'ሄፓታይተስ ከም ዘለኒ ምስተነገርኩ፡ ሽዑ ዝመውት'ዩ መሲሉኒ'

ምንጪ ስእሊ, Lien Tran
"ዝመውት ዘለኹ መሲሉኒ፣ ኣዝየ እየ ፈሪሐ ነይረ”።
ቬትናማዊት ላይን ትራን፡ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ ኰይና ሕማም ሄፓታይተስ ቢ ከም ዘለዋ ዝፈለጠትላ መዓልቲ፡ ፈጺማ ኣይትርስዓን።
“ኣብ ቬትናም፡ ሄፓታይተስ ቢ፡ 'ነድሪ ጸላም ከብዲ' ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ እዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
“ኣብ ሽዱሽተ ዓመተይ፡ እኖ ሓጎይ ብመንሽሮ ጸላም ከብዲ ሞይታ፤ ናተይ ዕጫ እውን ከምኡ ዝኸውን'ዩ መሲሉኒ ነይሩ።”
እንተዀነ ድሮ 20 ዓመታት ሓሊፉ፤ ላይን ድማ ብዛዕባ ሄፓታይተስ ዝበሃሉ ግጉያት ሓበሬታታትን ምግላልን ንምእራም ትቃለስ ኣላ።
እቲ ሕማም ኣለካ ማለት ከምቲ መጀመርታ ዝመስላ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ከምዘይኰነ እውን ትገልጽ።
ሄፓታይተስ እንታይ እዩ?
ሄፓታይተስ ሓፈሻዊ መጸውዒ ነድሪ ጸላም ከብዲ እዩ።
ኤ፡ ቢ፡ ሲ፡ ዲ ን ኢን ዝበሃሉ ልሙዳት ዓይነታት እቲ ሕማም ድማ፡ ነናይ ባዕሎም ብዝዀኑ ረኽሲታት ቫይረስ ዝብገሱ እዮም።
ከበድቲ ረኽሲታት ሄፓታይተስ ቢ ን ሲ ን በሰላ ጸላም ከብድን መንሽሮ ጸላም ከብድን ከስዕቡ ይኽእሉ።
ዝርገሐ ሄፓታይተስ እንታይ ይመስል?
ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ 30 ካልኢት፡ ብውሑድ ሓደ ሰብ ብሄፓታይተስ ይመውት።
በዚ መሰረት በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ይሞቱ ማለት እዩ።
እዚ ድማ ብሕማማት ኤችኣይቪን ዓሶን ተደሚሩ ካብ ዝሞቱ ሰባት ይበዝሕ።
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 350 ሚልዮን ሰባት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ሄፓታይተስ ከምዝተሓዙ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክቱ።
ብዛዕባ ሕማም ሄፓታይተስ ግንዛበ ንምፍጣር፡ ንምክልኻልን ምሕካምን ዓሊሙ በብዓመቱ 28 ሓምለ መዓልቲ ሄፓታይተስ ይኽበር እዩ።
“ካብቶም ምስ ሄፓታይተስ ቢ ዝብሩ ኣስታት 296 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ኰይኖም፡ 14 ሚልዮን ኣብ ኣውሮጳ፡ 5 ሚልዮን ድማ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ይርከቡ” ይብል ፈጻሚ ዓለማዊ ጥምረት ሄፓታይተስ ኬሪ ጄምስ።
ሄፓታይተስ ብምንታይ ይመጽእ? ምልክታቱኸ እንታይ እዮም?
ሄፓታይተስ መብዛሕትኡ እዋን ብረኽሲ ቫይረስ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ንኬሚካላት፡ ኣልኮላዊ መስተታትን እጻትን ምቅላዕ ከምኡ እውን ብጀነቲካዊ ጸገማት ክስዕብ ይኽእል።
ዝበዝሑ ሕሙማት ሄፓታይተስ ቀልጢፎም ምልክታት ኣየርእዩን እዮም።
እቲ ዝበዝሕ ምልክት ክረኣዮም ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።
ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ካብ ዝዘርዘሮም ምልክታት እዚ ሕማም፡ ረስኒ፡ ድኻም፡ ምስኣን ሸውሃት፡ ስግድግድ (ዕውልውል)፡ ተምላስ፡ ቃንዛ ከብዲ፡ ጽልም ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ሽንትን ቃንዛ መላግቦን ይርከብዎም።
ማሕበረሰባዊ ምግላል
ላይን ኣብ ሰሜናዊ ቬትናም ካብ ሓደ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ስድራ እያ ተወሊዳ።
ኣብ ምረቓኣ ኣብ ኣውሮጳ ተወሳኺ ትምህርቲ ክትረክብ ዝሕግዝ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ።
ኰይኑ ግን ናብ ወጻኢ ንምኻድ ሕክምናዊ ምርመራ ኣብ ዝገበረትሉ፡ ሄፓታይተስ ከምዘለዋ ፈሊጣ።

ምንጪ ስእሊ, Lien Tran
“እቲ ዶክተር ሄፓታይተስስ ስለዘለኒ ናብ ወጻኢ ክኸይድ ከምዘይክእል ነጊሩኒ” ትብል።
ላይን፡ ሕማማ ክትዛረብ ስለዘይደለየት ብቤተሰባዊ ምኽንያታት ነቲ ዕድል ትምህርቲ ከምዝገደፈቶ ነቶም ነቲ ዕድል ዘቕረቡላ ነጊራቶም።
"ኣብ ቬትናም ብዙሕ ኣድልዎን ምጕናይን ነይሩ፤ ሄፓታይተስ ከምጽዩፍ ነገር ይረአ ነይሩ። ሰባት ምስ ኤችኣይቪ የተኣሳስርዎ ነይሮም፡” ትብል።
ሄፓታይተስ ቢ ብቐሊሉ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ንሳ ድማ ኣብቲ እዋን ኣይተመርዓወትን ነይራ።
ኣብቲ እትነበረትሉ ማሕበረሰብ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ከም ነውሪ እዩ ዝቝጸር።
“ሄፓታይተስ ኣብቲ ማሕበረሰብ ብጽቡቕ ከምዘይርአ ተሰሚዑኒ፣ ስለዚ ንዝዀነ ሰብ ዘይምዝራብ መሪጸ።"
ላይን በቲ ካብ ሓኪማ ዝረኸበቶ ሕክምናዊ ምኽሪ ከምዘይዓገበት እያ እትገልጽ።
ሄፓታይተስ እንታይ ዓይነት ሕክምና ኣለዎ?
ድሕሪ ምረቓ ጽቡቕ ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ዝረኸበት ላይን፡ ንኣደኣ ናብ ምርመራ ክትወስዳ ወሲና።
እቲ ምርመራ ነቲ ዝፈርሓቶ ዘረጋግጽ ነይሩ። ኣደኣ እውን እቲ ሕማም ተረኺብዋ።
"ውጽኢት እቲ ምርመራ ምስነገርክዋ፡ ናባይ እናረኣየት ክምእትፈልጥ ነጊራትኒ። ናዓይ ነፍሰጾር ኣብ ዝነበረትሉ ዝፈለጠት እመስለኒ።”
“ክሳብ ባዕለይ ዝፈልጦ ከይነገረትኒ ምጽናሓ ድማ ንርእሳ ወቒሳ።”
እንተዀነ ኣደኣ መዓልታዊ ጸረቫይረስ መድሃኒት ትወስድን፡ ቀጻሊ ምርመራታት ትገብርን ነይራ።

ሄፓታይተስ ማዕረ ክንደይ ተላጋቢ እዩ?
ዝተበከለ ደም ምቕባል፣ ብዝተበከሉ ሕክምናዊ ኣቝሑ ዝካየድ ሕክምና፣ ኣብ እዋን ወሊድ ካብ ኣደ ናብ ህጻንን ከምኡ'ውን ጾታዊ ርክብ ሄፓታይተስ ዝመሓላለፈሎም ልሙዳት ጠንቂታት እዮም።
ላይን ቅድሚ መርዓኣ ንሕጹያ ሄፓታይተስ ከምዘለዋ ነጊራቶ። ይሕግዛ ከምዝነበረ እውን ትገልጽ። ተመርዕዮም ድማ ወሊዶም።
“እቲ ሕማም ካብ ኣደ ናብ ህጻን ከምዝሓልፍ ፈሊጠ። ደቀይ መከላኸሊ ከም ዝረኽባ ገይረ። ሕጂ ክልቲአን ካብቲ ሕማም ናጻ እየን።”
ክታበት ሄፓታይተስ ኣሎ ዶ?
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 296 ሚልዮን ሰባት ብከቢድ ሄፓታይተስ ቢ ዝተታሕዙ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣደ ናብ ህጻን ዝተመሓላለፉ እዮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሓበሮ፡ ኣብ 2019 ጥራሕ፡ ሄፓታይተስ ቢ ጠንቂ ሞት 820,000 ሰባት ኰይኑ እዩ።
ንሄፓታይተስ ቢ ካብ 98 ክሳብ 100 ሚእታዊት ዝከላኸሉ ክታበታት ከምዘለዉ እዩ እቲ ውድብ ዝገልጽ። ብሄፓታይተስ ዲ ዝከላኸል ክታበት ግን የለን።
ክታበት ሄፓታይተስ ቢ ንረኽሲ ሄፓታይተስ ዲ ዝከላከል ኰይኑ፡ ሄፓታይተስ ኤ እውን ናይ ባዕሉ ክታበት ኣለዎ።
ንሄፓታይተስ ሲ ዝኸውን ክታበት እውን ኣብዚ እዋን የለን።
ገለ ጸረቫይረስ ክኒናታት ግን ካብ ኣስታት 90 ሚእታዊት ሰባት ነቲ ረኽሲ ናይ ምውጋድ ዓቕሚ ኣለዎም።
ንሄፓታይተስ ኢ ዝምልከት ድማ፡ ቻይና ንክታበቱ ኣፍልጦ ዝሃበት እንኮ ሃገር እያ።
ላይን ደቃ ክታበት ክረኽባ ነፍስወከፈን 100 ዶላር ከፊላ እያ።
መብዛሕትኦም ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝርከቡ ስድራቤታት ግን ነዚ መጠን ክኸፍሉ ዓቕሚ የብሎምን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘይተገመተ ወሰኽ
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ወሰኽ ጸሊም ከብዲ ህጻናት ዘጥቅዕ ዘይተፈለጠ ሕማም ኣብ መላእ ዓለም ተራእዩ እዩ።
ክልተ ልሙዳት ቫይረሳት ተመሊሶም ምጥቃዕ ከምዝጀመሩ ድማ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ 35 ሃገራት ብውሑድ 1,010 መልከፍቲታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝተገመቱ ርኽበታት ከምዘለዉ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
ሄፓታይተስ ዋላ'ኳ ንሚልዮናት ዘጥቅዕ ሕማም እንተዀነ፡ ዝተወሃቦ ትዅረት ግን ብኣንጻራውነት ዝነኣሰ እዩ።
ምስቲ ሕማም ዝተወለዱ ሰባት ቀልጢፎም ንሕማም መንሽሮ ዘይቃልዑ ምዃኖም፡ ነቲ ሕማም ብእዋኑ ንዘይምሕካምን ሸለል ክበሃልን ከምዝገበሮ እዩ ኬሪ ጄምስ ዝገልጽ።
"መብዛሕትኦም በቲ ሕማም ዝጥቅዑ፡ ካብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ማሕበረሰብ ምዃኖም'ውን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።”
ላይን ንትምህርቲ ናብ ኣውስትራልያ ምስከደት፡ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ክትዋሳእ ጀሚራ።
"ናብ ኣውስትራልያ ምስ መጻእኩ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ምስ ሚኒስተራት መንግስቲ ቪክቶርያ ኮፍ ኢለ ተዘራሪበ።”
ኣብዚ እዋን ድማ ተመኵሮኣ ንሕሙማት ተካፍል ኣላ።
“ሓይሊ ከምዝረኸብኩ ይስመዐኒ። ብዛዕባ ሄፓታይተስ ክዛረብ ሓጐስ ይስመዐኒ። ዝሓብኦ ነገር የብለይን።”
ኣብዚ እዋን ላይን ጓል 38 ዓመት እያ፤ ንመንእሰያት ድማ ዝስዕብ መልእኽቲ ተሕልፍ።
“ ዓቢይ ጸገም ኣይኰነን፤ ምስ ሄፓታይተስ ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሞያውን ውልቃውን ህይወትኩም ዕዉታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም፡” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







