ሰራሕተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ ብሰንኪ ክብሪ መነባብሮ ኣብ ጐደናታት ለንደን ሰልፊ ኣካይዶም

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣጋጢሙዎም ብዘሎ ምኽባር ናብራ ዝሓሸ ክፍሊት ብምጥላብ ኣብ ፓርላማ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ዝተወደበ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ምስ ክብሪ ዕዳጋ ዝመጣጠን ደሞዝ ክኽፈሎም ይጠልብ።

እቲ ማሕበር ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ርትዓዊ ደሞዝ ክኽፈሉን እቲ ዝተሓተ መጠን ክፍሊት ንሰራሕተኛታት ጉልበት ከኣ ንሰዓት 15 ፓውንድ ክኸውንን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ወሃብ ቃል ክፍሊ ፋይናንስ "ነቲ ጾር ንምፍዃስ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ" ኢሉ ።

እቲ ኣፈኛ ወሲኹ፡ መንግስቲ "ኣብዚ ዓመት ንሸሞንተ ሚልዮን ዝዀና ኣዝየን ትሑት እቶት ዘለውን ስድራ ቤታት ብውሑድ 1,200 ፓውንድ ሓገዝ ገይሩ'ዩ። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ንወጻእታት ጋዝን ኤለትሪክን ዝኸውን 400 ፓውንድ ተሓጊዞም እዮም” ኢሉ።

እቶም ሰልፈኛታት ካብ ፖርትላንድ ፓላስ ሰዓት 12፡00 ተበጊሶም፡ ርትዓዊ ክፍሊት ንሓትት እናበሉ ናብ ኣደባባይ ፓርላማ መሪሾም።

“ናይ ክፍሊት ጋግ ዘይምዕሩይነትን”

ማሕበር ሰራሕተኛታት ብሪጣንያ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምስ ዝቕባበን ክብሪ ዋጋን ክስጉም ስለዘይከኣለ ካብ 2008 ንደሓር ነብሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ዳርጋ ናይ 20,000 ፓውንድ ዓመታዊ ክሳራ የጋጥሞ ከምዘሎ ገምጊሙ።

ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ፍራንሲስ ኦግራዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ድሕሪ 10 ዓመት ዕቤትን ወሰኽን ዘይብሉ ደሞዝ፡ “ ይኣክል- ካብዚ ንላዕሊ ክንጽመም ኣይንኽእል ኢና” ከምዝበሉ ገሊጻ።

"መንግስቲ ክሰምዓና ኢና እንደሊ፣ ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ዝቕባበ ገንዘብ [ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ምንካዩ] ንሳቐ ኣሎና። ናትና ጸገም ኣይኮነን” ኢላ።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, NASUWT

ኣብ ደቡባዊ ለንደን፡ ብሪክስቶን፡ ኣብ ዝርከብ ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ኣባይቲ ዝዓዪ ወዲ 25 ዓመት ቤን ሮቢንሰን ኣብቲ ሰልፊ ነይሩ ።

ገሊኦም ነበርቲ፡ "ንደቆምን እውን ክቕልቡ ኣይክእሉን ዘለው። ወጻኢታት ገዛ ክራይ መውዓዪ ማይን ከቢዱዎም ምርጫ ስኢኖም ይጭነቑ ኣለው" ኢሉ።

መማህራንን ካልኦት ሞያውያንን ዝሓሸ ክፍሊት ንምርካብ ኣብቲ ሰልፊ ተጸንቢሮም ህጹጽ ምላሽ ክወሃቦም ጸዊዖም። እቲ ማሕበር ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ንመምሃራን ዝኽፈል ደሞዝ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ዓመታት ብ19% ወዲቑ’ሎ።

መምህር ስቴፈን ብራውን፡ ንዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ደሞዝና ኣይተወሰኸን፤ ብሰንኩ ከኣ ብዙሓት ካብቶም መሳርሕ ንሞየኦም ከምዝሓደጉዎን እዚ ከኣ ኣብ ተማሃሮ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ሓቢሩ።

ክፍሊ ትምህርቲ (DFE) መምህራንን መራሕቲ ቤት ትምህርትን ንተማሃሮኦም ኣብ ምሕጋዝ ዝገብርዎ ቀጻሊ ጻዕሪ ምስጋንኡ ብምግላጽ ንሓደስትን ምኩራትን መምህራን ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከምዝገብርን መተባብዒ ሽልማት ከምዝህብን ገሊጹ።

ኣፈኛ ክፍሊ ገንዘብ/ ፋይናንስ ብሪጣንያ "ከም ኣካል ናይቲ 37 ቢልዮን ፓውንድ ፓኬጅ እንገብሮ ሓገዝ ካብ ነብሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ዓመታዊ ልዕሊ 330 ፓውንድ ኣብ ሃገራዊ መድሕን ግብሪ ነኪና ኣሎና። እዚ ድማ እቶም ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝሓቱ ሰባት 1,000 ፓውንድ ዝያዳ ገንዘብ ንኽሕዙ የኽእሎም። እዚ ድማ ንወጻኢታት ሃልኪ ነዳዲ ይድግፎም" ክብል ገሊጹ።