ሩስያ፡ ስለ ምንታይ ነቲ ኣብ እዋን ሶቭየት ዝነበረ ውድድር ሙዚቃ 'ኢንተርቪዥን' ትንሳኤ ተልብሶ ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, EPA / Shutterstock
ሩስያ ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ምስ ተባረረት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት መወዳድርቲ ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ተዓዘብቲ ዝርእይዎ ቀጥታዊ ዓመታዊ ውድድር ሙዚቃ ዝዀነ 'ኢንተርቪዥን' ዳግማይ ጀሚራቶ ኣላ።
'ኢንተርቪዥን' መብዛሕትኡ ግዜ ካብተን ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ዝፈጠረትለን ሃገራት ብሪክስ ዝመጽኡ ተወዳደርቲ ተሳቲፎምሉ ኣለው።
ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ መድረኽ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ደራፋይ እውን ተሳቲፍሉ።
እዚ፡ በቲ ኣብ ሩስያ ጥቡቕ ምቁጽጻር መንግስቲ ዝግበረሉ መንግስታዊት ቴሌቪዥን ቻነል ዋን ከምኡ'ውን ብቐጥታ ኣብ ዩትዩብ ተመሓላሊፉ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ 1956 ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝጀመረ ውድድር ክትፈልጥዎ ዘለኩም ሽዱስተ ነገራት እነሆ።
1. ሩስያ ኢንተርቪዥን ዳግማይ ዝጀመረትሉ ምኽንያት
ኣብ 2022፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ብሮድካስቲን ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ውድድር ዩሮቪዥን ኣጊዱዋ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ዩክረይን ተዓዋቲት ናይቲ ውድድር ኰይና ዘውዲ ደፊኣ፡ እዚ ድማ ብሰፊሑ ከም ምርኢት ምሳልያዊ ደገፍ እታ ሃገር ተራእዩ።
ሩስያ ካብ ዩሮቪዥን ክሳብ እትስጎግ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ክብርታታ ንዓለም እተርእየሉ መድረኽ ረኺባ ምንባራ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣበርደን ዶክተር ባርባራ ባረይሮ ሊዮን ትዛረብ።
ንሳ፡ ዳግማይ ምጅማር ኢንተርቪዥን፡ ሩስያ ነዞም ክብርታት ናብ ዓለም ንምልልላይ ምስ ተሳተፍቲ ሃገራት ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክትፈጥር ዝገበረቶ ፈተነ ምዃኑ ትዛረብ።
መርበብ ሓበሬታ ኢንተርቪዥን እዚ መደብ ንሃገራት ኣብ ሓደ ንምምጻእ "ንሚልዮናት ንምልዕዓልን ንምጥርናፍን" ዝዓለመ ምዃኑን " ፖለቲካዊ ጻዕሪ ከም ዘይኰነን" ይገልጽ።
እንተዀነ ጸሓፊ ታሪኽ ዩሮቪዥን ዶክተር ዲን ቩለቲክ በዚ ኣይሰማማዕን።
"ኢንተርቪዥን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ብፕረዚደንታዊ ኣዋጅ እዩ ተመስሪቱ፡ ስለዚ ብርግጽ ፖለቲካዊ ፍጻመ'ዩ፡" ይብል ዶክተር ቩለቲክ።
ዶክተር ሌዮን ወሲኻ፡ ኢንተርቪዥን ንክረምሊን "ናይ ገዛእ ርእሱ ፕሮፖጋንዳ ንምልላይን ንምቅዋምን ፍጹም ሜዳ ከም ዝህቦን፡ ምስ ክብርታትን መርገጺታትን ሃገራት ዩሮቪዥን ዝጻረር ቦታ ከም ዘመቻችእን፡" ብምግላጽ "መብዛሕአትን -ሃገራት- ንዩክረይን ዝድግፋ፡" ምዃነንን ትገልጽ።
ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ኢንተርቪዥን 2025 "መሳርሒ ተጻባኢ ፕሮፖጋንዳን ንተተናዃዪ ፖሊሲ ፌደሬሽን ሩስያ ንምኽዋልን፡" ዝዓለመ ገይሩ ከም ዝቘጽሮ ገሊጹ።
2. ኢንተርቪዥን እንታይ የስፋሕፍሕ ኣሎ?
እዚ ትንሳኤ እዚ ንነብሱ ከም ባህላዊ ኣማራጺ ዩሮቪዥን ኰይኑ ይቐርብ ኣሎ።
ደገፍቲ ሩስያ ንዝዀኑ ተዋሳእቲ መድረኽ ብምቕራብ "ባህላዊ ኣድማሳውን ስድራቤታውን ክብርታት" ምስ "መንፈሳዊ ርእዮተ ዓለም" ይድግፍ ኣሎ።
እዚ ውድድር፡ ሩስያ ሕጊ ጸረ ኤልጂቢቲኪዩ+ ክተርር ድሕሪ ምግባራ'ዉን ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ኣብ 2023 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ "ንኣህጉራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤልጂቢቲ" ኣኽራሪ ትካል እዩ ብምባል ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝገብሮ ንጥፈታት ኣጊዱ።
ኢንተርቪዥን፡ ምስቲ ብፍሉይ ምርኢትን ጽምብል LGBTQ+ ስነጥበባውያንን ዝፍለጥ ዩሮቪዥን ኣዝዩ ዝጻረር እዩ።
ኣብ 2024 ስዊዘርላንዳዊ ኔሞ ፈላሚ 'ነን-ባይነሪ' ተዓዋቲ ውድድር ዩሮቪዥን ኰይኑ።
3. ኣብ ኢንተርቪዥን መን ተሳቲፉ?

23 ሃገራት ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ እንከለዋ፡ እዚአን ካብ ብራዚል፡ ህንዲ፡ ቻይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣባል ሃገራት ብሪክስን ይርከብአን።
ብዙሓት ካብአን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ሩስያ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ኣማዕቢለን እየን።
ምስ ሩስያ ኣወንታዊ ዝምድና ዘለወን ሓያሎ ሃገራት ሶቭየት ነበር እውን ምርኢት ኣቕሪበን ኣለዋ።
ሩስያ ብደጋፊ ኲናት ድምጻዊ ፖፕ ሻማን ተወኪላ።
ትኽክለኛ ስሙ ያሮስላቭ ድሮኖቭ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ብመዝሙሩ ያ ሩስኪ [I Am Russian] እዩ ዝፍለጥ።
- ዝርዝር ተሳተፍቲ ሃገራት ዩሮቪዥን፡ ቤላሩስ፡ ብራዚል፡ ቻይና፡ ኮሎምብያ፡ ኵባ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ህንዲ፡ ካዛኪስታን፡ ኬንያ፡ ኪርጊስታን፡ ማዳጋስካር፡ ቀጠር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩስያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሰርብያ፡ ታጂኪስታን፡ ኢማራት ዓረብ፡ ኣመሪካ፡ ኡዝቤኪስታን፡ ቬንዙዌላ፡ ከምኡ'ውን ቬትናም
4. ኣሜሪካከ?
ኣመሪካ ብቫሲሊኪ ካራጊዮርጎስ ተወኪላ።
ንሳ፡ ኣብ ስፖቲፋይ ወርሓዊ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰማዕቲ ኣለውዋ።
ካራጊዮርጎስ መበቆላ ግሪኽ ኰይኑ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዓብያ።
ኣብ መጀመርታ 2010ታት ናብ ኣመሪካ ከም ዝገዓዘት ይግለጽ።
ዝያዳ ብኤሌክትሮኒካዊ ሙዚቃ ትፍለጥ።
ቅድሚ ሕጂ ንመሰላት LGBTQ+ ደገፋ ገሊጻ ነይራ፤ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሻርሎት ፕራይድ 2016፡ ኣብ ኣውስትራልያ ድማ ኣብ ዳርዊን ፕራይድ 2023 ምርኢት ኣቕሪባ ነይራ።
ንሳ ንኻልእ ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ፡ ደራፋይን ኣፍራዪን ብራንደን ሃዋርድ ተኪኣቶ።
ንሱ ድሕሪ ደጊም "ብሰንኪ ስድራቤታዊ ምኽንያት" ኣብ ኢንተርቪዥን ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ።
"እዚ ለውጢ ብዛዕባ ኢንተርቪዥንን ተሳትፎ ኣመሪካን ብዙሕ ይነግረና፡" ይብል ዶክተር ቩለቲክ።
"ብድሕሪ ተሳትፎ ኣመሪካ፡ ዝዀነ መንግስታዊ ትካል ኣመሪካ ወይ ዝዀነ ህዝባዊ ትካል ከም ዘየለ ርዱእ ኰይኑ ኣሎ።"
ቫሲ ኣብ ኢንተርቪዥን ብምስታፋ ዋላ'ኳ "ምስዚ ፖለቲካዊ ፕሮጀክት ቭላድሚር ፑቲን ብምትእስሳር ዝናኣ ክጽሎ ተኽእሎ እንተሃለወ፡ እገዳ ግን ኣይገጥማን፡" ይብል ዶክተር ቩለቲክ።
ሓደ ኣውስትራልያዊ ስነጥበባዊ ንኣመሪካ ወኪሉ ምርኢት ከቕርብ ዘይተለምደ ክመስል ይኽእል እዩ፤ ዩሮቪዥን ግን ሓደ ዜጋ ዘይኰነ ሰብ፡ ንኻልእ ሃገር ወኪሉ ክወዳድ ኣይኽልክልን።
5. ውድድራት ደርፊ ብኸመይ'ዮም ጀሚሮም?

ምንጪ ስእሊ, Polish National Digital Archives
እዚ ኣብ 1956 ግብረ መልሲ ዩሮቪዥን ኰይኑ ዝተወደበ ምብራቓዊ ዋልታ እዩ።
ኢንተርቪዥን፡ ካብ 1965 ክሳብ 1968 ኣብታ ሽዑ ቼኮዝሎቫክያ እትበሃል ዝነበረት ሃገር ተኻይዱ።
ካብ 1977 ክሳብ 1980፡ ካብ ጃፓን፡ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጽኡ ተሳተፍቲ ዝርከቡዎም ተወሳደርቲ ይዕደምሉ ነይሮም።
ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ሩስያ፡ ኣብ 1994 ኣብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ተጸንቢራ።
ሩስያ ኣብ 2008 ኣብ ዩሮቪዥን ተዓዊታ።
ድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ኣአንጊዳቶ።
ኣብ 2014 ኦስትርያ ተዓዊታ። ኣብቲ እዋን ሩስያ ንክሪሚያ ብምጕባጣ ዓለምለኻዊ ኵነኔ ይበጽሓ ነይሩ።
ሽዑ፡ ኢንተርቪዥን ዳግማይ ንምጅማር መደባት ክትውድብ ጀሚሩ።
እዚ መደባት እዚ ግን ዋላ ሓንቲ ውጽኢት ስለ ዘይረኸበ፡ ሩስያ ክሳብ 2017 ኣብ ዩሮቪዥን ምስታፍ ቀጺላ።
ሩስያ ካብ 2018 ክሳብ 2021 ዳግማይ ናብ ዩሮቪዥን ተጸንቢራ።
6. ኢንተርቪዥን ሽልማት ዘለዎ ውድድር ድዩ?
ዘይከምቲ ኣብ ዩሮቪዥን፡ ተዓወትቲ ኢንተርቪዥን ዝዀነ ናይ ገንዘብ ሽልማት ኣይረኽቡን።
ኢንተርቪዥን ኣቐዲሙ ንዝመአጽ ዝቐደመ 30 ሚልዮን ሩብል (360 ሽሕ ዶላር) ከም ዝሽልም ይገልጽ።
ኣብ ኢንተርቪዥን፡ ተዓዋቲት/ቲ ብስቱድዮ ዳያኑ ጥራይ ክምረጽ እንከሎ፡ ኣብ ዩሮቪዥን ግን ብውህደት ነጥብታት ዳያኑን ህዝባዊ ድምጽን እዩ ዝምረጽ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ውድድር ኢንተርቪዥን፡ ተዓወትቲ መብዛሕትኦም ካብ ምስ ሶቭየት ዝተሰለፋ ሃገራት ዝመጽኡ እዮም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







