ካብ ጐኒ ትራምፕ ዘይትጠፍእ ፀረ-ሙስሊም መርገፂ ዘለዋ ሎራ ሉመር መን’ያ?

ሕልፍቲ-የማናዊት፣ ዓቃባዊ ትንታነ ውዲት እተሰጉም እያ። ኣብዚ ቅነ፡ ካብ ጎኒ ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣይትጠፍእን።

እዚ ጉዳይ ንሓደሓደ ዘሻቕል ኰይኑ ኣሎ። ገለ ኣባላት ሪፓብሊካን እውን፡ በዚ ሕጉሳት ኣይመስሉን።

ሎራ ሉመር፡ ፀረ-ሙስሊም ዝኾኑ መርገፅታት ብምንፅብራቕ እያ ትፍለጥ። መርተዖ ዘይርከበሎም ትንታነታት ውዲት’ውን ትዝርግሕ።

ብፍላይ ድማ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ 11/2001 “ብመንግስቲ ኣመሪካ’ዩ ተፈፂሙ” ብምባል፡ ብሙሉእ እምነት ትዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዝኽሪ 9/11 ኣብ ዝተዳለወ መደብ እንትርከብ፡ ሎራ ኣብ ጎኑ ደው ኢላ ነይራ። እዚ ሓደሓደ ብጥርጣረ ንክርእይዋ ዝደረኸ ክስተት እዩ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ኣመሪካ ድማ፡ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን? ብምባል፡ ቁጠዐአን ገሊፀን።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ጓል 31 ዓመት ሉመር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝነበረ ናይ ቴሌቬዥን ክትዕ ሕፁያት ፕረዝደንታት፡ ብናይ ትራምፕ ነፋሪት እያ፡ ናብ ፊላደልፊያ ተጓዒዛ።

ፕረዝደንት ነበር ትራምፕን ምክትል ፕረዝደንት ካምላ ሃሪስን ኣብ ዝገበርዎ ክትዕ፡ ትራምፕ ካብ ሄይቲ ዝመፅኡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት “ዱሙን ከልብን እንከይተረፈ ናይ ገዛ እንስሳት ይበልዑ ኣለዉ” ዝበለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።

ደማሙን ኣኽላብን ኣብ ስግኣት’ዮም ኣለዉ ዝተብሃሉ ሰብመዚ ከተማ ስፕሪንግፊልድ፡ “ነዚ ዘረጋግፅ መረዳእታ የለን” ክብሉ ተዛሪቦም።

ትራምፕ፡ ካብ ተለቬዥን ብመሰረት ዝረኸብክዎ ሓበሬታ እየ ነዚ ተዛሪበ ይብል። ምክትል ፕረዝደንት ኮይኑ ዝወዳደር ሕፁይ ጄዲ ቫንስም’ውን፡ ነዚ ደጊምዎ።

ኣብ ኤክስ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ሰዓብቲ ዘለውዋ ሎራ ሉመር እያ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ቀዲማ ዝዘረገሐቶ።

ሉመር ምስ ትራምፕ ዘለዋ ርክብ ግልፂ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ነዚ ሓሳብ ኣብ ክትዕ ፕረዝደንታዊ መረፃ ንከልዕል ንሳ’ያ ፀቕጢ ገይራትሉ ዝብል ጥርጣረታት ይቐርብ ኣሎ።

ምስ ትራምፕ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት፡ ሉመር ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዋ ቅርበት ንብዙሓት የሻቕል ከም ዘሎ ይገልፁ።

ገዳይም ኣባላት ሪፓብሊካን’ውን፡ ትራምፕ ነዛ ውልቀሰብ እንተዘይቐርባ ፅቡቕ እዩ ዝብል ርኢቶ ሂቦም’ዮም።

ሴናተር ኖርዝ ካሮላይና ቶም ቲሊስ፡ “ሎራ ሉመር ዝተብሃለት ትንተና ውዲት እተሰጉም ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ ሪፓብሊካን ምክፍፋል ንምፍጣር ዝተልኣኸት ዕብዲት’ያ” ብምባል ወቒሱ።

ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃበ ትራምፕ፡ ሎራ “ደጋፊት’ያ” ብምባል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ካምላ ሃሪስን መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ 9/11ን ዝሃበቶ ርኢቶ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

“ኣነ ንሎራ ኣይቆፃፀራን። ዝደለየቶ ናይ ምዝራብ መሰል ኣለዋ። ነፃ መንፈስ ዘለዋ ሰብ’ያ” ኢሉ።

ሎራ ሉመር፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበላ ተደጋጋሚ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበትን።

እንተኾነ፡ “ንርእሳ ክኢላ ከም ትንቀሳቐስን፡ ናይ መወዳእታ ተስፋ ሃገርና” ንትብሎ ትራምፕ ንምሕጋዝ ከም ትሰርሕን ብመገዲ ኤክስ ብቕሉዕ ኣፍሊጣ ኣላ።

ንሳ፡ “በብእዋኑ 'ክነዛርበኪ' ኢልኩም ንትፅሑፍለይ ጋዜጠኛታት፡ መልሰይ 'ኣይኸውንን’ እዩ። ናይ ባዕለይ ምርመራዊ ስራሕ ብምስራሕ ግዘ ዝሓፀረኒ ሰብ እየ። ንናህትኩም ሽርሒ ግዘ የብለይን” ኢላ።

ኣብ 1983 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ግዝኣት ኣሪዞና ዝተወለደት ሎራ፡ ብውልቅኣ እትንቀሳቐስ ጋዜጠኛ እንትትኾን፡ ንዝተፈላለዩ ትካላት ከም ‘ነጣፊትን’ ወሃቢት ሓሳብን ኮይና ሰሪሓ እያ።

ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ 2020፡ ናይ ሪፓብሊካን ተወካሊት ባይቶ ግዝኣት ፍሎሪዳ ንምዃን ዝገበረቶ ፃዕሪ ኣይሰመረላን።

ኣብ 2022 ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዳግማይ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ተሳቲፋ፡ እኹል ድምፂ እንከይረኸበት ተሪፋ።

ሕዚ ብትዝርግሖም ዘይተጨበጡ ሽርሓዊ ስነ-ሓሳባት ድማ፡ ተፈላጥነታ ክብ እናበለ መፅዩ። ካምላ ሃሪስ ፀላም ኣይኮነትን፣ ወዲ ቢልየነር ጆርጅ ሶሮስ ትራምፕ ንክቕተል ምሽጥራዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ተሰጉም።

ብሰንኪ እዞም መልእኽትታት እዚኦም ካብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝተኣገደት እንትትኾን፡ ብዛዕባ ሙስሊም ገናሕቲ መኻይን ብዝሃበቶ ርኢቶ ድማ ካብ መተግበርታት መጓዓዝያ ኡበርን ሊፍትን ከም ዝተኣገደት ተዛሪባ። ንርእሳ “ኩርዕቲ ፀላኢት እስላም” ብምባል እያ ትገልፅ።

ፕረዝደንት ነበር ትራምፕ ኣብ ዝገብሮም ጐስጓሳት መረፃ ትርከብ ሎራ ሉመር፡ ኣብቲ ኣዝዩ ምቹው ዝኾነ ማር-ኣ-ላጎ ዝተብሃለ መንበሪ ገዛ ትራምፕ እውን ብተደጋጋሚ ተራእያ’ያ።

ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነዛ ሰበይቲ ናይ ጎስጓስ መረፃ ሓላፊቱ ገይሩ ንምሻም ተሊሙ ካብ ሓገዝቱ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፀብፂቡ ነይሩ።

ሎራ፡ ዓሌት ህንዲ ዘለዋ ካምላ ሃሪስ ናብ ዋይት ሃውስ ትኣቱ እንተድኣ ኰይና፡ “ጨና ከሪ ክህልዎ’ዩ” ብምባል ርኢቶ ሂባ። ከሪ ፍቱው ምግቢ ህንዳውያን እንትኾን፡ በዚ ርኢቶኣ ብብዙሓት ተነቒፋ’ያ።

ደጋፊት ትራምፕ ዝኾነት ስምይቲ ኣማሓዳሪት ማርጆሪ ቴይለር ግሪን፡ ርኢቶ ሎራ “ዓሌታውን ንሪፓብሊካን ኰነ ጉጅለ ትራምፕ ዘይውክልን’ዩ” ኢላ።