እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ቅዱስ ስፍራ ናብ ኣዝዩ ውቁብ መዘናግዒ ዝቕየር ዘሎ ቦታ
ሲናይ እንክለዓል ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘቃልሕ፡ ድምጺ ናይቶም ሓዉሉ እናተባሃሉ ዝቕጥቀጡ ሰባት'ዩ።
መብዛሕትኦም እቶም ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ በዚ ብምስክሕካሕ ዝዝክርዎ ቦታ'ዮም ሰጊሮም።
ክንደይ ሰብ ከኣ ኣብዚ ቦታ ውሽጣዊ ኣካላቱ ተበትቢቱ ተሸይጡ'ዩ።
እዚ ምስሊ እቲ ቦታ ንምስኣል'ምበር፡እዚ ጽሑፍ ምስ ስደትን ዘይሕጋውያን ኣስገርትን ዝተኣሳሰር ኣይኰነን።
ሲናይ ኣብ ምብራቕ ግብጺ ዝርከብ ሰፊሕ ምድረበዳ ኰይኑ እቲ ንግብጺ ምስ እስራኤል ዘራኽባ ዶብ ዝርከበሉ ቦታ'ዩ።
ደቂ ሰባት ንዓመታት ብዓሌት በደዊን እናተመርሑ ነታ ብሑጻን ብኣኻውሕን ዝተፈሸነ በታ ሰንጢቓ ቅልል እትብል ብራቕ ጸሓይ ንምርኣይ ናብቲ ቦታ ይነግዱ።
ነታ ኣብ ማእከል እቲ ምድረበዳ እትርከብ ገዳም ቅድስቲ ካትሪን ንምብጻሕ'ውን ኣሽሓት ሰባት ናብቲ ቦታ ይኸዱ'ዮም።
እቲ ቦታ ክርስትያን፡ ኣስላምን ኣይሁድን ዝዳወብሉ ቦታ'ውን ስለዝዀነ ማእከል ምስሕሓብ ከይከውን ወትሩ ምስ ተሰግአ'ዩ።
ኣብ ማእከል ሲናይ ዝርከብ ጎቦ ሙሳ፡ ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሃበሉ ቦታ ምዃኑ'ዩ ዝንገር።
ኣብ መጽሐፍ ቅዱስን ቁርኣንን'ውን እቲ ቦታ እየሱስ ክርስቶስ ካብ ማእከል ሓዊ ወጺኡ ንነቢ ዝተዛረበሉ ቦታ'ዩ ተባሂሉ ይእመን'ዩ።
ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን'ውን ብግሪኽ ዝምራሕ ገዳም ኣብቲ ቦታ ከምእተመስረተን ፈለስቲ ክነብርዎ ከምዝጀመሩን ዝነግር ታሪኽ'ውን ኣሎ።
ሕጂ ግን እቲ ብዩኔስኮ ኣብ ዓለማዊ ውረሻ ዝተመዝገበን ኣብ ማእከል ሲናይ ዝርከብ ቦታን ኣዝዩ ውቑብ ሆቴላት፡ ቪላታትን ዓበይቲ ማእከል ንግድን ክስርሖን መስሕብ በጻሕቲ ክኸውንን'ዩ ተባሂሉ ይህነጽ ኣሎ።
እቲ ቦታ ቀንዲ መበቈልን መንበርን ናይቶም በደዊንን ዝብሃሉ ዓሌት'ዩ።
እቲ ውቁብ ሆቴላት ንኽስራሕ ከኣ ብዘይ ካሕሳ ወይ ብቕሩብ ካሕሳ'ዮም ካብቲ ቦታ ከምዝወጽኡ ኰይኖም።
መቓብሮም ከይተረፈ ካብቲ ቦታ ክኣልይዎ ከምዝተገደዱ ከኣ ይንገር።
ናብ ምድረ በዳ ሲናይ ብዙሕ ግዜ ዝተመላለሰን ምስቶም ኣብ ሲናይ ዘለዉ ዓሌታት ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን እንግሊዛዊ ጸሓፊ ቤን ሆፍለር፡ መንግስቲ ነቲ ቦታ መስሕብ ቱሪዝም ክገብሮ'ኳ እንተሓሰበ፡ እቲ ስጕምቲ ብዘይ ድሌት ዓሌት በደዊን ይካየድ ምህላዉ ይገልጽ።
ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት "ብዓይኒ እቶም በደዊን እዚ ምዕባለ ኣይኰነን፡ ንረብሓ ካልኦት ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኦም ዝተስገደደ'ዩ" ኢሉ።
"ኣብቲ ዓለምና'ዩ ዝብልዎ እናሳገሙ ዝነብርዎ፡ ድሌቶምን ፍቓዶምን ከይተሓተቱ ከኣ ንዐኦም ኣፈናቒሎም ይሰርሕዎ ኣለዉ፣ ንዘልኣለም ድማ'ዮም ካብቲ ቦታ ዝፈናቐሉ ዘለዉ" ይብል ቤን።
ኣብቲ ቦታ ኣስታት 4000 ዝዀኑ ሰባት'ዮም ዝነብሩ ነይሮም፣ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ከኣ ብቐጥታ ክዛረቡ ኣይደልዩን'ዮም።
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ግብጺ ኣብቲ ቦታ ትገብሮ ዘላ ኣስገዳድ ግሪኽ ጥራይ'ያ ኣፍ ኣውጺኣ ተቓዊማቶ። ምኽንያቱ ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም ምትእስሳር ስለዘለዋ።
ክልትአን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ገዳም ነዊሕ ፍርዳዊ ምጕት'የን ኣካይደን፡ ግብጺ ግን ነቲ ዝወጠነቶ ካብ ምግባር ኣይተዓገተትን።
ቤት ፍርዲ ግብጺ፡ እቲ ገዳም ነቲ ከሊልዎ ዘሎ ስፍራ ጥራይ ከምዝውንን ብምግላጽ እቲ መስርሕ ህንጻ ክቕጽል ከምዝኽእል ፍርዲ ሂቡ።
ግሪኽ ብመንገዲ ጳጰስ ኣይረኒሞስ ካልኣይ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ግብጺ ተቓዊማቶ።
ግሪኽ ብዛዕባ ዋንነት እቲ ቦታን እቲ ገዳምን ካብ ነብይ መሓመድ ከይተረፈ ብደብዳበ ዝተሰነየ ምስክርነት ከምዘለዋ'ያ ትማጐት።
'ግብጺ ንዅለን ሃይማኖታት ህያብ እያ'
መንግስቲ ግብጺ ነቲ ፕሮጀክት ግዙፍ ባጀት ሰሊዑ ኣብ 2021'ዩ ጀሚርዎ።
እቲ መደብ ሆቴላት፡ ነታ ንእሽተይ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት መዓርፎ ነፈርቲ ምግፋሕን፡ ካብ እምባ ሙሳ ናብቲ ቦታ ዝዘርጋሕ ተለፈሪካ ምስራሕን ዘጠቓለለ'ዩ።
መንግስቲ እቲ ፕሮጀክት "ግብጺ ንዅለን ሃይማኖታት ህያብ ምዃና ዘርኢ'ዩ" ብምባል'ዩ ዝገልጾ።
እቲ ፕሮጀክት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓድግታት ከይተንከፈ ከምዝካየድ'ውን መንግስቲ ግብጺ ይዛረብ፤ ነቲ ህንጻ'ውን ይቕጽሎ ኣሎ።
እቲ ቦታ እስራኤላውያን ሰዓብቲ ሙሴ፡ ሙሴ ክመጽኣና'ዩ ኢሎም ንዓመታት ዝጽበይሉ ዝነበሩ ቦታ'ዩ።
ክኢላታት ስነ ዕቃበ ከባቢን ዩኔስኮ ብዓቢኡን ከኣ ነቲ ፕሮጀክት ንምስራሕ ብዙሕ ነገራት ከምዝዓነወ'ዮም ዝሕብሩ።
ዩኔስኮ ኣብ 2023 ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ፡ ግብጺ ነቲ ፕሮጀክት ደው ከተብሎ ተማሕጺኑ ነይሩ።
ግብጺ ግን ጸማም እዝኒ ብምሃብ ነቲ ስራሕ ቀጺላቶ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ'ውን ዩኔስኮ ነታ ኣብ ማእከል እቲ ፕሮጀክት ትርከብ ገዳም ቅድስቲ ካትሪን ኣብ ስግኣት እትርከብ ሓድጊ ዓለም ብምባል ቅሉዕ ደብዳበ ዘርጊሑ። ወከልቲ እቲ ገዳም'ውን ንንጉስ ቻርለስ ድምጺ ንክዀኖም ተማሕጺኖሞ።
እቲ ንጉስ'ውን፡ እቲ ገዳም "ዓቢ መንፈሳዊ ሓድጊ ስለዝዀነ ናብ ወለዶታት ንኽሓልፍ ክዕቀብ ኣለዎ" ኢሉ።
እታ ኣብ 2028 ዓመታዊ ኣስታት 30 ሚልዮን በጻሕቲ ክህልውዋ ሓሊና ትሰርሕ ዘላ ግብጺ ግን በዚ ደው ኣይበለትን።
ገለ ክፋል ወሽመጥ ሲናይ፡ እስራኤል ብ1967 ምስ ሃገራት ዓረብ ኣብ ኲናት ኣትያ ብመሰረት ኣብ 1979 ዝተኸተመ ውዕል ዝረኸበቶ ቦታ'ዩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ከኣ ኣቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ዓሌት በደዊን ከም ካልኣይ ዜጋ ኢና ንረአ እናበሉ ከማርሩ ጸኒሖም'ዮም።
ግብጺ ከኣ ካብ 1980ታት ኣትሒዛ ንኸም ኣብ ደቡብ ሲናይ ዝርከብ ሻርም ኣልሸኽ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ክትሃንጽ ጀሚራ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ነቶም ብምግፋፍ ዓሳ ዝናበሩ ገለ ክፋል ዓሌት በደዊን ካብ ገማግም ባሕሪ ኣርሒቑ ናብ ማእከል እቲ ምድረ በዳ ንኽኣትዉ ከምዘገደዶም ብዙሓት ይዛረቡ።
መንግስቲ ደረጃ ናብራ ዓሌት በደዊን'ውን የመሓይሾ ምህላው'ዩ ዝገልጽ።
ኣባላት ገዳም ቅድስቲ ካትሪን ኣብ ዝሓለፈ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመንን ፈረቓን ጀሚሮም ክድፍኡ ከምዝጸንሑ'ዮም ዝገልጹ።
እብቲ ገዳም ብኢድ ዝተጸሓፈ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ኪዳን ስለዘሎ ንዕኡ ንምርኣይ ዓመታዊ ብዙሓት በጻሕቲ'ዮም ናብቲ ገዳም ዝመጽኡ።
እቲ ገዳም ዋላ ኣይተንከፍ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝህሉ ነገር ግን ነቲ ገዳም ብኸቢድ ክጸልዎ ከምዝኽእል ከኣ ብዙሓት ይገልጹ።