ፕረዚደንት ትራምፕ ንፑቲን 'ጽሉል' ኢሉዎ

ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ መጠነ ሰፊሕ ደብዳብ ርእይቶ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ መጠነ ሰፊሕ ደብዳብ ርእይቶ እናሃበ

ሩስያ፡ ምስ ዩክረይን ኣብ ኲናት ካብ እትጽመድ ንደሓር፡ ዝሰፈሐን ዝሓየለን ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ፈጺማ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ንፕረዚደንት ፑቲን 'ጽሉል' ኢሉዎ።

ትራምፕ፡ "እንታይ'ዩ ወሪድዎ? ብዙሕ ሰብ እኮ'ዩ ዝቐትል ዘሎ - ጽሉል፡" ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ ሩስያ እናርኣየት 'ስቕታ' ምምራጻ ነቒፉዋ ነይሩ።

እቲ መራሒ ኣመሪካ ስቕ ምባላ ፑቲን ተወሳኺ መጥቃዕትታት ንኸተካይድ ዘተባብዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ እገዳ ክግበር ጸዊዑ ነይሩ።

ሩስያ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ 367 ናይ ድሮንን ሚሳይልን ደብዳብ'ያ ኣካይዳ። ወራር ዩክረይን ኣብ 2022 ካብ ዝጅመር ከኣ ክንድ'ዚ ብዝሑ ደብዳብት ኣብ ሓደ ለይቲ ክፍጸም እዚ ንፈለማ እዋን'ዩ።

ክሳብ ሕጂ በቲ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም።

ሩስያ ለይቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝጀመረትሉ፡ ኣብ ዝበዝሐ ዞባታት ዩክረይን ናይ 'ተጠንቀቑ' ድምጺ ከም ዝተሰመዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ፡ ብውሐዱ ሓደ ቈልዓ ዝርከቦም ሰለስት ሰባት በቲ ደብዳብ ከም ዝሞቱ ከንቲባ እታ ከተማ ኢሆር ተሬክሆቭ ሓቢሩ።

ትራምፕ ድሕሪ እቲ ደብዳብ ኣብ ኒው ጀርሲ ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "[ንፑቲን] ንነዊሕ እዋን'የ ዝፈልጦ፣ ብዙሕ ግዜ ብኣካል ተራኺብና ኢና። እንተዀነ ሕጂ ህዝቢ ኣብ ዝነብሮ ከተማታት ደብዳብ ብምፍጻም ሰባት ይቐትል ኣሎ። እዚ ከኣ ብፍጹም ኣይፈትዎን'የ፡" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ናይ ምንባር ሓሳብ እንተ'ልዩዋ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "ግድን" ብምባል'ዩ መሊሱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክግበር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክፍክር ይስማዕ'ዩ፤ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝገበሮ ርኡይ እገዳ የሎን።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ፑቲን ናይ ጽሉላት ስራሕ'ዩ ሰሪሑ። እዚ ኵሉ ግዜ ዝብሎ'የ፣ ንእሽቶ መሬት ዘይኰነስ ንመላእ ዩክረይን'ዩ ዝደለያ። እዚ ከኣ በቲ ሎሚ ለይቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹዎ'ዩ። ነዚ ክገብር እንተ ፈቲኑ ግን ንውድቀት ሩስያ ዘምርሕ'ዩ ክኸውን፡" ኢሉ።

ትራምፕ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ካብ ምንቃፍ'ውን ዓዲ ኣይውዓለን።

"ኵሉ እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዘረባታት'ዩ ጸገም ዘምጽእ ዘሎ። ኣነ ነዚ ብፍጹም ኣይፈትዎን'የ። ደው ከኣ ክብል ኣለዎ፡" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ኣብ በቲ ደብዳብ ዝዓነወ ገዛ ውልቀ ሰባት ንዝነበሮ ባርዕ እናኣጥፍኡ 25 ግንቦት 2025

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ኣብ በቲ ደብዳብ ዝዓነወ ገዛ ውልቀ ሰባት ንዝነበሮ ባርዕ እናኣጥፍኡ 25 ግንቦት 2025

ምስ ዩክረይን ጥቡቕ ርክብ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ንምግባር ኣብ ዝሸባሸባሉ ዘለዋ፡ ኣመሪካ ነቲ ንዩክረይን ሩስያን ንምሽምጋል ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ውጽኢት ዘይብሉ እንተ መሲሉ ከተቋርጾ ከም እትኽእል ኣሚታ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ፑቲንን ዶናልድ ትራምፕን ነቲ ኣመሪካ እቲ ኵናት ደው ዝብለሉን ምቍራጽ ኵናት ዝግበረሉን ኣመልኪታ ዘቕረበቶ ሓሳብ ንክልተ ሰዓት ብቴሌፎን ተዘራሪቦም ነይሮም'ዮም።

ትራምፕ ምስ ፑቲን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ እቲ ኵናት ደው ክብለሉ ዝኽእል ጽቡቕ ተስፋ ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

ዩክረይን'ውን ብወግዒ ን30 መዓልታት ምቍራጽ ተኵሲ ክትገብር ምስምማዓ ገሊጻ ነይራ።

ፑቲን ብወገኑ ምስ ዩክረይን ንመጻኢ ሰላም ከውሕስ ኣብ ዝኽእል ነገር ክፈራረም ከም ዝኽእል ኣብ ዝተሓበረሉ፡ ሓሳቡ ብዩክረይንን በተን ንዩክረይን ዝድግፋ ሃገራት ኤውሮጳን 'ሜላ ምድንጓይ'ዩ፡" ብምባል ነቂፈነኦ ነይረን።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ለካቲት 2022 ናብ ኵናት ካብ ዝኣትዋ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 16 ግንቦት 2025 ኣብ ቱርኪ ከተማ እስታንቡል ተራኪበን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን ነይረን።

እንተርፎ እሱራትን ምሩኻትን ምልውዋጥ ግን ካብቲ ቀጥታዊ ዘተ ካልእ ዝተረኸበ ውጽኢትን ዝተበጽሐ ስምምዕን ኣይነበረን።

ኣብዚ እዋን ሩስያ ነቲ ኣብ 2014 ናብ ሩስያ ዝሓወሰቶ ክረምያ ዝርከቦ 20 ሚእታዊት ካብ መሬት ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ'ዩ ዘሎ።