እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ኢትዮጵያ ዘይተሰማምዑ ኣለቃሕቲ፡ "ሕጋዊ ኣማራፂ" ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቖም
ኢትዮጵያ ኣብ እዋና ዘይከፈለቶ ዕዳ ሓደ ቢልየን ዶላር ዩሮ ቦንድ ዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ምኒስተር ገንዘብን ውልቀ ኣለቃሕትን ክካየድ ዝፀንሐ ዘተ ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።
ምኒስተር ገንዘብ ኣብቲ ንመዓልታት ዝተኻየደ ዘተ፡ "ርኡይ ምምሕያሽ" ከም ዝተርኣየ'ኳ እንተ ገለፀ፡ ኮሚቴ እቶም ኣለቃሕቲ ግና "ሕጋዊ ኣማራፂ" ክኽተል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እቲ ምኒስተር፡ ኵነታት ኣከፋፍላ እቲ ልቓሕ ንምስትኽኻል ክካየድ ዝፀንሐ ዘተ ብዘይስምምዕ ከም ዝተዛዘመ ብ04 ጥቅምቲ 2018 (ግ) ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብ 15 መስከረም ክሳብ 03 ጥቅምቲ ዝተኻየደ እዚ ዘተ፡ ግዜ ገደብ ተቐሚጥሉ ዝተኻየደ'ዩ። ኢትዮጵያ 6.625 ሚእታዊት ዓመታዊ ወለድ ዝኽፈሎን ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ምሉእ ብምሉእ ዝምለስን ቦንድ ሓደ ቢልየን ብር ንመሸጣ ዘቕረበት፡ ኣብ 2007 እዩ ነይሩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ሓምለን ታሕሳስን ክኸፍል ትፅቢት ዝግበሮ ወለድ ክሳብ 2015 ክኸፍል'ኳ እንተ ፀንሐ፡ ካብ ታሕሳስ 2016 ጀሚሩ ግና ነዚ ግዴትኡ ኣይተዋፅአን።
ብተወሳኺ፡ እቲ ቦንድ ኣብ 2017 ምሉእ ብምሉእ ክምለስ'ኳ እንተ ነበሮ፡ እዚ'ውን ኣይተፈፀመን።
ኢትዮጵያ እቲ ቦንድ ኣብ ዝምለሰሉ ኵነታትን ተዛመድቲ ጉዳያትን መስተኻኸሊ ክግበር ምስ ኣለቃሕቲ ተደጋጋሚ ዝርርባት ኣካይዳ'ያ።
ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ዘተ፡ ልኡኽ ኢትዮጵያ ንኣማኻሪ ሕጊ 'ዋይት ኤንድ ኬዝ'ን 'ላዛርድ' ዝተባህለን ኣማኻሪ ፋይናንስን ሒዙ'ዩ ቀሪቡ።
ኣብዚ ዘተ ኣብ ኣከፋፍላ እቲ ቦንድ ዝምልከት፡ ኢትዮጵያ ፋልማይ ትልማ ዘቕረበት ክትከውን ከላ፡ እቲ ኮሚቴ'ውን ናይ ባዕሉ ትልሚ ብምቕራብ ምላሽ ሂቡ። ብምቕፃል ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ዝበለቶ ናይ ልቓሕ ኣከፋፍላ መስተኻኸሊ ኣቕሪባ፣ እቲ ኮሚቴ'ውን ተመሳሳሊ ገይሩ።
ኢትዮጵያ ኣብ እዋን እቲ ዘተ፡ ንዅሎም ኣለቃሕቲ ብማዕረ ንምትእንጋድ ብዝሓዘቶ መርገፂ ፀኒዓ ከም ዝቐፀለት፡ ምኒስተር ገንዘብ እታ ሃገር ዘውፅኦ መግለፂ የመልክት።
ምኒስተር ገንዘብ ኣብ ታሕሳስ 2016 ትፅቢት ዝግበረሉ ወለድ ከይከፈለ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ ኣብ ዝሓለፈሉ እዋን'ውን፡ እዚ መርገፂ ከም ምኽንያት ጠቒሱ ነይሩ።
ብምኽንያት ሓባራዊ መስርሕ ጕጅለ 20፡ ካብ ከም ቻይና ዝኣመሰላ ኣለቃሕቲ ሃገራት ኣብ ኣከፋፍላ ግዜ ዕዳ ንምርካብ ኣብ ዝርርብ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኵሎም ኣለቃሕቲ ኣብ ዝህሉ ርክብ "ስሩዕነትን መዓርነትን ምርግጋፅ" ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣለቃሕቲ ቦንድ ክኽፈል ዝነበሮ ወለድ ንምድንጓይ ዝወሰነ፡ እዚ ውዕል ብስሩዕ ኣካይድኡ ምቕፃል ዕረፍቲ ክህብዎ ምስ ዝሓተቶም፡ "ካልኦት ናይ ደገ ኣለቃሕቲ ንዝገብሮ ዝርርብ ናብ ሓደጋ ከእትዎ'ዩ፡" ብዝብል እዩ።
እቲ ዘተ ንሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ኣካላት ብዘይምስምምዖም ከም ዝተቛረፀ ምኒስተር ገንዘብን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ምኒስተር፡ "ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ምብፃሕ እንተ ዘይተኻእለ፡ ኢትዮጵያ ርኡይ ምምሕያሽ ከም ዝተመዝገበ ትኣምን፡" ኢሉ።
"ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንዘሎ ክፍተት ንምፅባብ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝርርባት ክቕፅሉ፡" ከም ዝትስፎ ገሊፁ።
ኮሚቴ ኣለቃሕቲ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ "መማሐየሺ ዝተገበረሉ" ካልእ ትልሚ እንድሕር ተቕርብ ኰይና ንምዝታይ፡ "ቍሩብ" ምዃኑ ምግላፁ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ስምምዕ ከይበፅሑ ካብ ዝደረኹ ጉዳያት ሓደ፡ ውልቀ ኣለቃሕቲ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት ማዕረ ክረኣዩ ኣለዎም ዝብል መርገፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።
እቲ ኮሚቴ፡ ኣብዚ ሰዓት እቲ ዘተ ኣብ "ፍረ ኣልቦ" ደረጃ እዩ ዘሎ ናብ ዝብል ድምዳመ ከም ዝበፅሐ ተዛሪቡ። "ንሕጋዊ ስጕምቲ ሓዊሱ ካልኦት ኣማራፂታት ይዕዘብ፡" ከም ዘሎ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ መስተኻኸሊ ትልሚ እንታይ ነይሩ?
ምኒስተር ገንዘብ፡ እቲ ዘተ ብዘይስምምዕ ከም ዝተዛዘመ ኣመልኪቱ ዘውፅኦ ብዓል 14 ገፅ መግለፂ፡ ልኡኽ ኢትዮጵያን ኮሚቴ ኣለቃሕትን ዘቕረብዎም ትልምታት መስተኻኸሊ ልቓሕ ዝሓዘ እዩ።
ሓበሬታ ምኒስተር ገንዘብ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣለቃሕቲ ንዝበዝሕ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ መስተኻኸልታት ዝተቐበሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ድማ ኣገዳሲ መስተኻኸሊ ክግበር ድሌት ኣለዎም።
ምኒስተር ገንዘብ ካብ ዘቕረቦም ነጥብታት ሓደ፡ ናይ ሓደ ቢልየን ዳላር ቦንድ ዋጋ ንኽንኪ ዝሓትት እዩ። 'haircut' ብዝብል ዝፍለጥ እዚ ምንካይ፡ ሃገራት ዘቕረብኦ ቦንድ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ኣብ ዝንክየሉ እዋን ተግባራዊ ዝግበር እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ናይ ሓደ ቢልየን ዶላር ቦንድ ዋጋ 15 ሚእታዊት ምንካይ ተገይሩ፡ ጠቕላላ ናብ ኣለቃሕቲ ዝምለስ ገንዘብ 850 ሚልየን ዶላር ንክኸውን ሓቲታ።
ንኣለቃሕቲ ዝቐረበ ትልሚ ከም ዝሕብሮ፡ መንግስቲ ኣብ ታሕሳስ 2016 ብዘይምኽፋሉ፡ ንዝተጠራቐመ ጠቕላላ ወለድ 99.3 ሚልዮን ቅድሚ ምኽፋሉ፡ ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ቦንድ ክሰማማዕ ይደሊ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምሉእ ብምሉእ ክምለስ ዝነበሮ ቦንድ ዝኽፈለሉ ግዜ ምእንቲ ክናዋሕ፡ ኣብ ታሕሳስ 2017 ሓድሽ ውዕል ክፍፀም ሓቲቱ'ዩ።
ምኒስተር ገንዘብ፡ እቲ ሓድሽ ስምምዕ ቦንድ ካብ ጥሪ 2018 ጀሚሩ ተግባራዊ ምዃን ክጅምርን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣብ 2021 ንኽዛዘምን ድሌት ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ እዞም ዓመታት፡ ብሰለስተ ግዜ ክፍሊት ነቲ 850 ሚልየን ዶላር ከፊሉ ንምውዳእ እዩ መዲቡ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓምለ እቲ ፈላማይ 350 ሚልየን ዶላር ዝኽፈል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 2020 ሓምለ ድማ ተመሳሳሊ መጠን ዘለዎ ክፍሊት ይፍፀም። እቲ ዝተረፈ 150 ሚልየን ኣብ ሓምለ 2021 ንክኸውን ተሓቲቱ።
እቲ ሓድሽ ስምምዕ ቦንድ ተግባራዊ ኣብ ዝዀንሉ ዓመታት፡ ኣለቃሕቲ ወለድ ይረኽቡ። ይዅን'ምበር መንግስቲ ክሳብ እዚ ግዜ'ዚ ተግባራዊ እናዀነ ዝመፅአ 6.625 ሚእታዊት ዓመታዊ መጠን ወለድ ንኽንኪ ይደሊ። ምኒስተር ገንዘብ 6.125 ሚእታዊት ሓድሽ መጠን ወለድ እዩ ኣቕሪቡ ዘሎ።
ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወፃኢ ንግዲ ኣፈፃፅምኣ ዝዛመድ ክልተ ከይድታት ክፍሊት ኣብ ትልማ ኣካቲታ።
ካብዚኦም ከይድታት እቲ ሓደ፡ 'Value Recovery Instrument' ዝበሃል መስርሕ እዩ። እዚ ኣሰራርሓ ዋጋ ቦንድን መጠን ወለድን ዝተነከየሎም ከምኡ'ውን ግዜ ክፍሊት ዝተናወሐሎም ኣለቃሕቲ፡ ተወሳኺ ረብሓ ክረኽቡ ዘኽእል እዩ።
ኮሚቴ ኣለቃሕቲ ንኢትዮጵያ ፈላማይ ትልሚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዩ እዚ መስርሕ ቀሪቡ። ምኒስተር ገንዘብ'ውን ናይ መወዳእታ ትልሙ ኣብ ዘቕረበሉ'ውን ነዚ ኣሰራርሓ ኣካቲትዎ።
ብመሰረት ትልሚ ምኒስተር ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 2019 ክሳብ 2028 ኣብ ዘለዉ ትሽዓተ ዓመታት ዝህልዋ ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ሰደድ ካብ ግምት ትካል ገንዘብ ዓለም ዝለዓለ እንተዀይኑ፡ ኣለቃሕቲ ተወሳኺ ገንዘብ ይኽፈሎም።
ኣብዞም ዓመታት ንኣለቃሕቲ ዝኽፈል ገንዘብ፡ ብተወሳኺ ካብ ኣታዊ ሰደድ ዝተረኸበ ኣስታት 1.5 ሚእታዊት እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ባጀት ዓመት ዝኽፈል ገንዘብ ካብ 30 ሚልየን ዶላር ከም ዘይበልፅ ትልሚ ምኒስተር ገንዘብ የመልክት።
ብጠቕላላ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመታት ዝኽፈል ገንዘብ'ውን፡ ካብ 180 ሚልየን ዶላር ንኸይበልፅ ካልእ ገደብ ተነቢርሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስዚ ኣዛሚዱ ዘቕረቦ ካልኣይ መስርሕ፡ ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ባጀት ዓመት 2020 ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ንታሕቲ እንተዀይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሳልሳይ ዙር ትኸፍሎ 150 ሚልየን ዶላር ክፍሊት ንኽንኪ ዝሓትት እዩ።
ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ እታ ሃገር ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ትሕቲ 95 ሚእታዊት እንተዀይኑ፡ መንግስቲ ክፍፅሞ ዝግባእ ናይ መወዳእታ ዙር ክፍሊት፡ ናብ 100 ሚልየን ዶላር ትሕት የብሎ።
እቲ ኣፈፃፅማ ትሕቲ 85 ሚእታዊት እንተዀይኑ ድማ መጠን ዝኸፍሎ ክፍሊት 50 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ይኸውን።
ምላሽ ኮሚቴ ኣለቃሕቲኸ እንታይ ነይሩ?
ንኣለቃሕቲ ዝወከለ ኮሚቴ፡ ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ስምምዕ ቦንድ ተቐቢልዎ።
እቲ ቦንድ ዝፀንሓሉ ግዜ ክሳብ 2021 ምንዋሕ፣ ኣብ ሰለስተ ዙር ክፍሊት ዕዳ ምምላስ ምፍፃም፣ ከምኡ'ውን መጠን ወለድ ናብ 6.125 ሚእታዊት ምንካይ ዝብሉ እቲ ኮሚቴ ዝተቐሎም ነጥብታት እዮም።
ዋጋ ቦንድ ናብ 15 ሚእታዊት ክንኪ ንዝቐረበ ትልሚ፡ ኣብ ፈለማ ተቓዊምዎ'ኳ እንተ ነበረ ደሓር ተቐቢልዎ።
እቲ ኮሚቴ ኣብ ትልሚ ኢትዮጵያ ካብ ዝተኻተቱ ምስ ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ ዝዛመዱ ኵነታት ክፍሊት ድማ ብሓሳብ'ኳ እንተ ተቐበሎም፡ ኣብ ኣሰራርሓ ግና ናይ ባዕሉ መስተኻኸሊ ኣቐሚጡ።
እቲ ኮሚቴ፡ ልዕሊ ትልሚ ዝዀነ ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ፡ ንኣለቃሕቲ ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ናይ ተወሳኺ ሰደድ 4.75 ሚእታዊት ክኸውን ሓቲቱ። እዚ ናይቲ ኮሚቴ ትልሚ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘቕረበቶ ብኽልተ ዕፅፊ ዝዓቢ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣለቃሕቲ እዚ መስርሕ ናብ ድሕሪት ተመሊሶም ካብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 2017 ክጅምርን ክሳብ 2028 ን11 ዓመታት ክፀንሕን ሓቲቶም።
ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ካብ ሰደድ ዝረኸበቶ ኣታዊ 8.3 ቢልየን ዳላር ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ ካብ ትልሚ መንግስቲ ብ82 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ።
ኣለቃሕቲ፡ ኣብ 2017 ካብ ዝተመዝገበ ትልሚ ንላዕሊ ዝዀነ ኣፈፃፅማ፡ ገደብ ዝኽፈሎም ተወሳኺ ገንዘብ 65 ሚልየን ዶላር ክኸውን ይደልዩ። እዚ ድማ ዕፅፊ ናይቲ ምኒስተር ገንዘብ ዘቐመጦ ዓመታዊ ገደብ 30 ሚልየን ዶላር እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ እዞም 11 ዓመታት በዚ ኣሰራርሓ ኣብ ዝረኽብዎ ገንዘብ ዝተነበረ ገደብ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘቕረበቶ 180 ሚልየን ናብ 400 ሚልየን ዶላር ክብ ክብል ሓቲቶም።
ኮሚቴ እቶም ኣለቃሕቲ፡ ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ባጀት ዓመት 2020 ትሑት ዝኸውን እንተ ኰይኑ፡ ተግባራዊ ኣብ ዝኸውን ኣሰራርሓ ናይ ባዕሉ መስተኻኸሊ ኣቐሚጡ።
ናይ መወዳእታ ዙር ክፍሊት ናብ 100 ሚልየን ዶላን 50 ሚልየን ዶላርን ትሕት ንኽብሉ ዝግበረሎም ኵነታት ዝተቐበለ እቲ ኮሚቴ፡ እዚ ኣሰራርሓ ግና ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ሰደድ ኣፈፃፅማ ጥራሕ ዝተመስረተ ከይኸውን ሓቲቱ።
የግዳስ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2020 ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ዓመታት ዝምዝገብ ኣፈፃፅማ ኣርባዕተ ዓመታት ንስልሒት (ቅማረ) ንክቐርብ ዘለዎ ድሌት ኣብ ዘቕረቦ ትልሚ ኣስፊሩ።