ትግራይ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ክወሃብ ጀሚሩ

ኣብ ትግራይ ድሕር ኣርባዕተ ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ 10 ጥቅምቲ 2023 ይወሃብ ከምዘሎ ሓላፊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘና ትምህርቲን ፈተናን ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ውልቀን መንግስታዊን ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ 9,514 ተምሃሮ ነቲ ፈተና ይወስዱ ምህላዎም ሓላፊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘና ትምህርቲን ፈተናን ዶ/ር እሸቱ ከበደ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ፈተና ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ማለት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፡ ዓዲግራት፡ ኣክሱምን ራያን ይወሃብ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ተፈተንቲ፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ምድላው ቅድመ ፈተና ኣብተን ዩኒቨርሲቲታት ክወሃቦም ከምዝፀንሐ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ፡ እቶም ኣብ 2020 ፈተና ክወስዱ ዝነበሮም ግን ድማ ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ዝሰዓበ ኲናትን ዝተኣጓጎሉ ተምሃሮ፡ ድሕር ኣርባዕተ ዓመት ይፍተኑ ምህላዎም ዶ/ር ኪሮስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ዕንወትን ኣስዒቡ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ደው ከምዘበለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሰንኩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ከምዝበዀሩን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ትምህርቲ ከምዝተሓረሙን ጸብጻባት ይገልጹ።

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ'ውን በቲ ኲናት ዓንየን፡ እተን ዝተረፋ'ውን ዛጊድ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ኰይነን ዝጸንሓሉ ኵነታት ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ሎሚ ሰሉስ 10 ጥቅምቲ ዝጀመረ ሃገራዊ ፈተና፡ ኣብ ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሃብ ኰይኑ፡ ተምሃሮ ፈተና ክሳብ ዝውድኡ ካብ ቀፅሪ እተን ዩኒቨርሲቲታት ክወጹ ከምዘይፍቀደሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ስርዓት ፈተና ብዘይካ ብመንግስቲ ንዝውነና ማዕከናት ዜና ንካልኦት ጋዜጠኛታት ዕጹው ስለዝዀነ ቢቢሲ ንተምሃሮ ብቐጥታ ከዘራርብ ኣይከኣለን።

እቲ ፈተና ኣብተን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘመሓድሮም ከባቢታት ጥራይ እምበር፡ ኣብቶም ብሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ብሓይሊ ዝተትሓዙ ከባቢታት ከምዘይወሃብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት፡ ካብቲ ዝወሃብ ዘሎ ፈተና 12 ክፍሊ ብተወሳኺ፡ ብ2012 [ግእዝ] ኣብ 10ይን 11ን ትምህርቶም ዘቋረጹ ተምሃሮ፡ ኣብ ዝመጽእ ጥሪን ግንቦትን ክፍተኑ ምዃኖም መግለጺ ቢሮ ትምህርቲ የመልክት።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ካልኦት ዝተረፉ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ 845,099 ተምሃሮ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ውጽኢት ዘመጽኡ 3.2 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዚ ማለት ካብቶም ልዕሊ 800 ሽሕ ፈተና ዝወሰዱ ተምሃሮ፡ እቶም 2,267 ጥራይ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ በብዓመቱ ዘንቈልቍል ዘሎ ደረጃ ትምህርቲ ብሓፈሻን፡ ውጽኢት መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊን ድማ ብፍላይ ዓቢይ ስክፍታ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ናይ ሎም-ዘበን ውጽኢት'ውን መርኣያ ውድቀት ደረጃ ትምህርቲ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምቅድዳሕን ስርቂ ወረቐት ፈተናንን ንነዊሕ ዓመታት ኣጸጋሚ ኰይኑ ዝጸንሐ ተርእዮ ብምዃኑ፡ ፈተና 12 ክፍሊ ተኣማኒ ንምግባር፡ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክትትል፡ ኣብ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ክወሃብ ከምዝጸንሐ ይንገር።