እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣብ ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተሳተፉን ን10 ዓመታት ዝተኣስሩ ወንጌላውያን ኣመንቲን ተፈቲሖም
ኣብ መጋቢት 2018፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑ ዝተሳተፉ፡ ከምኡ’ውን ቅድመኡ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ብጉዳይ ቤት ትምህርቲ ኣ’ድያእ ኣልእስላምያ ኣስመራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ መንእሰያትን ሰብኡትን ዝሓለፈ ቀዳም ከም ዝተፈትሑ ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እዚኣቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ዝንረሎም ኣብ ሓሽፈራይ፡ ዓላን መትከል ኣብየትን፡ ብዘይንቡር ክሲን ፍርዲን ብኣልማማ ተዳጒኖም ካብ ዝጸንሑ ኣማኢት ዜጋታታት መወዳእታ ተሪፎም ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ወንጌላውያን ኣመንቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ከምዝተለቐቝ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረጋግጽ።
ኣባል ቦርድ 'ረሊዝ ኤርትራ' ኣቶ ዮውሃንስ ኣሉላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ'ቶም ዝተፈትሑ እተን ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣረጋጊጹ።
እዚኣቶም'ውን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ካብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን ምትእኽኻባትን ተጨውዮም ዝተወስዱ ምዃኖም ይንገረሎም።
ብጉዳይ ቤት ትምህርቲ ድያእ ብዝተላዕለ ናዕብን ሞትን ቀብሪን ሽማግለኣ ሸኽ ሙሳን ብዘተፈጥረ ኵነታት ካብ ዝተኣስሩ ንኣሽቱ ተምሃሮ፡ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን ደቀንስትዮን በብእዋኑ ክፍትሑ ምጽንሖም ተፈሊጡ'ሎ።
እቶም ሕጂ ተፈቲሖም ዘለዉ ሰባት ብልክዕ ክንደይ ምዃኖም'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ካልኦት ኣካየድቲ እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ግን ገና ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ቤት ትምህርቲ ኣ'ድያእ ኣልእስላሚያ
እዛ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣኽርያ ኣስመራ እትርከብ ኣስታት 3 ሽሕ ተምሃሮ ከተምህር ዓቕሚ ዘለዋ ቤት ትምህርቲ እያ።
ኣብ መፋርቕ መስከረም 2017 መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ኵለን ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ - ክትዕጾ፡ ምሕደራኣ ክፈርስን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክትኣቱን ምእዛዙን፡ ነዚ ዝተቓወሙ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝርከብዎም ኵሎም ኣካየድታ ምእሳሮምን ይዝከር።
ሓጂ ሙሳ፡ ነቲ መንግስቲ ዘመሓላለፎ መምርሒ ብምቅዋም፡ ብ20 ጥቅምቲ 2017 ምስ ተምሃሮን ወለድን ኣብ ዝተኣከብሉን ተሪር መደረ ኣብ ዘስምዑሉን እዋን ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተቐይዶም።
እቲ ኣኼባን ብፍላይ ዘረባ ናይቶም ኣቦን፡ ብቪድዮ ክሊፓት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክዘውር ተራእዩ።
እዚ ዝመንቀሊኡ፡ ንኣሽቱ ተምሃሮ፡ መንእሰያት፡ ሰብኡትን ኣንስትን ነበርቲ ኣኽርያ፡ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ድሕሪ ቐትሪ፡ ካብ ኣኽርያ ነቒሉ ንማእከል ጐደናታት ኣስመራ - ኣፍደገ ሚኒስትሪ ትምህርቲ - ዘብጽሕዎ ናዕቢ፡ ብጽዑቕ ተዅሲ’ኳ እንተተበተነ፡ ኣብ ኣኽርያ ጽዑቕ ማእሰርትን ሓለዋን ኣስዒቡ።
ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብታ ርእሰ ከተማ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ብህዝቢ ብዕሊ ክውደብን ክካየድን ናይ መጀመርታ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ነቲ ኣብ መፋርቕ መስከረም 2017 እታ ቤት ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ክትሰጋገር ንዝበጽሓ ዘዋሪ መልእኽቲ፡ 'እዛ ቤት ትምህርቲ ብገንዘብ ህዝቢ ስለዝተሰርሐት ናይ ህዝቢ እውን ስለዝዀነት መንግስቲ ኣይወርሳን እዩ' ኢሎም ከምዝተቓወሙ ሽማግለታትን ኣካየድትን ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ እዮም።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት ኣትሒዙ፡ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ደንቦስኮ፡ ቤት ትምህርቲ ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራን ካልኦትን ኦርቶዶክስ፡ እስልምና፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን እምነት ሚስዮንን ዝመሓደራ ንዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ሃጊሩ እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ እዘን ትካላት ንኣዋጅ ቍጸሪ 73/1995 መሰረት ብምግባር ከም ዝወረሰ እዩ ዝገልጽ።
ከም ሳዕቤኑ...
ሓጂ ሙሳ፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ፡ ኣብ መበል 93 ዕድመኦም፡ ኣብ መጋቢት 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ከም ዝዓረፉን ኣብቲ ዕለት ዝተፈጸመ ስነስርዓት ቀብሮም ተወሳኺ ዕግርግርን ኣልማማ ማእሰርትን ኣስዒቡ ነይሩ።
እቶም ሬሳ ሓጂ ሙሳ ዘሰነዩ መንእሰያት፡ ካብ መንበሪ ገዛኦም ኣኽርያ ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዘሎ መስጊድ እናተጓዕዙ፡ ፓሊስ ብቐጥታ ናብ መቓብር ክኸዱ’ኳ እንተሓበርዎም፡ ፈንጢሶም ድሕሪ ምሕላፍ ናብቲ መስጊድ ኣትዮም።
ብድሕሪ'ዚ፡ ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን ምስተፈጸመ፡ ተዳልዮምን ነቲ መቓብር ብዙርያ ከቢቦም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ብፍላይ ነቶም መንእሰያት ዝዀኑ ካብቲ ቀጽሪ ከም ዘይወጹ ብምግባር፡ ኣብ በጣሓት ዳጕኖም፣ ፈለማ ናብ ዓዲኣበይቶ ከም ዘእተውዎምን በብእዋኑ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማ'እሰርቲ ፋሕ ከምዘበልዎምን ኣብ ግዜኡ ተቓሊሑ ምንባሩ ይዝከር።
በዚ ጉዳይ፡ ተምሃሮ ዝነበሩ ክሳብ 8 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ከይተረፈ ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ዝኸውን ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ከም ዝተሳቐዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣባል ምንቕስቓስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኰይኖም ከምዝተቓለሱ መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣባል ኮሚሽን ረፈረንደምን ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራን ዝነበረ ሓዎም፡ ገዲም ተጋዳላይ ዶ/ር ጣሃ መሓመድኑር እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተ ይዝከር።
ብድሕሪ እቶም ስሙይ ኣቦ ሓጂ ሙሳ ምእሳሮምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምማቶምን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ወቐሳን ነቐፌታን ስዒቡ እዩ፤ እንተዀነ መንግስቲ ሽዑ እውን ዝዀነ ምላሽ ኣይሃበን።
ብዘይካ’ዚ...
ኣብ መፋርቕ መጋቢት 2023፡ ልዕሊ 170 ምዃኖም ዝተገልጸ፡ ተምሃሮን መምህራንን “መንፈሳዊ ኮሌጅ ነገደ መለኮት ደብረሲና” ዕዳጋ ሓሙስ ኣስመራ፡ ብጅምላ ተወሲዶም ኣብ ዓዲኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ካብ ቤተሰብን፡ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቲ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረን፡ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዝመሓደር ዝግለጽ መንፈሳዊ ኮለጅ፡ ሓያለ ተምሃሮ ከምዘፍረየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝተገብረ ኣልማማ ማእሰርቲ ምዕጻው እቲ ቤት ትምህርትን ግን መበገሲኡ ብንጹር ኣይተፈልጠን።
“መዓልቱ ብልክዕ ዘይፈለጥኩዎ፡ ግን ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ትምህርቲ ከለዉ እንዳ ጸጥታ መጺኦም፡ እንተላይ ንመምህራኖም ኣኪቦም ዓዲኣቤቶ ኣእትዮሞም፡” ዝበለ ሓደ ሓው ዝተኣስሮ ወሃቢ ሓበሬታ፡ “መግቢ ነብጽሓሎም ኢና፣ ምርኻብ ግን ኣይፍቀድን፤ ኣርባዕተ ወርሒ ኰይኑ ድማ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት፣ ኣብ ከመይ ኵነታት እዮም ዘለዉ፡ ምንም ዝተሓበረና የለን - ጨኒቝና እዩ ዘሎ፡” ክብል ኣምሪሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ፡ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ባጽዕ፡ “መንፈሳዊ መዛሙር ኣብ ምስራሕን፡ ዝዛመድ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን ዝነበሩ ወንጌላውያን መንእሰያት፡” ብእኩብ ተወሲዶም ተኣሲሮም ከም ዘለዉን ደሃዮምን ኵነታቶምን ከምዘይፍለጥ፡ ካልእ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ምንጪ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብግህሰት ናጽነት እምነት ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብተን ፍቝዳት ዝብለን ሃይማኖታት ከይተረፈ ኢዱ ከም ዘእቱን ፡ “ናጻ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰዓብተን” ከም ዝኣስርን ብተደጋጋሚ ዝግለጽ እዩ።
መንግስቲ ነቶም “ብዘይካ እምነቶም ካልእ በደል ዘይብሎም” ኣብ ፈቘዶ ኣብያተ ማእሰርትን ኮንተይነራትን ተኣሰሮም ዘለው ዜጋታት ክፍትሕ ተደጋጋሚ ለበዋታት ይቐርብ እዩ።
ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ጭብጥታት’ኳ እንተዘየቕረቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፡ እተን ኣብያተ ኣምነታትን ሰዓብተንን ብደገ ከም ዝምወላን መሳርሒ መንግስታት ወጻኢ ምዃነን ክኸሱ ይስምዑ።