እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብፍልሰት ሰብሞያን ብልሽት መሳርሕታትን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ሆስፒታል ዓይደር
ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓያሎ ሰብ ሞያ ገዲፎምዎ ይኸዱን ናይ ዓበይቲ መምርመሪ ናውታት ሕክምና ብልሽት ስለ ዘጋጠሙዎን እቲ ትካል ጥዕና ንሓደጋ ከም ዝተሳጠሐ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ከም ኤም.ኣር.ኣይ፣ሲቲ ስካን፣ ኦክስጅን ዘፍሪ ማሺን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ናውታት ሕክምና ብሰንኪ ሕጽረት መባእታዊ ጽገናታት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኣብ ዝዀንሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ሓላፊ ልምዓትን ምምሕዳርን ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ሃይለስላሴ በርሀ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተበላሸወን ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ንዝኽእል ኤም.ኣር.ኣይ ማሺን ንምድሓን ሰፊሕ ርብርብ ክግበር ጸዊዑ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ክፍሊ ራዲዮሎጂ እቲ ሆስፒታል ብርክት ዝበሉ ናውታት ሕክምና ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ነቶም ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ሕማማት ጥዕና አእምሮ ንምፍላጥ ዝሕግዝ መሳርሒ ኤም.ኣር.ኣይ ስርሑ ጠጠው ንከየብል ጻዕርታት ክግበር ምጽንሑ ጠቒሱ።
“እዚ [መሳርሒ] ካብ ዝበላሾ ሰለስተ ዓመት ገይሩ ኣሎ፤ ሙሉእ ንሙሉእ ጠጠው ንከይብል ግን ‘ሂልየም’ ዝብሃል ጋዝ ስለ ዘለዎ፡ እዚ ተኒኑ ንከይውዳእ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ብምግባር ንከይበላሾ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና” ኢሉ።
ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ትግራይ፡ ብሕጽረት ቀረብ ኣፋውስ፣ ኦክስጅንን ካልኦት መሰረታዊ እታወታትን ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝተሃሰዩ ትካላት ጥዕና ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ሕጽረት መሐከሚ ጡጥን መሸፈኒ ቑስሊ ፋሻ/ ሻሽ ስለዘጋጠሞም ነጸላ ቀዲዶም፡ ከምኡ'ውን ንዝተጠቕምሉ ጓንቲ ሓጺቦም ይጥቀሙ ነይሮም።
ናይ ቤተ ፈተነ (ላባራቶሪ) ናይ ቅምሶታት መምርመሪ መሳርሒ፡ ናይ ኬሞቴራፒ መድሃኒት ሕጽረት ብምህላው ኣገልግሎት ሕክምና ክፍሊ መንሽሮ ስርሑ ጠጠው ከም ዘበለ ቢቢሲ ኣብ ዝሰርሖም ጸብጻባት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኲናት ጠጠው ድሕሪ ምባሉ እዞም ተደራረብቲ ጸገማት ክፍትሑ’ዮም ዝብል ሰፊሕ ተስፋ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሆስፒታል ሕጂ’ውን ብተደራረብቲ ጸገማት ይብዳህ ምህላው ኣረዲኡ።
“ሕዚ ንመጸገኒ እዚ መሽን ጥራይ 33 ሚሊዮን ብር ይሓተና ኣሎ። እዚ መሽን ብልዕሊ 300 ሚሊዮን ብር እዩ ዝግዛእ” ይብል ሓደ ካብቶም ኪኢላታት ክፍሊ ጥዕና።
ሰኣን ጽገናን ሕድሳትን ስርሖም ጠጠው ዘበሉ ዓበይቲ ማሺናት ናይ ራድዮሎጂ ምስሊ ዝህቡ ከም ኤም ኣር ኣይን ሲቲ ስካንን፣ ኣገልግሎት ሕክምና ጨረር፣ ንላቦራቶሪ፣ ሕክምና ዲያሌሲስን ካልኦትን ዝውዕሉ እታዎታት ሕጽረት ብምህላው እቲ ሆስፒታል ተሸጊሩ ከምዘሎ ኪኢላታት፡ ንግዚያዊ መፍትሒ ተሓሲቡ ክህነጽ ጀሚሩ ዝነበረ ዝበለ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና እውን ጠጠው ከምዝበለ ተገሊጹ።
እቲ ‘ሰለስተ ተስላ ኤም.ኣር.ኣይ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሽን ኣብ ክልል ትግራይ ብሕታዊ መመርመሪ መሳርሒ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ዶክተር ሃይለስላሴ ብሰንኪ እቲ ዘለውዎ ጸገማት ተገልገልቲ ናብ ጅማን ኣዲስ ኣበባን ይልኣኹ ከም ዘለውን ንዘይተደለየ ወጻኢታት ይቃልዑ ምህላዎምን ሓቢሩ።
እቲ መሳርሒ ሕክምና፡ ካብ ሕክምናዊ መርመራታት ሓሊፉ፡ እቲ ሆስፒታል ዘሰልጥኖም ክኢላታት ራዲዮሎጂስት ንምምሃር’ውን ዓብዪ ረብሓ ከም ዘለዎ እቲ ሆስፒታል ይገልጽ።
ካብዚ ወጻእ ምርጋእ ደም ልቢ ከጋጥም እንከሎ ሕክምና ዝወሃበሉ ማሽን፣ ኦክስጅን ዘፍሪ ማሽን ከምኡ’ውን ማይ ዘጻሪ መሳርሒ እቲ ሆስፒታል ተበላሽዮም ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ዘብቅዕሉ ደረጃ በጺሖም ከም ዘለውን ዶክተር ሃይለስላሴ ኣብሪሁ።
እዞም ናይ ሕክምና ናውታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጽገና ክግበረሎም እዩ ዝግባእ ነይሩ።
ፍልሰት ሰብ ሞያ ሕክምና
መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክኢላታቱ ገዲፎምዎ ከም ዝኸዱ ክገልጽ ቀንዩ ኣሎ።
ከም ሓበሬታ ኣካዳሚክ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ክሳብ ሕጂ፡ 29 ስፔሻሊስትን 6 ሓውሲ ስፔሻሊስትን ዝርከቡዎም ኣስታት 221 ዶኳትር ስርሖም ከም ዝለቐቑን ካብዚኦም እቶም 34 ዶኳትር ዜጋታት ሃገራት ወጻኢ ከም ዝዀኑን የመልክት።
ካብዚኦም ብሞያኦም ስፔሻላይዝ ክገብሩ ተላኢዀም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ክኢላታት ሕክምና ከም ዝርከቡዎም እውን ምንጪታት እቲ ሆስፒታል ይጠቕሱ።
እቲ ሆስፒታል ዘለውዎ ፋይናንሳዊ፣ ቀረባት ኣፋውስን ጸገማት መሳርሒታት ሕክምናን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ሓያሎ ጸቕጢ ከም ዘሕደረ ዝገልጽ ሓላፊ ልምዓትን ምምሕዳርን መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ሃይለስላሴ በርሀ፡ ከም ውጽኢቱ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ይስእን ኣሎ ኢሉ።
“ድሕሪ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ሰራሕተኛ፡ ናይ ፋይናንስ ጸገም ጥራይ ዘይኰነ መድሓኒት ከም ሕቶ ዝለዓል ኣይመሰሎን ነይሩ። ሕጂ ግን ኣቑሑ ዘይሰርሑ እንተዀይኖም ናተይ ኣብዚ ምህላው ድኣ እንታይ ይዓብስ ክብል ይኽእል እዩ። ስለዚ ናይ 17 ኣዋርሕ ደሞዝ ኣይመጽአን፣ ናይ ዝሰርሖ ትርፊ ሰዓታት ኣይተኸፍሎን። እቶም ዝኸዱ’ውን 'ንሕብረተሰብና ኣገልግሎት እንህበሉ ባይታ ስለ ዘየለ በቲ ዝተመሃርናዮ ኣገልግሎት ክንህበሉ ናብ እንኽእለሉ ቦታ ኢና ንኸይድ ዘለና' እዮም ዝብሉ” ይብል።
ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ደሞዝ ከይተኸፍሎም ብምጽንሑ ኣብ ሕማቕ ኵነታት መነባብሮ ምጽንሖም ምጽብጻብና ይዝከር።
ኣካል ዓይደር ሆስፒታል ዝዀነ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ መቐለ’ውን፡ ኣብቲ እዋን 3000 ኣባላቱ ነዳዲ ኣብ ዘየለወሉ ብእግሮም እናተጓዕዙ፡ ኣብ ጥራይ ከብዶምን፣ ገሊኦም'ውን ክሳብ ዝወድቍ እናሰርሑ ኣገልግሎት ይህቡ ምንባሮምን ይገልጽ ነይሩ።
ገሊኦም ጸገማት ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እኳ እንተተፈትሑ፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዓይደር ግን ሕጂ’ውን ናይ 17 ኣዋርሕ ሕሉፍ ደሞዝ ከም ዘይተኸፍሎም’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብመንጽር እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ደሞዝ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑ፡ ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ናብ ዝተፈላለዩ ውልቀ ትካላትን ሃገራትን ክኸዱ ልሙድ እዩ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን ሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ዘይኰነ ዝተፈላለዩ ክኢላታትን መናእሰይን ብሕጋውን ዘይሕጋውን መገዲታት ካብታ ሃገር ይወጽኡ ምህላዎም ይፍለጥ።
እቲ ሆስፒታል ኣብ ዓመት ካብ ትግራይ`፤ ካብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋር ከምኡ’ውን ኤርትራን ኣስታት 300 ሽሕ ተገልገልቲ ይመጽኡዎ ነይሮም።
በዚ መሰረት፡ ከም መጥባሕቲ ሓንጐል፣ ሕክምና መንሽሮ፣ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝኣመሰሉ ኣብ ካልኦት ሆስፒታላት ዘይርከቡ ኣገልግሎታት ክህብ እንከሎ፡ ኣብ ዓመት 8 ሽሕ ከበድቲ መጥባሕታት ይፍጽም፤ ኣስታት 5 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣገልግሎት ወሊድ ከምዝረኽባ ይገብር ነይሩ።
ሕጂ እዚ ቑጽሪ እዚ ኣዝዩ ኣንቆልቂሉ ይርከብ።
ስራሕ ካብ ዝጅምር 15 ዓመት ዝገበረ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና፣ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምርን፣ ኣገልግሎት ማሕበረሰብን ዝለዓለ እጃም ዝነበሮ ትካል ጥዕና እዩ።
ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ግን ብዘይ ዝዀነ ዓይነት ባጀት ብውሱን ብርኪ ኣገልግሎት ጥዕና ክህብ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ሰብ ሞያን ብልሽት እስትራቴጂካዊ መሳርሒታት መመርመርን፡ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝወደቐ ዝሓበሩ ክኢላታቱ ነቲ ሆስፒታል ንምድሓን ዝኽእል ዘበለ ኩሉ አእጃሙ ክገብር ተማሕጺኖም ።