ሃገራት ኣብ ባይታ ኲናት እናኣካየዳ ኣብቲ ዘተ ግን ርኡይ ምዕባለ ይርአ ምህላዉ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።