መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ፕረዚደንት ኤርዶዋን ብዘቕረበሎም ዕድመ ክዘራረቡ ናብ ቱርኪ ኣትዮም

ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሑ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ካብ መንግስቲ ቱርኪ ዝቐረበሎም ዕድመ ስዒቡ ዝርርብ ከካይዱ ናብ ኣንካራ ከምዝኣተው ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙርያ ዝርርብ ንምክያድ ብሰሉስ ናብ ቱርኪ ከምዝተበገሰ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶማል - ሶና - ጸብጺቡ።
ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ልኡኹ ናብ ቱርኪ ከምዝኣተወ ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ ኣሎ። ይኹን'ምበር ምስ መራሒ ሶማል ዝርርብ ከምዝካየድ ኣይጠቅስን።
ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ክልተኣዊ ዝርርብ ከምዘካየዱ እንተዘይኰይኑ ብዛዕባ እቲ ምስ መራሒ ሶማል ዝካየድ ዝርርብ ኣይገልጽን።
ክልቲኦም መራሕቲ እንተተራኺቦም ግን ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ'ተን ሃገራት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ብደረጃ መራሕቲ ዝካየድ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ክኸውን እዩ።
ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝካየድ ዝርርብ፡ ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ መረጋገጺ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት መልሲ ኣይረኸበን።
ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝሓለፈ ዓመት ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራመን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ እናተበኣኣሰ ካልኦት ሃገራት ድማ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኢደን የእትዋ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ሶማልያ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቖጽራ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ብምሃብ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ድሌት ከምዘለዋ ክግለጽ ጸኒሑ'ሎ። ነዚ ስዒቡ ከኣ 'ኢትዮጵያ ንልኡላውነተይ ትጥሕስ ኣላ' ክትብል ሶማልያ ትኸስስ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘይምርድዳእ ዘስዓበ ስምምዕነት ሶማሊላንድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ምስተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ነይሩ። ዛጊት ግን ብዛዕባ ግብራውነቱ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተብሃለ ነገር የለን።
ሶማልያ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ጥርዓን ካብ ምቕራባ ብተወሳኺ፡ ምስታ ብሰንኪ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክትዕ እትርከብ ግብጺ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ኣብ ዘኽእላ ስምምዕ ምብጽሓ ይዝከር። እቲ ወጥሪ ድማ እናገደደ ከይዱ።
ብዘይካ'ዚ ሶማልያ ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምስጓጕ ንኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰሓበቶ ይዝከር። ንዓመታት ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ኣብ ዝጸንሐ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ካብ ግዝኣታ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ሓቲታ።
ቱርኪ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ዙር ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ብምምራሕ ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ከምዝፈተነት ይዝከር። ሕጂ ድማ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብመንገዲ ፕረዚደንት ቱርኪ ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር።
ማዕከን ዜና መንግስቲ ሶማልያ ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብዕድመ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ብሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣንካራ ኣምሪሑ'ሎ።
ቱርኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ክልተ ዙር ዝርርብ ብምክያድ ንኽልቲአን ሃገራት ንምቅርራብ እኳ እንተፈተነት ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።
ሕጂ ብፕረዚደንት ኤርዶጋን ኣቢሉ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘተ ሳልሳይ ዙር ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ነገር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







