እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኪነታዊ ኣእምሮ ዝፈጠራ ኣቕራቢት ዜና ኩዌት ምስ ተኸታተልታ ተላልያ
ሓደ ትካል ዜና ኩዌት፡ ንፈለማ እዋን ብኪነታዊ ኣእምሮ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተማህዘት ኣቕራቢት ዜና ፈጢሩ።
እታ "ፌድሃ" ዝብል ሰም ተጠሚቓ ዘላ ማንዛዊት (ቪርቹዋል) ኣቕራቢት ዜና፡ ፈላሚ መደባ ብመንገዲ ትዊተር ኣቕሪባ'ላ።
እቲ ኣካል ጋዜጣ ኩዌት ታይምስ ዝኾነ ኩዌት ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና'ዩ ነታ ኣቕራቢት ዜና ብመንገዲ ትዊተር ኣፋሊጡዋ ዘሎ።
እታ ኣንስታይ ጾታን ገጽን ተዋሂቡዋ ዘሎ ኪነታዊት ኣቕራቢት፡ ጨዓይ ጸጉሪ ዘለዋ፡ ጸሊም ጃኬትን ጻዕዳ ማልያን ለቢሳ'ያ ምስ ሓደስቲ ተኸታተልታ ተላልያ።
ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ ኩዌት ኒውስ፡ ዓብዱላህ ቦፍቴን ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ንኪነታዊ ኣእምሮ ወይ ሰብዝሰርሖ ብልሓት (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) "ሓድሽ ምህዞ" ክፍጠረሉ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
"ፌድሃ እብሃል፡ ኣብ ኩዌት ንፈለማ እዋን ብኪነታዊ ኣእምሮ ዝሰርሕ ኣቕራቢት ኩዌት ኒውስ እየ። እንታይ ዓይነት ዜና ኢኹም ትመርጹ? ርእይቶታትኩም ክንሰምዕ" ብምባል ብቋንቋ ዓረብ መደባ ፈሊማ።
ፌድሃ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ኩዌት ላሕጃ ቋንቋ ዓረብ ብምምዕባል፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዜና ከተንብብ ትጽቢት ከምዘለዎ'ዩ ቦፍቴን ዝገልጽ።
"ፌድሃ፡ ቀደም ኣብ ኩዌት ህቡብ ዝነበረ ስም ኮይኑ፡ ንማዕድን ብሩር ዝገልጽ'ዩ። ንሮቦታት ብሩርን ሓጺንን ገይርና ኢና ንወስዶም፡ ስለዚ ንክልቲኡ ኢና ኣላጊብናዮ"።
ናይታ ብኣርኣያ ሰብ ዝተማህዘት ኣቕራቢት ዜና ጨዓይ ጸጉሪን (ብሎንድ)፡ ብርህ ዝበለ ኣዒንቲን ንብዙሕነት ህዝቢ ኩዌትን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ወጻእተኛታትን ዝውክል ምዃኑ ድማ እቲ ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ ይዛረብ።
ብኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝተደገፉ ኣቕረብቲ መደባት ተለቪዥን ምምዕባል ብኩዌት ኣይኮነን ተጀሚሩ። ኣብ 2018 መንግስታዊት መደበር ዜና ቻይና፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሓደ ባኖ ዝተኸደነ ናይ ሮቦት ድምጺ ዘለዎ ኣቕራቢ ምሂዙ ነይሩ።
ሓደ ካብ ዓበይቲ ባንክታት ዓለም ዝኾነ ጎልድማን ሳክስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኪነታዊ-ኣእምሮ ን300 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ክትክእ ከምዝኽእል ኣሚቱ።
ብፍላይ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን፡ ርብዒ ናይ ዘለዉ ቦታታት ስራሕ ክሽፍን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኮይኑ ግን፡ ምምዕባል ናይቲ ዓውዲ ሓደስቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥርን ዕብየት ፍሪያምነት ከደንፍዕን ምዃኑ'ውን እቲ ባንክ ይገልጽ።